ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈረሰይናታት ማልታ፡ ኢየሱስ ኣብ መንገዲ ልግሲ የሰንየኩም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ዕለት 3 ጥሪ ካብ ዞባ ኢጣሊያ ካታንዛሮን ሲቺሊያን ዝመጹ ሕውነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕን ወንጌላውን ማሕበር ፈረሰይናታት ማልታ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ዕለት 1 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ከም ዘብዓልና ብምዝኽካር "ንሳ ሓላዊት ሕውነትኩም እያ፡ እዚ ድማ Odighítria - ሓባሪት መገዲ ብዝብል መዓርግ እነኽብራን እንምህለላን 'መንገዲ እተርእየና ኣደ እያ ማለት ነቲ መገድን ሓቅን ህይወትን ዝኾነ ኢየሱስ እተርየና እያ . . . ቅዱሰንቶ ብዛዕባ Odighítria - ሓባሪት መገዲ ምስሊ ማርያም ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ማርያም ምእንታና ዝተወልደ መድሓኒ ኣብ ሕቑፋ ሒዛ ከምዘላ ዘርእይ ምዃኑ እውን ብዝኽኻር፥
እቲ ምስሊ ቅድስተ ማርያም መራሒት መገዲ ዝብል መጸውዕ ዘልዎ ዘርእይ ንሳ መንገድ እትሕብረና ፍቕሪ ብኣምልኾን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ንኻልኦት ብምግልጋልን ኣብ ታሪኽ - ክውንነት ከተማታትኩም ብምእታው እትምስክርዎ ናይ ፍቕሪ ፍጻሜ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣምልኾን ስድገትን
ብፍላይ ኣብዚ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ልኡካን ማሕበር ፈረሰይናታት ማልታ ነቲ ብብሕቶም ኮነ ብማሕበር ዝግበር ጸሎት ከደልድሉ ኣተባቢዖም፥"እዚ ነቲ ናይ ጥንቲ ምሕዝነትኩም ብቐጻሊ ዘሐድሶ ሓይሊ ይኹንኩም”
እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥
ንምግልጋል
ኣስዒቦም ‘ምግልጋል’ ኣብ ዝብል ግሲ ተመስሪቶም፥ “ንድኻታት ክትከናኸንዎምን ንሕሙማት ክትበጽሕዎምን ነቶም ዝሳቐዩ ከተሰንይዎምን እንኮለኹም "ንጐይታ ተገልግልዎ ኣሎኹም" . . . ኣብ መንጎ ኣምልኾን ኣገልግሎትን ኣዝዩ ጥብቂ ምትእስሳር ከም ዘሎ ብምጕላሕ፡ ነዚ ወትሩ ክትግብርዎ ድማ ተማሕጺኖም፥ "ክርስቶስ ከገልግል ናብ ዓለም መጸ . . . "ንስኻትኩም ድማ ምስቲ ተኽሊ ወይኒ ጨናፍሩ ብምዃን ሓድነት ምስ ዝህልወኩም ንትሑታትን ነኣሽቱን ብርህራሀን ብለውሃትን ክትቀርቡ እንከለኹም ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ተስፍሑ፡ ሽዑ ድማ ንኣምላኽ ከም ዝተወፈኹምን ንኣሕዋትን ኣሓትን ከተገልግሉን እንከለኹም ምስክርነትኩም ኣብ ኩሉ ቦታን ንኹሉን ክበርህን ከብርህን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምጒዓዝ
ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ምጒዓዝ" ዝብል ግሲ መሰረት ገይሮም፥ እዚ ድማ ኢየሱስ፡ እቲ መንገዲ፡ ኣብ እዋን ምድራዊ ንግደት ሽግ እምነት ወሊዕና፡ ብጽንዓት ክንስዕቦ ከም ዝጽውዓና ዘዘኻክረና እዩ . . . ምስ በሉ፥ ሕውነትኩም፣ ብሓቂ፣ ዓመት መጸ ሽምዓ ፋሲካ ንባዚሊካ ላተራን ንናይ ር.ሊ.ጳ. ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ምሳለጢ እተቕርብዎ ወፈያ ብሓቂ የቐነየለይ . ስለቲ ልግስኹም የቐንየልና፡ ከም ጳጳስ ሮማ ፍሉይ ምስጋና አቕርበልኩም: . . . ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ንዝተሳተፉ ኣባላት ሕውነት ማሕበር ፈረሰይናታት ማልታ ኣብ መንገዲ ልግሲ ኣብ ዝገብርዎ ጒዕዞ ብተስፋ ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ ድማ "ጎይታ ወትሩ ከሰንየኩም እዩ" እንክብሉ ብምርግጋጽ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።