ድለ

2025.01.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንዓለምለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ፥ መንፈስ ኢዮቤል ክንነብር ይሕግዘና! 2025.01.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንዓለምለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ፥ መንፈስ ኢዮቤል ክንነብር ይሕግዘና!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንዓለምለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ፥ መንፈስ ኢዮቤል ክንነብር ይሕግዘና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ዕለት 23 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ጸሎትን ኣኣስተንትኖን፡ ነቶም ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ፍሉይ ኣቃልቦ ምስ ዝብል ጭቡጥ ናይ ምሕረት ተግባር ከወሃህድዎ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣህጉራዊ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብዚ እዋን እዚ እውን፡ ኣስተንትኖን ጸሎትን ምስ ናይ ምሕረት ስራሕ ብምውህሃድ ነቲ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. የንጸባርቕ ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ልቢ ኢየሱስ፡ ጎኒ ጎኒ ልብና

ኣብ ሕመረት ንጥፈታት ጳጳሳዊ ዕዮ ናይቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብኣባ ክሪስቶባል ፎንስ ዝምራሕ ዘሎ ማሕበር መንፈሳውን ስርዓታውን ኪደቱ Dilexit nos - ኣፍቀረነ ዘርእስቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቶም ነቲ ማሕበር ዝመርሕዎ ዝነበሩ ኢየኡሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ብምዝካር፡ ኣባ ፎርኖስ እቲ ናይ ምምሃዝ ክእለቱ እቲ ማሕበር ልብና ኣብ ጎኒ እቲ ብሓጢኣትና ዝቖሰለ ግን ከኣ ናብ ፍቕሪ እተለወጠ ልቢ ኢየሱስ ገይርና ክንጓዓዝ ኣኽኢሉና እንክብሉ ገሊጾም፥

ጸሎትን ርህራሄን ምውህሃድ

ማርያም ኣብ ተሃዋስነት ነፍሲ ወከፍና ኣበርክቶ ትገብር፣ ንሳ ድማ "ቃላትን ምልክትን ኢየሱስ ኣብ ልብና ክንሕዞ ትምህረና፡ እታ ‘ምሕላው’ እትብል ቃል ኣይትረስዑ ሓደራ፡ ምስ በሉ ወሲኾም መንፈስ ቅዱስ "ህያው ማይ" የቕርብ ብዘይ እዚ ድማ ሓቀይና መንፈሳዊ ምዕባለ ዝከኣል ኣይኮነን፥

ኣህጉራዊ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት፡ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ሰባትን ማሕበረሰባትን መንፈስ እቲ ኢዮቤል ክነብሩ፣ ጸሎትን ርህራሄን፣ ጸሎትን ምስቶም ዝወሓደ ዕድል ዘለዎም ቀረባ ምዃንን፣ ጸሎትን ዕዮ ምሕረትን ብዘይፈሊ መንገዲ ዘወሃይድ ጉዕዞ ክግበር ዝብል ኣዝዩ ኣገዳስነት ዘለዎ መንፈሳውነት ንኽንበሩ ኣበርክቶ ክገብር እዩ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

23 January 2025, 15:43