ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዕለት 12-01-2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዕለት 12-01-2025  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ብጥምቀት ንሓድሽ ህይወት ኢና ተወሊድና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብዛዕባ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ኣስተንትኑ፣ እዚ ጥምቀት እዚ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደቅሰብ ዘርኣዮ ፍቕሪ ኣምላኽ ዜዘኻኽር እዩ፣ ንኣመንቲ ድማ ከም ውሉድ ኣምልኽ መጠን እቲ ኣብ ጕዕዞና ዜሰንየና ኣቦ ብምዝካር በዛ ፍቕሪ እዚኣ ንቕድሚት ኪስጕሙ ኣዘኻኸርዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ እሙናን ብዛዕባ እቲ መዛዘሙ ዘመነ ልደት ዝኾነ በዓለ ጥምቀት ኣስተንተኑ ።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምርኩስ ብምግባር ንክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ጐሊሑ ዘሎ ኽልተ ነጥብታት ማለት ብዛዕባ ገጽን ድምጽን ኣምላኽ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ እተገልጸ ከስተንትኑ ዓደምዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንዘስኮ ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "[ናይ ሎሚ]ወንጌል ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዮሓንስ ንኽጥመቕ ንቕድሚት ዝቐረበሉ ኩነታት ኢዩ ዝገልጽ ምስቶም 'ንነፍሶም ብምግላጽን ጥራሕ እግሮምን' ኮይኖም ናብኡ ንዝቐርቡ ሰባት እቲ ዘፍቅሮ ወዱ ንሱ ምዃኑ ብምሕባርን ከምኡ ውን እቶም ህዝቢ ናይ ንስሓ ጥምቀት ንኽቕበሉ ብትሕትና ዝቐረብሉ ኩነት ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ።

ገጽን ድምጽን ኣምላኽ ተገልጸ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ እሙናን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብኢየሱስ ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ንምግላጽ ዝገበሮ ውሳነ ከስተንትኑ ውን ተማሕጸንዎም፣ እዚ ድማ ንደቅሰባት ፍሉይ ቦታ ንምስንዳው ኢዩ ዝነብረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም "ብሳላ እቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኣምላኽ መን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" በሉ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቕ ከሎ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣቦ እውን ዘከሩ ንምእመናን ድማ ነቲ ናይ ምጥማቕ ውህበት ክቕበልዎ ኣተባብዕዎም።

ዕለት ጥምቀትካ ኣይትረስዕ

ሎሚ ኣብ እነኽብሮ ዘሎና በዓል "ኣምላኽ ከም ዜፍቅረናን ዘሰንየናን ኰይኑ ዶ ይስምዓና ወይስ ካባና ዝረሓቐ ኮይኑ ኢዪ ዝመስለና? ንድምጹን ንሰምዖ ዲና?" ወሲኾም ውን "ነታ እተጠመቕናላ ዕለት ንዝክራ ዲና?" ዚብል ተግባራዊ ዝኾነ ብድሆታት እውን ኣቕረቡ።

ብዛዕባ ዕለት ጥምቀትና ምዝካር ኣመንቲ ነታ "ናብ ሓድሽ ህይወት እተወልዱላ" ህሞት ኣኽቢሮም ንኺርእይዋን ኣብ ምስጢረ ክርስቶስን ቤተ-ክርስትያንን ንኺጠቓለሉን ከም ዜኽእሎም ውን ገለጹ።

ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንዕለተ ጥምቀቱ ከም ዕለተ ልደቶም ገይሮም ከብዕሉ "ናብ መንፈስ ኣምላኽ እተወልዱሉ" ዕለት ከም ምኹኑ ክዝክርዎ ውን ተማሕጸንዎም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምልማን ንዅላቶም "ናብ ድንግል ማርያም ንወፈ ሓግዛ ውን ንለምን" ብምባል ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር
13 January 2025, 16:08