ር. ሊ. ጳ. ፣ “ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣምላኽ ኩሉ ሰብ ክድሕን ከም ዝደሊ መስከተ"
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ንግሆ ናብ ቤት ማዕሰርቲ ረቢብያ ከይዶም ቅድሱ ኣፍደገ ድሕሪ ምኽፋቶምን መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስቶም ኣባኡ እተረኽቡ እሱራትን ኣመሓደቲ እቲ ቤተ ማዕሰርትን ድሕሪ ምዕራግ ናብ ሃገረ ቫቲካን ተምሊሶም። ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ከምቲ ወትሩ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ዘመሓላልፍዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምምላኽ ብምልጋስ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕሪጐም።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ምልእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅድሱነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ካብዚ ብምቕጻል ነቕርበልኩም።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ ክብረ በዓል ይግበረልና!
ሎሚ ድሕሪ በዓለ ልደት ነዊሕ ከይጸንሐ ሥርዓተ ሊቱርጊያና ነቲ ቀዳማይ ሰማእት ዝኾነ ቅዱስ እስጢፋኖስ የኽብር። እቲ ብዳርባ እምኒ ከም እቐተለ ዘዘንቱ ጸብጻብ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት (cf. 6 8-12፣ 7 54-60) ይርከብ፣ ክመውት ከሎ ኸኣ ምእንቲ እቶም ቐተልቱ ይጽሊ ነበረ። እዚ ኸኣ ሓንሳእ ደው ኢልና ከም እንሓስብ ኢዩ ዝገብረና - እስጢፋኖስ ኣብ ፈለማ ብዘይ ዝኾነ ረድኤት ብዓመጽ ይሳቐ ኸም ዘሎ እኳ እንተ ረኣየ፣ ከም ሓቁ ግን ከም ሓደ ብሓቂ ሓራ ዝኾነ ሰብ መጠን ንቐተልቱ እውን ከይተረፈ የፍቅሮምን ህይወቱ ኣብ ክንዳኦም ከወፍን ንረኽቦ (cf. Jn 10 17-18) 23 34) ነዚ ድማ ምእንቲ ኺንስሑን ምሕረት ክረኽቡን ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡን እዩ ዝነበረ።
በዚ ኸምዚ ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ነቲ "ዅሉ ሰብ ኪድሕን" (1 ጢሞ. 2 4) ሓደ ዓብዪ ባህጊ ዘለዎ ኣምላኽ ከም ምስክር ኰይኑ እዩ ዝቐርበልና ( cf. Jn 6 39፣ 17 1-26)። ነቲ ወትሩ ንነፍሲ ወከፍ ደቁ ጽቡቕን ሰናይን ጥራይ ንዝደሊ ኣቦ ምስክር እዩ፣ ንዋላ ሓደ’ኳ ኻብቶም ኪደልይዎም ክቕበሎም ዘይደክም (cf. Lk 15 3-7) ካብ መገዶም ምስ ዘምበሉ ደሓር ኸኣ ብንስሓ ናብኡ ኺምለሱ ኸለዉ ዚቕበሎም ኢዩ (cf. 15 11-32)።
እቲ ዜሕዝን ግን ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ብሰንኪ ወንጌል ስደት ዚወርዶም ሓያሎ ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ። እቲ ብዛዕባ እስጢፋኖስ እተዛረብናዮ ነገራት ንዓታቶም እውን ዚምልከት እዩ ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ኻብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እተቐበልዎ ውህበት ድሕነት ከም ዚሳተፉ ንምግባር ደኣ እምበር ብድኻም ኪቕተሉ ወይ ንኣተሓሳስባ ኺጣበቑ ኣየፍቅድን ኢዩ። ብቐዳምነት ከኣ ንጥቕሚ እቶም ካብ ካልኦት ንላዕሊ ይቕረታን ድሕነትን ዜድልዮም ቀተልቶም እዮም ከምኡ ዚገብሩ።
ኣብዚ ግዜና ሰማእት ዝዀነ ብጹእ ክርስትያን ደ ቸርጌ ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ ። ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ሞቱ ኣቐዲሙ ዝሃቦ መንፈሳዊ ምስክርነት ነቲ ናይ መጻኢ ቐታሊኡ "ኣብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ዓርከይ" ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ "ንሕና እተባረኽና ዓመጸይናታት፣ ንኣምላኽ ኣቦና እንተ ኣሐጕሰና እንደገና ኣብ ገነት ክንራኸብ ኢና" (መንፈሳዊ ምስክርነት፣ ኣልጀርስ - ቲቢሪን 1993-1994) በለ። ነዚ ክንርድኦ ዶ ንኽእል? መን ከም ዚቐትሎ ብምሕሳብ 'ዓርከይ' ኸምኡውን 'ሓወይ' ክብል ጸውዖ፣ ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪህሉ ድማ ተመነየ። ፍቕሪ ኣምላኽ እውን ንዓለም እተድሕን እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እያ እተድልየና!
እምበኣር 'ኵሉ ሰብ ንኣምላኽ ኪፈልጦን ኪድሕንን ባህጊ ኣሎኒ ድዩ?' ሰናይ ናይቶም መከራ ዜምጽኡለይ ሰባት እውን እደሊ ድየ? ምእንቲ እቶም ምእንቲ እምነቶም መስጐጕቲ ዚወርዶም ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን እግደስን እጽልን ድየ?
ማርያም ንግስቲ ሰማእታት ንድሕነት ዓለም ተባዓት መሰኻኽር ወንጌል ክንከውን ትሕግዘና ።