ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ፈጺምካ ደው ኣይትበል፡ ንቕድሚት ምጒዓዝ ኣይተቋርጽ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ናይ ኢጣሊያ ጉጅለ መናእሰይ ሕብረት ዓይነ ስዉራንን ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎምን ተራኺቦም፥ ብዛዕባ ትርጉም ንግደት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ነቶም መንእሰያት "ንቕድሚት ካብ ምጉዓዝ ፈጺሞም ከየቋርጹ" ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ከመላኽት እንከሎ፥
ኣብ ምንቅስቓስ
ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣተኲይሮም፥ ኣምር ንግደት ብባህሪኡ ምስ ናይ ምጉዓዝ ኣምር ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ኩሉ ግዜ ኣብ ምንቅስቓስ ሓደራ፥ ኣብ ምንቅስቓስ ህልዋን ክትኮኑ እየ ዝምነየልኩም . . . ፈጺምኩም ድማ ኣብ ደውታ ኣይትንበሩ” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።
እቲ መዕለቢ ቦታ
ነጋዲ ብእግሩ ዝኸይድ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ መዕለቢ - ሸቶ ዘለዎ ሰብ እውን እዩ - ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ድማ እቲ መዕለቢ ቅዱስ ኣፍደገ እዩ ንሱ ድማ ኢየሱስ ምዃኑ እንከብርሁ . . . ቅዱስ ኣፍደገ ብርግጽ ምሳሌ እዩ፣ "ናብ ሓድሽ ሕይወት ክንኣቱ ዘኽእለና ምስጢር ድሕነት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝውክል እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ስለዚ ድማ “እትንቀሳቐስ ምዃን ጥራይ ዘይኮነስ ነጋድያን ክትኮኑ እምነየልኩም - ማለት ምስ ኢየሱስ ክትራኸቡን ክትፈልጥዎን ቃሉ ክትሰምዑን ሃንቀውታ ክህልወኩም እፈቱ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ነጋድያን ተስፋ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብነት ናይ ዝተፈላለዩ መንእሰያት - ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲ፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ቅድስቲ ክላር፡ ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻን ኢየሱስን - ከም ኣብነት ብምዝኽካር፥
"እዞም ንጐይታና ኢየሱስ ዝተራኸቡን ምስኡ እተጓዕዙን 'ናይ ተስፋ ነጋድያን' ኢዮም "ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን . . . ንሕናውን ነዛ መገዲ እዚኣ ንስዓባ፡ እዚ እንተድኣ ገርና ነቶም እንራኽቦም ሰባት ንእሽቶ ምልክት ተስፋ ኽንኰኖም ኢና" እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።