ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት: ዓለም ዓበይቲ ፈተናታት የጋጥማ: ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ቅልውላው ይስዕር! ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት: ዓለም ዓበይቲ ፈተናታት የጋጥማ: ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ቅልውላው ይስዕር!  (ANSA)

ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት: ዓለም ዓበይቲ ፈተናታት የጋጥማ: ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ቅልውላው ይስዕር!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ታይዘ ንዝሳተፉ መንእሰያት ኤውሮጳ ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ፥ ንክርስቶስ ህጻን ከም ምንጪ ተስፋን ትርጉምን ወትሩ ቀረባ ክኾኑ ኣተባቢዖም፥ ብቅድስናን እምነትን ዝዓብይ ህይወት ኩሉ ግዜ ዝያዳ ናብ ምልኣት ዘብል ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 28 ታሕሳስ ኣብ  ሃገረ ኢስቶኒያ ርእሲ ከተማ ታሊን ናብ ዝተኸፍተ መበል 47 ዓመታዊ ኣኼባ መእንሰያት ታይዘ ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣምላኽ ንህይወትና ተስፋን ትርጕምን ይህባ! እንክብሉ ብምርግጋጽ፥ ኣብቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ናብ ሰለስተ ሃገራት ባልቲክ፡ ኢስቶንያ ሊትወይንያ ላትቭያ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሃዋርያዊ ዑደት ብምዝካር፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ታሊን ኣብ እትርከብ ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ካርሊ ምስ መንእሰያት ተራኺቦም፥ "ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እንኣምን ብሓባር ክንከውን" ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ምዃኑ ዘስመሩሉ ሓሳብ ይዝክሩ።

ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት: ዓለም ዓበይቲ ፈተናታት የጋጥማ: ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ቅልውላው ይስዕር!
ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት: ዓለም ዓበይቲ ፈተናታት የጋጥማ: ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ቅልውላው ይስዕር!

ኣብ ህሉው ኩነታት ብሓባር ምህላው

ቅዱስ ኣቦና ብመንፈስ ሓልዮትን ሕውነትን ንዝተኣከቡ መንእሰያት ኤውሮጳ ታይዘ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ "ሓልዮትን ሕውነትን ዓለምና ከቢድ ፈተናታት ኣብ እትሓልፈሉ ዘላ እዋን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ" ክብሉ ገሊጾም፥

“ብዙሓት ሃገራት ብዓመጽን ኲናትን ዝተለለያ ኮይነን፣ ብዙሓት ሰባት ግዳያት ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኮይኖም፣ ካልኦት ድማ በቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ዘይምዕሩይነትን ዘጋጥመና ምህዳራዊ ሓደጋታትን ኣንፈተን ዝሰሓታ እየን”

እንክብሉ ህልው ኩነታት ዓለም ዝፈጥረሎም ጓሂ ገሊጾም፥

'ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ተስፋ ምግባር’

ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ኣባላት ታይዘ ኣብ ከተማ ታሊን ኣብ ዘሕልፍዎ እዋን “ኣንጻር ኩሉ ተስፋ ተስፋ ክገብሩ” ዝዕድም ካብ ምልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝተወስደ ጥቕሲ ናይ ታይዘ ማሕበር ሓለቓ ንናይ 2025 ዓ.ም. ነቲ ማሕበር ናይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣርእስቲ ምግባሮም ንኢዶም፣ "እዚ ጻውዒት ኣንጻር ኩሉ ተስፋ ተስፋ ምግባር ዝብል መርሕ ቃል ምስቲ ዓመተ ኢዮቤትል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ንዓኻትኩምን ንነፍሲ ​​ወከፍኩም ዘቐንዐ ቃል እዩ" እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካ ይሕብር።

'ብተስፋ ኣምላኽ ተመላለሱ'

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ብተስፋ ምጉዓዝ! እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥

"ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ድኻም፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ቅልውላው፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ጭንቀት ይስዕሮ፡ ንቕድሚት ክንስጉም ሓያል ድርኺት ይህበና፡ ምኽንያቱ ካብ ኣምላኽ ባዕሉ እንቕበሎ ህያብ ስለ ዝኾነ: ንሱ ንጊዜና ትርጉም ይህቦ፡ ንመገድና የብርህ፡ ከምኡ'ውን ኣንፈትን ዕላማን ህይወት ዘርእየናን እዩ"

ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ነቶም መንእሰያት ኣባኻትኩም እውከል ቢሎም፥ "ቤተክርስቲያን ኣባኻትኩም ዘለዋ እምነት ደጊመ አሐድስ ምኽንያቱ "ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ብስራት ፍቕሪ ኣምላኽ ክትእውጁ ስለ እተድልይዋ . . ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣባላት ማሕበረሰብ ታይዘን ስድራቤቶምን ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 December 2024, 16:48