ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣጽዋር ይተዓበስ! ነጋድያን ተስፋን ሰላምን ሓድነትን ንኹን

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ርሑስ በዓል ልደት! ሎሚ ምሸት እቲ ካብ ምግራምን ምንቅስቓስን ዘየቋርጽ ምስጢር ተሓዲሱ፡ ድንግል ማርያም ንኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ወሊዳ፡ ብመሸፈኒ ክዳን ጠቕሊላ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። መላእኽቲ ድማ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ (ሉቃ 2፡6-14)።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እወ እዚ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመት ዘጋጠመ ፍጻሜ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ይሕደስ፣ እቲ ኣብ ማህጸን ማርያም ድቂ ገይሩ ንኢየሱስ ካብ ሰብኣዊ ስጋኣ ዝፈጠረ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ናይ ኣብዚ ዘመንና፡ እቲ ዘልኣለማዊ ቃል ድሕነት መሊሱን ብሓቅን ስጋ ዝለበሰ፡ ንነፍሲ​​ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንብዘላ ዓለም ዝብሎ፡ “አፍቅረካ፡ እቕረ እብለካ ኣለኹ፡ ናባይ ተመለስ፡ ኣፍደገ ልበይ ክፉት እዩ!”

ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍደገ ልቢ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ክፉት እዩ ናብኡ ንመለስ! ናብቲ ዘፍቅረናን ይቕረ ዝብለናን ልቢ ንመለስ! ብእኡ ይቕረ ክንብሃል ንፍቀድ!

እዚ ድማ ትማሊ ምሸት ኣብዚ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኸፈትክዎ ቅዱስ ማዕጾ ኢዮቤል ማለት እዩ: ንኢየሱስ ዝውክል እዩ፥ ንኹሉ ዝተኸፍተ ኣፍደገ ድሕነት። ኢየሱስ እቲ መሓሪ ኣቦ ኣብ ማእከል ዓለም፡ ኣብ ማእከል ታሪኽ ዝኸፈቶ ማዕጾ እዩ፡ ኩላትና ናብኡ ክንምለስ ኩላትና ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኢና ናብ ቤት ኣቦ ክንምለስ ጓሳን ማዕጾን የድልየና። ኢየሱስ ጓሳ ኢየሱስ ማዕጾ እዩ!

ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይትፍርሑ!

እቲ ማዕጾ ክፉት እዩ፣ ጋህ ቢሉ ዝተኸፍተ እዩ! ንዑ! ምስ እግዚኣብሔር ክንዕረቕ ንፍቀደሉ፡ ሽዑ ምስ ነብስና ክንዕረቕን ኣብ ነንሕድሕድና ክንዕረቕ ኣኽሎት ክህልወና እዩ፡ ዋላ ምስ ጸላእትና ክንዕረቕ ኢና። እወ ምሕረት ኣምላኽ ኩሉ ክገብር ዝኽእል እዩ፣ ንነፍሲ ​​ወከፍ ግድል ይፈትሕ፣ ንነፍሲ ​​ወከፍ መንደቕ ምፍልላይ የፍርስ፣ ንጽልእን መንፈስ ሕነ ምፍዳይን የፈርስ። ንዑ! ኢየሱስ ኣፍደገ ሰላም እዩ።

ብዙሕ ግዜ ውጽእ ቢልና ኣብ ጸግዒ ጥራይ ኢና ደው ንብል፤ ካብኡ ንላዕሊ ክንከይድ ትብዓት የብልናን፣ ምኽንያቱ ኣብ ሕቶ ስለ ዘእትወና። ናብ ኣፍደገ ምእታው ሓደ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መስዋእቲ ይሓትት፣ ክትዕን ምፍልላይን ገዲፍና፣ ንነብስና ኣብ ክፉት ቅልጽም ናይቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ህጻን ምሕዳግ ይሓትት። ኣብዚ በዓል ልደት፡ መጀመርታ ዓመት ኢዮቤል፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ኩሉ ህዝብን ሃገርን፡ ማዕጾ ክሰግር፡ ነጋዲ ተስፋ ክኸውን፡ ኣጽዋር ስቕ ክብልን ምፍልላይ ክብድህን ትብዓት ክህልዎ እዕድም!

