ድለ

2025.01.10 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህጻናት፡ ሓቀይና ዕርክነት ተስፋን ስቓይን ይካፈል! 2025.01.10 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህጻናት፡ ሓቀይና ዕርክነት ተስፋን ስቓይን ይካፈል!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህጻናት፡ ሓቀይና ዕርክነት ተስፋን ስቓይን ይካፈል!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥሪ ጥረን ስነ ደምን መንሽሮ ሕማማት ካብ ዝከታተል ኣብ ሆላንድን ካብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ህጻናት ንዝመጹ ህሙማን ሕጻናት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ፖላንድ ከተማ ውሮክላው ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕማም ጥረን ደምን መንሽሮ ክንክን ዝግበረሎም ሕጻናትን መንእሰያትን ተቐቢሎም ተስፋ ኣብ እትብል ቃል ሕመረት ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

“ዓመተ ኢዮቤል እግዚኣብሔር ፍሉይ ጸጋ ክህበና ዝደልየላ ዓመት” እያ እዚ እውን ንሓድሕድና እውን ተስፋ ክንወሃሃብ እተተባብዓና ዓመት እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መሰኻኽር ተስፋ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቶም ሕጻናትን መንሰያትን “ንሕድሕድና ተስፋን ፍቕርን ክንለዋወጥ ዕድል ኣሎና።

ቢሎም ምስ ሕጻናትን መንእሰያትን ምርኻብ ወትሩ ከም ዘሐጉሶም እውን እንከመላኽቱ፡ ሕጻናትን መንእሰያትን “ምልክት ተስፋ” እያቶም እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ህልው ስለዝኾነ፣ “ንሱ ኣብ ዘለዎ፣ ዘየሕፍር ተስፋ ኣሎ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፥ ብናይ ገዛእ ርእስና መከራ ኣቢልና ምስቲ ኣብ መስቀል ምእንታና ብፍቓዱ ዝተሳቐየ ኢየሱስ ክንጥርነፍ ንኽእል። ነዚ ርክብ እዚ “ፈተና ዕርክነት” እንክብሉ ገሊጾም፥ መሰረታዊ ምኽንያት ድማ “ሓጎስ ናይቲ ካልእ እውን ሓጎሰይ ክኸውን እንከሎ፡ ቃንዛ ናይቲ ካልእ እውን ቃንዛይ ክኸውን እንከሎ” እዚ ዝኸውን ድማ ኣብ መንጎ ሰባት ሓቀይና ዕርክነት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፈተውቲ ኢየሱስ

ቅዱስነቶም ነቶም ሕጻናትን መንእሰያትን ካልእ ምልክት ፍቕሪ ኢየሱስ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘለዉ ሰባት ክረእዩ ከም ዝኽእሉ ኣዘኻኺሮም። "ፍቕርን ቀጻሊ ህላወን ወለድኻትኩምን፡ ሕያዋይን ምዉቕን ፍሽኽታ ናይቶም ዝከናኸንኹምን ጥዕናኹም ንምምሕያሽ ዝሰርሑን ሓካይም፡ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን"- እዚ ኩሉ “ንስኻትኩም ተስፋኹምን ሕልምታትኩምን ንኽትነብሩ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ . . . ንኢየሱስ ዝፈቱ ንኣረኣእያ ኢየሱስ ከም ዝካፈል ኣስሚሮም: ስቓይኩም ጸሎት ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣገልግሎቶን ንቤተ ክርስትያን ገርኩም ክተወፍይዎ እምሕጸን . . .  ነቶም ሕጻናት ምእንቲ እቶም "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሕጻናት ከምኣቶም - ከምዚ ዝኣመሰለን ካልእ ኣገዳሲ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ተኽእሎ ዘይብሎም" ምስኦም ሓቢሮም ክጽልዩ ዓዲሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 January 2025, 16:47