ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንበረ ጥበብ ቤተልሄም፡ 'ክቡር ህያብ እምነትኩም ዓቅቡ!' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንበረ ጥበብ ቤተልሄም፡ 'ክቡር ህያብ እምነትኩም ዓቅቡ!'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንበረ ጥበብ ቤተልሄም፡ 'ክቡር ህያብ እምነትኩም ዓቅቡ!'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንተማሃሮ መንበረ ጥበብ ቤተልሔም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ዘመነ ምጽኣት መልእኽቲ፥ ኩሉ ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ክህቡን ኩሉ ግዜ "ክቡር ህያብ እምነት" ክዕቅቡን የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝተቐበልኩምዎ ህያብ እምነት ሓልዉን ኩሉ ነገር ንኢየሱስ ብጸሎት ኣሕሊፍኩም ሃቡን” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ቅድሚ በዓል ልደት ንተማሃሮ መንበረ ጥበብ ቤተልሔም ዕለት 20 ታሕሳስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘመነ ምጽኣት ክኽውን እንከሎ ቅዱሰንቶም ኣብታ ክልተ ለበዋታት ማእከል ዝገበሩላ ናብ ናይ ቤተልሔም መንበረ ጥበብ ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ሓው ሄክቶር ሄርናን ሳንቶስ ጎንዛለዝ ኣባል ማሕበር ኣሃው ላሳል (ኣሃው ኣቢያተ ትምህርቲ ክርስቲያን) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

"ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ንልደት ጎይታ ንምብዓል ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን እዚ ውን ምጅማር ዓመት ኢዮቤል ዘመልክትን . . . መንፈሳዊ ምሕዳስ ዕድላትን ሓጐስ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንምዃን ኣብ ጸዋዕታኹም ጽኑዓት ክትኮኑ እዞም ሓድሽ ሕይወትን ተስፋን ዕርቅን ዘመልክቱ ኣጋጣሚታት ንነፍሲ ​​ወከፍኩም ከቕርበልኩም ጸሎተይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ነቲ ክቡር ህያብ እምነት ምሕላው

"ብፍሉይ መንገዲ" ቅዱስነቶም "ነቶም ኣብቲ መንበረ ጥበብ ዝመሃሩ መንእሰያት፡ ኩሉ ግዜ ነቲ ክቡር ህያብ እምነትኩም ሓልዉ . . . እዚ ድማ እምነት ከም ዝሕባእ ነገር ዘይኮነስ፡ ምስ ካልኦት ከም እተካፈሎ ሃብቲ" ዝንበር ክኸውን ሓደራ ቢሎም፡ ኣብ ግዜ ንእስነትኩም ሓድሓደ ግዜ ድኻም፡ ምድንጋር ወይ ተስፋ ምቑራጽ ከይተረፈ ክስምዓኩም ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ንኢየሱስ ምንጪ ነባሪ ተስፋ፡ ብጸሎት ንኹሉ ኩነታትኩም ኣሕሊፍኩም ሃብዎ፡ ብተወሳኺ "ንእስነትኩም ዋጋ ዘለዎ መታን ክኸውን ድማ እግዚኣብሄር ብምልኣተ ህይወት ክኹልዓኩምን ክድግፈኩም እዩ” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፈጺምካ ​​'በይናዊ ተጓዓዚ' ኣይትኹን

ማዕረ ማዕሪኡ ቅዱስ ኣቦና እቶም ተመሃሮ፥ “ፈጺሞም በይኖም ከይከዱ - በይናዊ ተጓዓዝያን” ከይኮኑ ተማሕጺኖም፣ እንታይ ደኣ ናይ ስነ ፍልጠት ትምህርትን ማሕበራውን ዕርክነት ምትእስሳር ከዕብዩ ተላብዮም፥ "ብሓቂ፡ ኣብዚ ንብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝጸሉ ዘሎ ህሉው ኩነታት ዓመጽ፡ ሰብኣዊ ስድራቤትና ኣብነታት ተስፋ ዝተመልአ ምትሕግጋዝ ኣዚዩ የድልዮም'ዩ’ ዝተፈላለየ እምነትን ትውፊትን ዘለዎም መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ኣብነት ኮይኖም ከገልግሉ ዘልኣለማዊ ክብርታት ወንጌል ብውዕዉዕ ስምዒት ክምስክሩ” ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥

ሓጐስን ሰላምን ክርስቶስ

በዚ ኸምዚ ኣገባብ እቶም ተማሃሮ ኣብ መጻኢ ዘተን ሓባራዊ ምርድዳእ ከምኡውን ስኒት ዝሃንጹ ከም ዝኾኑ ድማ ገሊጾም፥ "ነቶም ሰራሕተይናታትን ተማሃሮን መንበረ ጥበብ ቤት - ልሄም ንዑቕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ - ክርስትያን ሕድሪ ቢሎም፡ “ንዅላትኩም እቲ ስጋ ዝለበሰ ቓል ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ሓጐስን ሰላምን ክህበኩም እጽልይ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

28 December 2024, 16:46