ኣብታ ትሳቐ ዘላ ዩክሬን እቲ ኣጽዋር ስቕ ይበል! ኣብ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንምብጻሕ፡ ናይ ዘተን ምልክትን ናይ ዘተን ጉባኤን ኣፍደገ ክንከፍት ትብዓት ይሃልወና።

ኣጽዋር ስቕ ይበል!

ኣብ ዕሸል ቤተልሄም ኣተኵይረ፡ ሓሳባተይ ናብቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን ብፍላይ ድማ ኣብ ቓዛ፡ እቲ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነሉ ማሕበረሰባት ክርስትያን አቕንዕ። እቲ ሓዊ የቋርጽ፡ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሓራ ይውጽኡ፡ እቲ ብጥምየትን ኩናትን ዝደኸመ ህዝቢ ይተሓገዝ። ኣነ እውን ምስቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ማሕበረሰብ ክርስትያን ብፍላይ ኣብ ደቡብን ምስቲ ኣብ ሶርያ ዘሎን ኣብዚ ስንኩፍ ህሞት ቅርበተይ ኣረጋግጽ። ኣብ መላእ ዞባና ብግርጭት ዝተዓጽወ ማዕጾ ዘተን ሰላምን ይኽፈት። ከምኡ’ውን ኣብዚ ንህዝቢ ሊብያ ክዝክሮ እደሊ፣ ሃገራዊ ዕርቂ ዘፍቅድ ፍታሕ ክደልዩ የተባብዖም።

ህያባት ሰላምን ስኒትን ሕውነትን

ልደት መድሓኒና ነቶም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብለበዳ ሕማም ዝሞቱ ዘለዉ ኣሽሓት ህጻናት፡ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ምብራቕ እታ ሃገርን ንህዝቢ ቡርኪናፋሶን፡ ማሊ፣ ናይ ኒጀርን ሞዛምቢክን ናይ ተስፋ ግዜ ርህው ይኹነሎም። እቲ ዝጸሉ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቐንዱ ብሰንኪ ዕጥቃዊ ግጭታትን መዓት ግብረሽበራን ዝመጽእ ብኣዕናዊ ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝገደደ ኮይኑ፡ ህይወት ደቂ ሰባትን ምምዝባል ሚልዮናት ሰባትን የስዕብ። ንህያባት ሰላምን ስኒትን ሕውነትን ክዓስሎም ንህዝብታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን እሓስብ። ወልደ ልዑል ኣምላኽ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንሰላማዊ ህዝቢ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምድንፋዕን ተኹሲ ደው ምባል ብዝብል ዕላማ ሓድሽ ዘተ ኣብ ምጅማርን ዘለዎም ተወፋይነት ይደግፍ።

ብስራት በዓል ልደት ነቶም ብሰንኪ ቀጻሊ ዕጥቃዊ ግጭታት ከቢድ ስቓይ ዘጋጥሞምን ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ዝግደዱን ነበርቲ ሚያንማር ምጽንናዕ ይሃቦም።

ህጻን የሱስ ንፖለቲካዊ ሰበስልጣንን ንኹሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ኣብ ኣህጉር ኣመሪካ የነቓቕሕ፣ ምእንቲ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ኣድማዒ ፍታሕ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክርክብ፣ ማሕበራዊ ስኒት ንምድንፋዕ፣ ብፍላይ ኣብ ሃይቲ፣ ቬንዙዌላ፣ ኮሎምብያን ኒካራጓን። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል፡ ናይ ሓባር ረብሓ ንምህናጽን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዳግማይ ንምርካብን፡ ፖለቲካዊ ምፍልላይ ሰጊርና ንስራሕ።

ኢዮቤል ንኹሉ መናድቕ ምፍልላይ ንምፍራስ ዕድል ይኹን: እቶም ብዙሕ ግዜ ፖለቲካዊ ህይወት ዝሕብሩ ስነ - ሓሳባዊ: ከምኡውን እቶም ኣካላዊ: ከም እቲ ንደሴት ቆጵሮስ ንሓምሳ ዓመት ዝጸለዋን ናይ ደሴት ቆጵሮስ ሰብኣውን ማሕበራውን ኣካሊት ዝበታተኸን። ኣብ ናይ ሓባር ፍታሕ ክንበጽሕ ከም እንኽእል ተስፋ እገብር፣ እዚ ድማ ንመሰላትን ክብርን ኩሎም ማሕበረሰባት ቆጵሮስ ምሉእ ብምሉእ ብምኽባር ነቲ ምፍልላይ መወዳእታ ዝገብር እዩ።

