ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ህየ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህንዳዊ ካርዲናል ጆርጅ ጃኮብ ኩቫካድ ናይቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ኩቫካድ ብጀካ እቲ ዝተዋህቦም ሓድሽ መዝነት፡ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻታት ኣወሃሃዲ ዝብል ሓላፍነቶም እውን ክዕቅቡ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝወሰኑ ኣመላኺቱ፥ ወዲ 51 ዓመት ካርዲናል ኩቫካድ ዕለት 11 ነሓሰ 1973 ዓ.ም. ኣብ ህንዲ ግዝኣት ከረላ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ዞባ ቸቲፑዝሃ ዝተወልዱ፡ ዕለት 24 ሓምለ 2004 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ብሕገ ቀኖና ሊቕነት ከም ዘመስከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህየንተ ካርዲናል ኩቫካድ ካብ 2006 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ከም እተዋፈሩን ኣብ ኣልጀሪያ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ዋና ጸሓፊ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ኮርያ ናይ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ከም ዝነበሩን ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ኢራን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ፡ ድሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኮስታሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ተመዲሞም ከም ዘገልገሉ፡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቨነዝወላ ኣብ ተመሳሳሊ ሓላፍነት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጉዳያት ተመዲቦም ከም ዘገልገሉን፥ ኣብ 2021 ዓ.ም. ናይ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ መገሻታት ኣወሃሃዲ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተሰመዩን፡ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ጳጳስ ተሰምዮም፡ ኣብ ኒሲቢ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ምስ ተስምዩ፡ ዕለት 24 ጥሪ ኣብ ቻንጋናቸርይ ናይ ኤርናኩላ ናይ ሲሮ ማላባር ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓብይ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ንዓብይ ሊቀ ጳጳስት ራፋኤል ታቲን ከም ዝተክኡን፡ ዕለት 7 ሕዳር 2024 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም እውን ዜና ቫቲካን የዘካኽር።