ር. ሊ. ጳ. መበል 600 ዓመት ዝኽሪ ማሕበረሰብ ጂታኖ ስጳኛ ንምዝካር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ኣባ ተወለደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሃገር ስጳኛ ን600 ዓመታት ዚኣክል ተቐማጦ ጂታኖ ዚነብሩላ ሃገር እያ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ዝኽሪ እዚ ንምብዓል "ንመጻኢ ብተስፋ ኺጋጠምዎ" ዜተባብዕ መልእኽቲ ናብቲ ማሕበረሰብ ለኣኹ።
ንኣምላኽ ምቕራብ
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገለጽዎ ኣብ ስጳኛ ዚነብሩ ማሕበረሰብ ጂታኖ ግጉይ ምርዳእን ምንጻግን ሕድገትን ይገጥሞም ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን ኣምላኽ "ምስ ህዝቢ ጂፕሲ ሰበኽ ሳግም" ስለ ዝዀነ ኣብ ጽንኩር እዋናት እውን ከይተረፈ 'ንኣምላኽ ከም ዝቐርብዎ' ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ቤተ-ክርስትያን ማሕበረሰብ ጂታኖ ከምኡውን ማሕበረሰብ ስጳኛ ብሓፈሻ ነቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንምዕጋት ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣጕልሑ። እንተዀነ ግን "ክሰግርዎ ዘለዎም ጽልእን ዘሳቒ ዅነታትን ገና ስለ ዘሎ" ደው ከብል ተማሕጸኑ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ስራሕ ንምርካብ ዝቃለሱ ዘለዉ መንእሰያት ትምህርቲ ዘቋርጹ ኰተቴታት ከምኡውን ኣብ ስድራቤቶምን ማሕበረሰቦምን ጾታዊ ኣድልዎ ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ ዘጠቓልል ኢዩ።
ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ መልእኽቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1965 ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ጂታናውያን ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ውን ዘከሩ ። ቅዱስነቶም ኸኣ "ኣብ ልቢ ቤተ ክርስትያን ኢኹም ዘሎኹም" በልዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን ነቶም ኣብ ስጳኛ ዝነበሩ ጂያናውያን "ደቂ ቤተ-ክርስትያን" ክብሉ ብምጽዋዕ ነዚ መልእኽቲ እዚ እንደገና ኣመሓላለፉሎም። ቤተ-ክርስትያን ማዕጾኣ ኽፉት ከም እትገብረሎምን ማሕበረሰብ ጅታኖ ብክርስትያናዊ እምነት ንኽዓብዩ ኸም እተፍቅድን ገለጹ።
ኣብ እተፈላለየ ኩነታት ብሓባር ምጕዓዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኸም ዝገለጽዎ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ሲኖዶስ ተገሊጹ እዩ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ሰበኻታት ብሓባር ምጕዓዝ ዚብል ሓሳብ እዩ ዝነብረ። ማሕበረሰብ ጂታኖ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ብዙሕ ከወፍዩ ከም ዝኽእሉ ውን ኣጕልሑ - "ንሽማግሌታት ምክንኻንን ስድራቤታዊ ስምዒት ምህላውን፣ ንፍጥረት ምሕላይ፣ ጸልማት ደበና ኣብ ዚረኣየሉ እዋን እውን ከይተረፈ ሓጐስ ናይ ምዕቃብን ናይ ምምዕባል ክእለትን፣ ትርጕም ስራሕን" እውን ጠቐሱ።
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዞም ማሕበረሰብ ደቀመዛሙርቲ ልኡካነ ወንጌል ንኪዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ በቲ ቓላቶምን ቈራጽነቶምን ሕውነቶምን ኣቢሎም ከኣ ነቶም ሓጐስ ህይወት ዝሰኣኑ ብዙሓት ሰባት ናይ ተስፋ ነጋድያን ኪዀኑ ኣተባብዕዎም።
ምስ ኩሉ ተሰማሚዕካ ምንባር ዜርኢ ኣብነታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ማሕበረሰብ ብሓባር ክኸዱን መዓጹ ክኸፍቱን ብምምሕጻን ኣብነት ናይቶም ንማሕበረሰብ ጂታኖ መምህራን እምነትን ህይወትን ዝነበሩ ብፁዕ ኤሚልያ ፈርናንደዝ ሮድሪገዝን ብፁዕ ሰፈሪኖ ጅመኔዝ ማላን ዘከርዎም ። ክልቲኦም ኣብ እምነቶም ደው ብምባል ሰማእታት ኰይኖም ኢዮም፣ ጸሎቶም ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ነቲ ኣብ መዝሙር ጅታኖ ዚርከብ ቃላት ብምስትንታን ስጕምቲ ንኺወስዱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ። ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም 'ኪመላለሱ ብሉጽነት ርእሶም ኬቕርቡ፣ ለውሃት ኣምላኽ ኬመሓላልፉ' ውን ተማሕጸንዎም።