ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ንነፍሲ ወከፍ ስንክልናን ተኣፋፍነትን ቦታ ዝህብ እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ንነፍሲ ወከፍ ስንክልናን ተኣፋፍነትን ቦታ ዝህብ እዩ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕውነታዊ ሕብረተሰብ ንነፍሲ ወከፍ ስንክልናን ተኣፋፍነትን ቦታ ዝህብ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓለም ሓቆፍ ትምህርታዊ ውዕል ዝተደረኸ ንኣተባባዕቲ ውጥን ኣቢያተ ትምህርቲ ንህይወት ኣባላት ዕለት 10 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ሰብኣውነት ናብ ማእከል ብምምላስ ጥራይ ኢና ብፍላይ ንመንእሰያት ናይ ብሓቂ ፍትሓውን ደጋፍን ሕብረተሰብ ክንሃንጽ እንኽእል ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትምህርቲ ሰብኣውነታዊ ምግባር ከምቲ መስረትቲ ናይቲ ውጥን ዝገልጽዎ፥ “ኣብ ምትሕልላፍ ፍልጠት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ዓቕሚ ርህራሄን ሕውነታዊ ፍቕርን ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንምፍጣር ዝኣመተ እውን እዩ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥

ዓቕሚ መንእሰያት ምምዕባል

ኣስዒቦም፥ ንኹሉ ሰብ ምስ ኩሉ ተነቃፍነቱ ብምቕባል “ንኹሉ ሰብ ክትቀርብ፡ ቁስሊ ናይቶም ዝሳቐዩ ክትፍውስ፡ ነቶም ዝሳቐዩ ብለውሃት እትከናኸን ነቶም ኣብ መሬት ዝወደቑ እተተንስእ ክፍትን ተቐባሊትን ዝብል ብዙሕ ግዜ ተስፋ ዝገበርኩላ እትወእን ናብ እትብልን ቤተ ክርስቲያን እትስግዉ ኢኻትኩም፥

ብፍላይ መንእሰያት ዋላ እኳ ድሩትነት እንተሃለዎም፡ ዘይንግምቶ ዑቑር ዓቕሚ ዘለዎም እያቶም። ምሉእ ብምሉእ ሓሳቦም ዝገልጹሉ ቦታታት ክንፈጥረሎም ንጽዋዕ

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብቅዲ ወንጌል

ቅዱስነቶም ንባኣላት ኣተባባዕቲ ውጥን ኣቢያተ ትምህርቲ ንህይወት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ማሕበር ኣፍልጦ ብምሃብ፥ እቲ ዝኽተሎ ውጥን ምስቲ ወንጌል ዝሰማማዕ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ዘስፍሕ ብመሰረት እዚ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ተኣፋፍነቱ ብዘየገድስ ተሰካሚ ውሽጣዊ ክብርታት እዩ” ከምኡ’ውን “ነፍሲ ወከፍ . . . ህይወት ወዲ ሰብ ዘይገሃስ ካብ ኣምላኽ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ዝተቐበሎ ክብሪ ኣለዎ፥

ኣብዚ ናይ ኢዮቤል ዓመት ተስፋ፡ ብቆራጽነት ክትጸንዑ እላቦ፡ ምኽንያቱ ማእከልነት ሰብኣውነት ብምምላስ፡ ምስ መንፈሳዊ ሸነኻቱ ብምውህሃድ ጥራይ ኢና፡ ናይ ብሓቂ ፍትሓውን ደጋፍን ሕብረተሰብ ክንሃንጽ እንኽእል!

ቢሎም፥ ተበግሶታትኩም “ብስንክልና ወይ ብተነቃፍነቶም ንዝተገለሉ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሕውነታውን ሓጐስን ማሕበረሰብ ዘለዎም ቦታ ዘውሕስ እዩ . . .  ተወፋይነትኩም “ንኻልኦት ተበግሶታት ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝድግፉ መደባት የነቓቕሕን ንመንእሰያት ወለዶታት ብህጹጽ ንዘድልዮም ውሁድ ትምህርቲ ሓድሽ ኣረኣእያታት ይኸፍት” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 January 2025, 16:52