ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Vespri in Latino
መርሓ ግብሪ ፈነወ
FILE PHOTO: Civilians flee from Goma FILE PHOTO: Civilians flee from Goma 

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ሰላም ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝለገስዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን፣ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ተቐናቐንቲ ጉጀለታት፡ ነታ ምስ ሩዋንዳ እትዳወብ ምብራቓዊት ከተማ ድሕሪ ምቁፃሮም፣ ምእንቲ እቶም ኣብ ጎማ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከከቡ ሰላማውያን ሰባት ጸሎትን ምሕንታን ኣቅሪቦም።
ቃል ምሕጽንታ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሕፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕንትን፣ “ሰላምን ደሓንን ብቕልጡፍ ክምለስ ክጽሊ ኣለኹ፣ ሰበ-ስልጣንን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ ንጸሊ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት ዘለዎም ሻቕሎት ውን ገለጹ፣ ንዅሎም እቶም ሰልፍታት ኸኣ ውግእ ደው ከብሉን፣ ኣብ ጎማን ከባቢኣን ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ከዕቍቡ ተማሕጸንዎም።

ትማሊ ሰሉስ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ኪንሻሳ እተገብረ ናዕቢ እውን ኣቓልቦ ሰባት ይስሕብ ኣሎ፣ ከመይሲ እቶም ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ናብ ኤምባሲታት ሃገራት እተን ኣብ ኣውራጃ ሰሜን ኪቩ ዝርከባ ውን ኣኽቢቦምወን ኣለዉ።

"እቲ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኪንሻሳ ዚፍጸም ዘሎ ኩነታት የስግኣኒ ኣሎ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን ንብረቶምን ዚወርድ ዓመጻ ድማ ክቛረጽ ተስፋ እገብር" በሉ።

ኣብ ጎማ ዝካየድ ዝሎ ውግእ ነቲ ብቤተ-ክርስትያን ዝካየድ ንጥፈታት ውን የጥቕዕ ኣሎ

ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት እቶም ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ኤም23 ፣ ንርእሲ ኸተማ ናይታ ኣብ ሰሜን ኪቩ እትርከብ ኣውራጃ ዲሞክራሲያዊት ሪፓሊክ ኮንጎ ንምቁጻር ምስ ሰራዊት እቲ መንግስቲ ይዋግኡ ኣለዉ።

እዞም ብሩዋንዳ እተደገፉ ሚሊሻ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብታ 2 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ዚነብሩላ ኸተማ ኣትዮም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ነቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ ናዕቢ ብዘስደምም መገዲ ኸም ዘጋደድ ጌርዎ ከም ዘሎ ይሕብር።

ጉጅለ ኤም23 ንመዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ትማሊ ሰሉስ ካብ ዝተቆጻጸሩሉ ግዜ ኣትሒዞም፣ ኣብ ልዕሊ ጎማ ዘለዎም ቝጽጽር ንምድልዳል ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ህንጻታት ውን ከም ዝኣተዉን ንሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉን ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ሰበኻዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዊሊ ኑምቢ ንገንገለ፣ ብሰንኪ እቲ ግጭት ብዝተገብረ ተዅሲ፣ ኣብቲ ማተርናል ቤተ ሕክምና ጀነራል ቻሪቲ ዚርከብ ሕክምና ሕጻናት ከም እተሃርመ ገሊጾም፣ ብዘንኪ እዚ ድማ "ብዙሓት ናጽላታት ከም ዝሞቱ ገይሩ ኣሎ"።

ወሲኾም ድማ ብፁዕነቶም ወ፣ እቲ ሓድሽ እተመረቐ ቤት ጽሕፈት እቲ ሰበኻ መሳዅቱ ኸም ዝዓነወ ውን ኣመልከቱ።

እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ጎማ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዞም ካብ መንበሪ ገዛውቶም ይሃድሙ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ነቶም ድሮ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ 1 ሚልዮን ዝዀኑ፣ ካብ መረበቶም ከም ዝመዛበሉ ገይርዎም ኣሎ።

ብመሰረት ናይቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዝርከብ ትካል ሰባኣዊ ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ዝኾነ በርናርት ባሊቡኖ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ህጹጽ ናይ ግብረ-ሰናይ ሓገዝ የድልዮም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ባሊቡኖ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እታ ኸተማ በቲ ውግእ ክትዕጾ ተገዲዳ ኣላ፣ ብኣማእት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከኣ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ ፣ ብዙሓት ከኣ ኣብ ጐደናታት ይልምኑ ኣለዉ" ይብል ።

እተን ኣብ ጎማ ዚርከባ ኣርባዕተ ቐንዲ ሆስፒታላት ብኣማእታት ዚቝጸሩ ብዝቘሰሉ ሰባት መሊአን ኣለዋ ።

ብመሰረት እቲ ንሓደ ኻብ ሆስፒታላት ጎማ ዝከታተል ትካል ቀይሕ መስቀል ሰላማውያን ሰባት ብጠያይቲ ተሃሪሞም ብኣውቶቡሳት ብሞተር ሳክላትን እዮም ዝመጹ ዘለዉ ክብል ሓቢሩ ኣሎ።

29 Jan 2025, 13:14
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930