ኢየሱስ ትስብእቲ ዘልኣለማዊ ቃል ኣምላኽ

ኢየሱስ፡ እተሰብአ ዘለኣለማዊ ቃል ኣምላኽ፡ ትርጉም ህላወናን ቅድስና ነፍሲ ወከፍ ሕይወትን ዳግማይ ክንረኽቦ፡ ከምኡ’ውን መሰረታዊ ክብርታት ስድራቤት ደቂ ሰባት ክንመልስ ብእኡ ክንሰግር እንዕደም ሰፊሕ ክፉት ማዕጾ እዩ። ኣብ ኣፍደገ ኮይኑ ይጽበየና ኣሎ። ንነፍሲ ወከፍና ይጽበየና ኣሎ ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ: ንህጻናት ይጽበዮም፣ ኩሎም ብኲናትን ጥሜትን ዝሳቐዩ ህጻናት፤ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብሕትውናን ኣብ ወሰናስን ኩነታት ክነብሩ ዝግደዱ ኣረጋውያን ይጽበዮም፤ ነቶም ቤቶም ዝሰኣኑ ወይ ካብ መሬቶም ዝሃደሙ ይጽበ፣ ውሑስ መዕቆቢ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፈተነ፤ ነቶም ስራሕ ዝሰኣኑ ወይ ዘይረኸቡ ይጽበ፤ ነቶም ምስ ኩሉ ነገራት ኣብ ኩሉ ግዜ ደቂ ኣምላኽ ዝኾኑ እሱራት ይጽበዮም፤ ነቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝስደዱ ይጽበዮም።

ኣብዚ ናይ ጽምብል መዓልቲ፡ ነቶም ንሰናይ ተግባር ብስቕታን ብእምንቶ ብዝከኣል መንገዲ ንዘገልግሉ ምስጋናይ ክንገልጽ ይግበኣኒ፦ ንመጻኢ ወለዶታት ናይ ምሕናጽ ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎም ወለዲ፡ መምህራንን ሃነጽትን ይሓስብ፤ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና፡ ሓይሊ ጸጥታ፡ ኣብ ዕዮ ግብረ ሰናይ ዝነጥፉ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ልኡካነ ወንጌል፡ ንብዙሓት ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባት ብርሃንን ምጽንናዕን ዘብጽሑ እሓስብ። ንኹሎም ድማ የቐንየልና ንብል።

ኢዮቤል

ኣሕዋትን ኣሓትን ኢዮቤል ዕዳታት ይቕረ ንምባል ዕድል የቕርበልና ብፍላይ ድማ ነተን ዝደኸያ ሃገራት ዘሳቕይ። እቲ ኣብ ቁርን ጸልማትን ለይቲ ዝተወልደ ወዲ ኣምላኽ ንኹሉ ዕዳና ይቕረ ስለ ዝብለልና ኩሉ ሰብ ንዝተበደሎ ይቕረ ክብል ይጽዋዕ። ክፍውሰናን ይቕረ ክብለናን እዩ መጺኡ። ክንረኽቦ ነጋድያን ተስፋ ንዅን! ከምቲ ንሱ ማዕጾ ልቡ ዝኸፈተልና፡ ማዕጾ ልብና ንኸፍተሉ።

ንኹሉ ሰላማዊ በዓል ልደት እምነ!

ቢሎም ዘቕረብዎ መልእኽቲ በዓለ ልደት ዛዚሞም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ንኹሎም ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ንዝተኸታተሉን ስነ ስርዓት ምሉእ ስርየተ ሓጢኣቲ ስሪዖም ናይ ሃገረ ቫቲካንን ኢጣሊያን ስንደቕ መዛሙር ብናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድን ናይ ቫቲካን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ቀሪቡን ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ኣየር ሓይሊ ባሕሪ ሓይሊ ምድርን ዝውክሉን ኣስዒቦም እውን ሓይሊ ጸጥታ ሃገረ ቫቲካንን ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ በቢ ተራ ንኽብሩ ቅዱስነቶም ብዘቕረብዎ ወተሃደራዊ ሰልፊ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣጽዋር ይተዓበስ! ነጋድያን ተስፋን ሰላምን ሓድነትን ንኹን

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣጽዋር ይተዓበስ! ነጋድያን ተስፋን ሰላምን ሓድነትን ንኹን
25 December 2024, 14:21