ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝፍጸም ብረታዊ መግዛእቲ የብቅዕ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ታሕሳስ፡ ቤተ ክርስቲያን ንቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ሰማዕት ኣብ እትዝረክሉ ዕለት፡ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላም ናብተን ኣብ ዓለም ብኵናት ኣዝየን ዝሳቐያ ሃገራትን ዞባታትን ክበጽሕ ክጽለን፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኢዮቤል ብድኽነት ዝተጨፍለቓ ሃገራት ምዕባለ ክረኽባ ክሕገዛ ተስፋ ክግበርን ተላብዮም፥ ኣብዚ ቅንያት እዚ ንዝተመሓላለፈሎም ናይ በዓለ ልደት መልእኽትታት መግለጺ ሰናይ ምንዮት ንዓለም ብምምስጋን፡ ነቶም ደገፍን ሰላምን ዘድልዮም ደጊሞም ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር፥ ምሉእ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምንባብ - LEGGI IL MESSAGGIO INTEGRALE DEL PAPA
ምሕረት ዕዳታት
ኣብቲ "ድሕሪ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳመይ ዝተኸፍተ ቅዱስ ኣፍደገ፡ ስዒቡ "ካቴድራል ቃንዛን ተስፋን" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሮማ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ ቅዱስ በሪ ኣብ ዝኸፈትሉ ዕለት 26 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ ንግሆ፡ ቅዱስነቶም ሓደ ካብቶም . . . ንኢዮቤል ዝገልጹ ተግባራት፣ “ሕድገት ዕዳታት” ምዃኑ ብምዝኽካር ምእመናን ነቲ ወፍሪ ብምድጋፍ በዚ መንጽር ንዕዮ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረዴትን ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ “ዕዳ ናብ ተስፋ ንኽቕየር” ዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስን ዕዮታቱን ክድግፉ ዓዲሞም፥ እቲ ተበግሶ በቲ ዘይጽወር ዕዳ ዝተጨፍለቓ ሃገራት ንምትንሳእን ልምዓት ንምድንፋዕን ዝዓለመ እዩ።
ጉዳይ ዕዳ ምስ ናይ ሰላምን “ጸሊም ዕዳጋ” ኣጽዋርን ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝፍጸም ብረታዊ መግዛእቲ የብቅዕ! ንምርጋፍ ኣጽዋር ንዕየይ፡ ኣንጻር ጥምየት፡ ኣንጻር ሕማም፡ ኣንጻር ህጻናት ኣብ ስራሕ ምውፋር ንሰራሕ። በጃኹም ምንቲ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ንጸሊ! ሰላም ኣብታ ትሳቐ ዘላ ዩክሬን፡ ኣብ ቓዛ፡ እስራኤል፡ ሚያንማር፡ ሰሜን ኪቩን ኣብተን ብዙሓት ኣብ ኲናት ዝርከባ ሃገራትን!
ሰላም ነቶም ኣብ ሃኑካ ዝነብሩ ኣይሁዳውያን
ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ናይ ሰላምን ሕውነትን ትምኒቶም ናብቶም ካብ ዕለት 25 ታሕሳስ ምሸት ጀሚሮም ንሸሞንተ መዓልታት ዝጸንሕ በዓለ ሃኑካ - በዓለ ብርሃን ንዝብዕሉ “ኣይሁዳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዓለም” ኣቕሪቦም፥ ካብ . . . ሮማን ካብ ካልኦት ቦታታትን፡ ናብ ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወስድ ጉዕዞ ኢዮቤል "ትርጉም ህይወትናን ናብ መንግስቱ ፍቕርን ሓጎስን ሰላምን ንኽንኣቱ ገዛእ ርእሱ ናብ ዝኸፈተልና ኢየሱስ ገጽና ምጉዓዝን ዝገልጽ ሰናይ ትእምርቲ እዩ” ምስ በሉ፥ ንኹሉ ድማ ብሩኽ በዓለ ልደትን ዝኽሪ ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስን ተመንዮን ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።