ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ሕ. መ. ኣ. ብባርዕ ሓዊ እተጐድኡ ሰባትን ምእንቲ ሰላምን ጸልዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምስቶም ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት በቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ባርዕ ሓዊ እተጠቝ ተቐማጦ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ካውንቲ ካሊፎርንያ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ብምግላጽ ምእንትኦም ከም ዝጽልዩ ውን ገሊጾም።
እዚ ናይ ሓድነትን ሻቕሎትን ቃላቶም ደድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ናብቶም ናይ ሰበኻ ሎስ ኣንጀለስ ሊቀ-ጳጳሳት ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ሆሴ ጎመዝ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ በቲ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሎስ ኣንጀለስ ብቐጻሊ ዝነድድ ዘሎ ባርዕ ዘስዓቦ "ሞት" ከምኡውን "ሰፊሕ ዕንወት" እተሰምዖም ዓሚቝ ጓሂ ገለጹ።
ባርዕ ሓዊ
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ትማሊ ሰንበት እቶም ሓልታት መጥፋእቲ ሓዊ፣ እቲ ብርቱዕ ንፋስ ቅድሚ ምግዳዱን ነቲ ባርዕ ሃዊ ናብ ገለ ኻብቲ ኣብታ ኸተማ ህቡብ ዝዀነ ቦታታት ክደፍኦ ዝኽእል ሃልሃልታ ንምጥፋእ ኣብ ዝቃለሱሉ ዝለዉ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ዘጋጠመ ባርዕ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 24 ደይቡ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካውንቲ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት መኰነን ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብቶም ክሳዕ ሕጂ ዝሞቱ ሓሙሽተ ብሰንኪ እቲ "ባርዕ ፓሊሳደስ" እተሰምየን ከምኡ ከኣ እቶም 11 ብሰንኪ እቲ "ባርዕ ኤቶን" ዝተሰምየ እዮም ዝኾኑ ዝለዉ ።
እቶም ናይ ፖሊስ ኣክላባት ዘለዉዎም ጕጅለታት ኣብቲ ዝዓነወ ኸባቢታት ዳህሳብን መርመራን ኣብ ዝገብሩሉ ዝለዉ እዚ ኣሃዝ እዚ ክውስኽ ትጽቢት ከም ዝገበሩ ሰበ - ስልጣን ይገልጹ ። ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝጠፍኡ ሰባት ጸብጻብ ክህቡሉ ዝኽእሉ ማእከል ኣቚሞም ውን ኣለዉ። ካብቲ ከባቢታት ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ከም ዝለዎም ዝሕብር ሓድሽ መጠንቀቕታ ውን ይስማዕ ኣሎ ንብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ስለ ዘስግእን ከምኡ ውን ህቦብላ ንፋስ ነቲ ባርዕ ሓዊ ናብ ቤተ - መዘክር ጀይ. ፖል ጌቲ ገጹን ከምኡውን ናብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ኣቢሉ ከሳግሮ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣታት ውን ኣሎ ።
ጸሎት ምእንቲ ሰላም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ንሓያሎ ሕጻናት ድሕሪ ምጥማቖም ዝተሰምዖም ሓጐስ ድሕሪ ምግላጽ ምእንታኦምን ምእንቲ ስድራቤቶምን ጸሎት ክግበረሎም ምሕጽንታ ኣቕረቡ ።
ናይቶም ክቡር ኣባ ጆቫኒ መርሊኒ ዝተሰምዩ ሚስዮናዊ ካህን ኣዋጅ ብጽዕና ውን ጠቒሶም፣ ንኣባ ጆቫኒ መርሊኒ ውን ከም "ንሓያሎ ነፍሳት መንፈሳዊ ኣማኻርን መልእኽተኛ ሰላምን" ክብሉ ጸውዕዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ነቲ ደኺመ ኸይበሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ምሕጽንታ ዳግም ብምሕዳስ ውግእ ወትሩ ስዕረት ከም ዝኾነ ብምዝኽኻርን "ኣብ ዩክረይን ማእከላይ ምብራቕን ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ክንጽሊ ኸለና" ውን በሉ።
"ሰላም ኪወሃበና ኻብ ምጽላይ ኣይነቋርጽ። ውግእ ወትሩ ስዕረት ኢዩ" ውን በሉ።