ድለ

Pope Francis meets the management, staff and patients of Bambino Gesu Children's Hospital, at the Vatican Pope Francis meets the management, staff and patients of Bambino Gesu Children's Hospital, at the Vatican 

ር. ሊ. ጳ.፦ "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ፣ ሰላም ክሰፍን ንጸሊ"

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ዘቕረብዎ ኻልእ ጻውዒት ከምኡውን ነቲ ብዓመጻ እተተንከፈ ዞባታት "ከይርስዑ" ሰላም ንኽሰፍን ብቐጻሊ ክንጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ንህይወት ኣብ ኵሉ ደረጃታቱ ማለት ካብ ጥንሲ ኽሳዕ ባህርያዊ ሞት ከነዕቍቦ" ዘቕረብዎ ለበዋ ውን ይዝክሩ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣፍሪቃ ሳዕስዒትን ኣክሮባትን ድሕሪ ምዕዛቦም "ነቶም ተዋሳእቲ እዚ ምርኢት ስለ ዜስሕቑና አመስግኖም ኣሎኹ" ውን በሉ።
ቃል ምሕጽንታ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕንሪ ሓፈጻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ኣዳራሽ ፖል ሻድሻይ እትራእየ ምርኢት ሙዚቃን ሰርከስን ዘስዓቦ ፍሽኽታ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ገጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕዙን ገጽ ተራእየ፣ ከመይሲ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እተፈላለየ 'ዓይነታት' ስቓይን ግጭታትን ገና ይቕጽል ብምህላዉ ኢዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ ዕለት 8 ጥሪ ምሉእ ብምሉእ ንዓመጻን ምዝመዛ በደልን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ከምኡውን ብኣማእታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ቘልዑ ብሽቅለት ይግደዱ ብምህላዎም "ሰላም ንምኽሰን ምጽላይ ኣይንረስዕ" በሉ።

“ሰላም ኪወሃበና ምጽላይና ኣይንረስዕ ። ነታ በጃ ትኸውን ዘላ ሃገር ዩክረይን ውን ኣይንረስዓያ፣ ንናዝሬት እስራኤል ውን ኣይንረስዓያ ። ንዅለን እተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ኣይንረስዓየን።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ

ምእንቲ ሰላም ምጽላይ

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተደጋጋሚ ዝበልዎ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል እቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከምኡውን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት ኢዩ ። ከምኡ ውን እቲ ብዛዕባ ሞትን ጥፍኣትን ዚገልጽ ዜናታት መዓልታዊ ተለማሚድናዮ ዕለተዊ ናብራና ብምዃኑ ዘይምግዳስ ከስዕበልና ስለዝኽእ ኢዮም ነዚ እተላበዉ።

“ምእንቲ ሰላም ክሰፍን ንጸሊ። ውግእ ወትሩ ስዕረት ምዃኑ እውን ኣይንረስዕ። ጐይታ ንዅላትኩም ይባርኸኩም።”

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2025 ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ራቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ካብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ቃላት ብምጥቃስ "ስልጣኔ ፍቕርን ህይወትን ህነጹ" በሉ። ንፖላንዳውያን ነጋድያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኻብቶም ወዲ ዓዶም ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቐቢሎም ከም ሓደ "ቀዳምነት ዚወሃቦ ዕዮ" ገይሮም ኪቕጽልዎ ተላበውዎም።

“ንህይወት ወድሰብ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ዕቤቱ ማለት ካብ ጥንሲ ኽሳዕ ተፈጥሮኣዊ ሞት ብፍቕሪ ኣዕቍብዎ ። ውሉድኩም ድማ ብጥበብን ብጸጋን ኣዕብይዎም።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣባላት ጉጅለ ሰርከስ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣባላት ጉጅለ ሰርከስ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ
08 January 2025, 15:20