ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕረፍቲ ጂሚ ካርተር ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕረፍቲ ጂሚ ካርተር ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕረፍቲ ጂሚ ካርተር ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ነበር ጂሚ ካርተር፥ “ብዓሚቕ ክርስትያናዊ እምነት ዝተደረኸ ንጉዳይ ዕርቅን ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት፡ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላትን ድሕነት ድኻታትን ጽጉማትን” ዘካየዶ ጽኑዕ ጻዕርታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴለግራም ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ርእሰ ብሔር ነበር ጂሚ ካርተር ምስ ተሓበሮም ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፥ ነቶም ብሞት ካርተር ኣብ ሓዘን ንዝርበክብ ህብዝን ስድራ ቤቶምን “ልባዊ ጽንዓት ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከመላኽት እንከሎ፥ ቅዱሰንቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ብዓሚቕ ክርስትያናዊ እምነት ዝተደረኸ ንጉዳይ ዕርቅን ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት፡ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላትን ድሕነት ድኻታትን ጽኑዕ ተወፋይነት ነፍሰ ሄር ጂሚ ካርትረ ኣዘኻኺሮም፡ ነቲ ዘይውዳእ ምሕረት እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣመሓጽኖ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብነት ኣገልጋሊ - መሪሕነት

ኣብ 1979 ዓ.ም.  ካርተር ኣብ ዋይት ሃውስ ር.ሊ.ጳ. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘአንግደ ፈላማይ ርሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ፡ ንር.ሊ.ጳ. ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተቐበልሉ እዋን ዮሓንስ ጳውሎስ “ብሕያውነት ብዘቕረብኩምለይ ወግዓዊ ዕድመ ምሳኹም ንኽራኸብ ዕድል ብምርካበይ ክብሪ ይስመዓኒ፤ ከመይሲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ከም ምዃንኩም መጠን ኣብ ቅድሚ ዓለም ንመላእ ህዝቢ ኣመሪካ ትውክሉ ነዚ ህዝቢ ኣብ መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ናይ ምምራሕ ዘይተኣደነ ሓላፍነት ድማ ኣለኩም” እንክብሉ ከም ዝገለጹን እዚ እውን ብዕረፍቲ ካርተር ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ኣታላንታ ሊቀ ጳጳሳት ግሪጎሪ ሃርትማየር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዘኪሮም፥ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዓለም ዝነበረ “ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝዓሰሎ ርክብ ክልቲኦም ንሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጣበቑ ብምንባሮም እዚ መንፈስ እዚ እውን ኣብ ምሉእ ዓመታት ከም ዝቐጸለ፡” ብምምልካት፥ ርእሰ ብሔር ካርተርን በዓልቲ ቤቱ ሮዛሊንን “ንክርስትያናዊ እምነት ኣብነት ምዃኖም” እውን ይገልጾም

"ስርዓት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላት ንምጉስጓስን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃገራት ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየዱን፡ ኣብ ውሽጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ትምህርትን ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን መሰላቶም ውሑስ ንምግባር ዘኽእል ዝተፈላለዩ መደባት ዘነቓቐሑን ዝመወሉን ምዃኖም ሊቀ ጳጳሳት ሃርትማየር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፥ ጂሚ ካርተር ኣብ 1999 ዓ.ም. ርእሰ ብሔራዊ መዳልያ ሓርነትን ኣብ 2002 ዓ.ም. ሽልማት ኖቤል ሰላምን ሓዊስካ ንዝተፈላለዩ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሽልማት ብቑዕ ዝተባህሉ ምባሮም እውን ዘኪሮ፥፡ “በዓልቲ ቤቶም ሮዛሊን ኣብ ጎድኑ ምንባራ፡ [ጂሚ ካርተር] እዚ ሓደ ካብቶም ንዝዓበዩ ስልማት ብቑዕ ዘበሎም ዕድል እውን ምዃኑ ከይተሓለሉ ይዝገልጹ ከም ዝነበሩን እዚ ኹሉ ብሓቂ ኣገልጋሊ - መራሒ ምንባሮም” ዘረጋግጸልና እዩ ኢሎም።

ፍሉይ መራሒ፡ መንግስታዊ ሰብን ሰብኣዊ ሓጋዚን

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ድሕሪ ሞት ካርተር ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡ “ሎሚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓለምን ሓደ ፍልዩ መራሒ፡ ሃገረ - ሰብን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ሰብ ስኢና” ቢሉ፡ ባይደን ነቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ነበር ርእሰ ብሔር ካርተር “ዓቢ ባህርን ትብዓትን፡ ተስፋን ኣማቲ ሰናይ” እንክብል ገሊጹ፥ ካርተር ዝነበሮን ዝመስከሮን፥“ርህራሄን ግብረ ገብን ንጹርነትን” ብምንኣድ፡ “ሕማማት ንምጥፋእ፡ ሰላም ንምፍጣር፡ በርገውሳውን ሰብኣውን መሰላትን ናጻን ፍትሓውን ስርዓት ምርጫን ንምስጓምን ገዛ ዘይብሎምን ግዳም ሓደርን እውን ዝነብርሉ ገዛ ክህልዎም ዘካየድዎም መንበሪ ቤት መሰል ኩሉ ምዃኑ ብምሕባር ኣብዚ መዳይ ዝፈጸሞ ዘይሕለል ጻዕርን” ይዝክሩ።

ጂም ካርተር ንሓደ እብረ ካብ 1977 - 1981 መበል 39 ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ከም ዘገልገለን ከም ርእሰ ብሔር መጠን ብዛዕባ እቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ቨትናም ዝሓንጸጸቶ መስርሕ ኩናት ይቕረታ ዝሓተተን ኣብ መንጎ ምስርን እስራኤልን “ኣብ ካምፕ ዳቪድ” ናይ ሰላም ዘተ ዘተባበዐን ዘአንገደን፡ ነቲ ፓናማ ንመትረብ ፓናማ ክትቆጻጸሮ ዝብል ውዕል ኣብ ስምምዕ ዘብጽሐን። ኣብ 1979 ዓ.ም. ምስ መራሒ ነበር ሶቭየት ሕብረት ሊዮኒድ ብሬዝነቭ ካልኣይ ስነ መላዊ ውዕል ምድራት ኣጽዋር ብምኽታም፡ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሶቭየት ሕብረትን ወፍሪ ስነ መላዊ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝገደበን ምንባሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጂሚ ካርተር ዕለት 9 ጥሪ ከም ዝፍጸም ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጠቒሱ የመላኽት።

31 December 2024, 16:22