ር. ሊ. ጳ.፣ ንሃገረ ሶርያ ናብ ኣማላድነት ቅድስተ ማርያም ኣወፈይዋ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሶርያ ዓመጽ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ከምኡውን ስርዓት ኣሳድ ድሕሪ ምውዳቑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር "መዓልቲ መዓልቲ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ" ይከታተልዎ ከም ዘልዉ ገለጹ። ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝነበረ "ተኣፋፊ ህሞት" ዘለዎም ሓሳት ገለጹ፣ ንህዝባ ሰላምን ደሓንን ክወሃቦም ድማ ጸልዮም።
ጸሎት ምእንቲ ሰላም
ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ሶርያውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ኸለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብዘይ ተወሳኺ ግጭታት ወይ ምክፍፋል ብሓላፍነትን ርግኣትን ሓድነትን ናይታ ሃገር ዘደንፍዕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከብ ይከኣል ኢዩ" ዝብል ባህጊ ከም ዘለዎም ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀቅድሚ በዓለ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፕ ንህዝቢ ሶርያ ናብ ኣማላድነት ድንግል ማርያም ኣወፈይዎም ። ብኣማላድነታ ኣቢሎም "ኣብታ ፍቕርቲ ምድሮም ብሰላምን ብደሓንን ኪነብሩ" ውን ጸለዩ። ኣብ ሶርያ ዝነብሩ እተፈላለዩ ሃይማኖታት—70% ሱኒ ምስልምና 13% ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ሺዓ ከምኡውን 2% ዝዀኑ ክርስትያን—"ንጥቕሚ እታ ሃገር ብምሕዝነትን ብምክብባርን ሓቢሮም ክነብሩ" እውን ተማሕጸኑ።
ሓድሽ መሰጋገሪ
ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙን እቲ ኣብ ሃገረ ሶርያ ዝነበረ ሃይት ታሂር ኣል-ሻም ዚበሃል ቀንዲ ተቐናቓኒ ጕጅለ ንገለ ኻብተን ቀንዲ ኸተማታትን ርእሲ ኸተማ ደማስቆን ተቘጻጸረ፣ ድሕሪ ውድቀት እቲ ን13 ዓመት ዝጸንሐ ስርዓት ባሻር ኣል-ሳድ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሐ ስርወ-ንግስነት ስድራ ቤት ኣሳድ ዜብቅዕ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ተሾመ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ልዕሊ 350 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኸም ዝፍንዉ ተፈሊጡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ሶርያ ዝኣከበቶ "ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ስትራተጅያዊ ኣጽዋር" ንምጥቃዕ ዝዓለም ኢዩ ዝነበረ።
ነቶም ኣብ ውግእ ዘለዉ ንዘክሮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር ዘኪሮም ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ድማ ኵሉ ሰብ ክጽሊ ኣተባብዑ። ኣብ ዓለም 'ሰላም ምእንቲ ኺምለስ መውጽኢ ምእንቲ ኺርከብ ንጸሊ' ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።