ድለ

Driver crashes into crowd celebrating New Year's Day in New Orleans Driver crashes into crowd celebrating New Year's Day in New Orleans 

ር. ሊ. ጳ. በቲ ኣብ ኒው ኦርሊንስ እተፈጸመ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ 'ኣዝዩም ሓዘኑ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ኣብ ኒው ኦርሊንስ ዝርከቡ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ግሪጎሪ ኣይሞንድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተፈጸመ ግብረ-ሽበራቲ መጥቃዕቲ እተጐድኡ ሰባት 'መንፈሳዊ ቅርበት' ከም ዘለዎም ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ከተማ ኒው ኦርሊንስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገለ ግብረ-ሽበራውያን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዘጋጠመ "ሞትን መጕዳእትን" ምስ ሰምዑ "ኣዝዮ ከም ዘጕሃዮም" ገሊጾም።

ብዕለት 1 ጥሪ ሓደ ወዲ 42 ዓመት ሰብኣይ ብናይ ጽዕነት ማኪና ብናህሪ እናዘወረ ናብ ሓደ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦምሉ ዘለዉ ቦታ ብምእታዉ 15 ሰባት ቀቲሉ ብዙሓት ድማ ተጐዲኦም ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቶም ናይ ሰበኻ ኒው ኦርሊንስ ሊቀ-ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ግሪጎሪ ኣይሞንድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ምስ መላእ ሕዝቢ እታ ኸተማ ዘለዎም "መንፈሳዊ ጥብቕ ቅርበት" ኣረጋገጹ ነቶም ግዳያት ከኣ "ፍቕራዊ ምሕረት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ" ብምጽላይ ኣጸናንዕዎም።

ኣብቲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እተፈረመ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ እቶም እተጐድኡ ይጽልዩ ኸም ዘለዉን ከምኡውን "ከም ጻዒት ሰላምን ብርታዐን ጐይታ መጠን፣ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣመሓላለፉሎም"።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኣይሞንድ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምእንቲ እቶም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ይጽልዩ ኸም ዘልዉ ውን ገለጹ፣ ነዚ ድማ "ህይወት ሰብ ምሉእ ብምሉእ ከም እተናዕቀ ዝሕብር ምልክት" ኢዩ ክብሉ ጸውዖ። ነቶም ኣኽበርቲ ሕግን ሰብ ሞያ ጥዕናን እውን ስለቲ "ኣብ ቅድሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ክፍኣት" ዘርኣይዎ ጅግንነት ኣመስገንዎም።

ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኒው ኦርሊንስ
ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኒው ኦርሊንስ

እቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ

ኣብ ወጋሕታ ዕለት 1 ጥሪ ሓደ ሻምሱድ-ዲን ጃብባር ዝተባህለ ተወላዲ ቴክሳስ ከምኡውን ገዲም ወተሃደር ሰራዊት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነ ናይ ጽዕነት ማኪና ተኻርዩ ብናህሪ እና ዘወረ ናብቲ ጻዕቂ ሰባት ዝነብሮ ናይ ከተማ ኒው ኦርሊንስ ቅርዓት ፈረንሳ ኣተወ።

ድሕርዚ ምስ ኣክበርቲ ጸጥታ ተዅሲ ብምኽፋቱ ተቐትለ ። ይኹን እምበር ሰበ -ስልጣን ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መጥቃዕቲ ኸም እተሳተፉ ኢዮም ዝኣምኑ ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትካል ውሽጣዊ ስለላ ዝኾነ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ከም ዝገለጾ ኣብታ ማኪና ሰንደቕ ዕላማ እስላማዊ መግስቲ ተረኺቡ ኣሎ ፣ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጆ ቢደን ከኣ እቲ መጥቃዕቲ በቲ ጕጅለ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኸም እተፈጸመ ገሊጹ ኣሎ ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ከአ ሓንቲ ተስላ ሳይበርትራክ ኣብ ወጻኢ እቲ ኣብ ከተማ ላስ ቨጋስ ዚርከብ ኣህጉራዊ ሆቴል ትራምፕ ከም እተባርዐትን እቲ መራሕ ማኪና ክም ዝሞተን ኣብልእሊ ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ድማ ጉድኣት ከም ዘውረደትን ተፈሊጡ ኣሎ። ኤፍ. ቢ. ኣይ. እቲ ነትጒ ግብረ-ሽበራዊ ምኹኑን ዘይምዃኑን ይምርምር ከም ዘሎ ድማ ሰበ-ስልጣን ገሊጾም ። ሰበ - ስልጣን ከም ዘመልከትዎ እዚ ኽልተ መጥቃዕትታት ኣብ ንሓድሕዱ ምትሕሓዝ ከይህልዎ እውን ይምርምሩ ኣለዉ ።

03 January 2025, 16:44