ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብዛዕባ ሕግታት ጐደና ምምሃር ኺጅምር ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ንኣቦ መንበርን ንኣወሃሃድትን ፈደረሽን ኣባይቲ ትምህርቲ ምዝዋር ማካይን ኢጣልያ፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ዓመት ኢዮቤል ኸም ብሓድሽ ንኽንጅምር ዝሕግዘና ምቹእ እዋን እዩ ክብሉ ተላበውዎም። ከመይሲ ንብዛዕባ ኣከባቢ ምምሃርን ምስልጣንን ዝሓሸ መጻኢ ንኽንረክብ ኣበርክቶ ዝገብር ክልተ መዳያት ዘለዎ ምዕብልና ምዃኑ ውን ኣምልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ነቶም ልኡኻት ኣብ ዝሓለፈ 120 ዓመት "ኣብ ኣገልግሎት ዜጋታት ዝገብርዎ ኣበርክቶ" ብምጥቃስ ኣመስገንዎም። "ኣብዚ ዝለዋወጥ ዘሎ መዋእል እዚ ንሰባት ንድሕንነቶምን ከምኡውን ንውሕስነቶ ኣብ ቅድሚት ብምግባር " ንዘወፍይዎ ዘለው ቐጻሊ ቘራጽነት ውን ነኣድዎም።
ዓመት እልልታ ከም ብሓድሽ ንምጅማር ይሕግዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዓመተ ኢዮቤል ንዅሎም ደቂ ሰባት ከም ብሓድሽ ንኺጅመሩ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ከም ዚኽእል ውን ኣመልከቱሎም። ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴናን ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ቕዱሳንን ከነለልዮም እንተ ደኣ ክኢልና፣ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ሓጐስ ንሰበት ጦብላሕታ ክንፈጥረሎም ደኣ እምበር፣ ስቕ ክንብል ኣይገብረናን ኢዩ" ብምባል ውን ኣዘኻኸሩ።
ስለዚ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ 'ተስፋ ከይቆረጽኩም' የግዳስ "ከም ብሓድሽ ክትጀምሩ" ኣሎኩም ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።
ሓላፍነትን ኣኽብሮትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ምምሃርን ንምድሪ ምዕቋብን ነዚ ሕጂ ዘሎ ተስፋ ብኸመይ ከም ዘብርሆ ንዅሎም ሰባት ብቑዕ መጻኢ ኽሃንጹ ከም ዘኽእሎምን ብምሳሌ ገለጹሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጀመርታ ናብ ሥነ-ትምህርቲ ምልስ ብምባል፣ ካብ ኣብያተ - ትምህርቲ ኣትሒዙ ናይ ምክብባርን ድሕንነትን ባህሊ ምምሃር ከም ዘድሊ ገለጹ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ስለ እዚ ፈደረሽን ዘወፍዮ ዘሎ ትምህርታዊ መደባት ድሕሪ ምምስጋን፣ ሓላፍነት ዝስከም ባህርያት ምምዕባል፣ ንሕግታት ጐዳና ምኽባር ከምኡውን ክበድ ሓደጋታት ምፍላጥ፣ ሲቪላዊ ህላወ ከም ዘስፋሕፍሕ ከምኡውን ሸቶ ናይቶም "ኣብ መገዲ ዘለዉ ተነቀፍቲ ግዳያት" ንምብጻሕ ከም ዝሕግዝ ገለጹ።
ንነባርነት ምትብባዕ
ብድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሥነ ኣከባቢ ምልስ ብምባል ድማ ቍጽሪ ማካይን፡ ምህላኽ ዘይሕደስ ጸዓት፡ ዋጋ ነዳዲ፣ ብከላ ኣየር ከምኡውን ጻዕቂ ትራፊክ ገለ ካብቲ ኣብዛ ሓባራዊት ቤትናን ንተቐማጦኣን "ዘይከሓድ ጽልዋ" ከም ዘስዕበሎ ውን ኣስተንተኑ።
"ህይወት ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ!" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።
በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውሕስነትን ህይወት ነባሪ ንኪኸውን ዘኽእል ውዕል ብምግባር ነዚ ብድሆታት እዚ ብህጹጽ መፍትሒ ክገብሩሉ ከም ዘለዎም ውን ጻውዒት ኣቅረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳኖምም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡን ንስድራቤቶምን ንዕዮኦምን፣ ናብቲ ጠበቓ መራሕቲ ማካይን ዝዀነቅዱስ ክሪስቶፈር ብምውፋይ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።