ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ስድራ ቤታት ኣብ ዙርያ መኣዲ ተቐሚጦም ይዘራረቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ቅድስቲ ስድረ ንስድራ ቤታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ለበዋ ቤተሰብ ኣዘውቲሮም ጽቡቕ ግዜ ኼሕልፉ ይዕድምዎም፣ ኣብ ዙርያ ዙርያ መኣዲ ተቐሚቶም ብግሉጽነትን ትርጕም ብዘለዎን መገዲ ከዋግዑ ኸም ዘለዎም ድማ ኣተሓሳሰቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንስድራ ቤታት ብሓባር ጽቡቕ ግዜ ኼሕልፉ ኣዘኻኺርዎም፣ ኣብ ዙርያ መኣዲ ተቐሚጦም ናይ ኢድ ተሌፎናቶም ዘይምጥቃም ጽቡቕ ኣገባብ ከም ምዃኑ ድማ ተላብዮም ።

ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን፣ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ድሕሪ በዓለ ልደት ዝኸብር ክብረ በዓል ቅድስቲ ስድራ ይዝክሩ ከም ዘለዉ ኣመልከቱሎም። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ዕለቱ ክብረ በዓል ብምዝክኽኻር ናይ ዕለቱ ወንጌል ጠቒሶም ነኢት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት እንከሎ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመታዊ  ንግደት ኢየሩሳሌም ዝገብሮ ካብ ማርያምን ዮሴፍን ዝጠፍኣሉ እዋን ከም ዘዘንቱ ኣስተንተኑ።

ወሲኾም ድማ እዚ ዛንታ እዚ "ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥም ዘሎ ናይ ስድራቤታት ቅልውላው ብዛዕባ ሓደ ኣጸጋሚ ወሉዶም ክርድእዎ ዘይከኣሉ ኽልተ ወለዱን ዝገልጽ ዛንታ ኢዩ ዝመስል" በሉ።

ንስድራቤት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ምዝርራብ ኢዩ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ኣባኡ እተረኽቡ ነገድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ሓንሳእ ደው ኢሎም "ነዛ ስድራቤት እዚኣ ክዕዘቡ" ተማሕጸኖም።

"እታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ናዝሬት ስለምንታይ ኣርኣያ ኸም እትኾነና ትፈልጥዶ? ምኽንያቱ እዛ ስድራ ቤት እዚኣ እትዘራረብ ስድራ ኢያ ። ምይይጥ ምዝርራብ ንስድራ ቤት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ! ሓሳብ ንሓሳብ ዘይትለዋወጥ ስድራ ቤት ሕጕስቲ ስድራ ቤት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ።"

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ እዛ ቅድስቲ ስድራ ንዅለን ስድራቤታት እትህቦ ጽቡቕ ኣብነት ተዛረቡ ።

ግዜ መኣዲ ኣገዳሲ እዩ

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገለጽዎ ወንጌል ከም ዝገልጾ ማርያምን ዮሴፍን "ነቲ ንሱ (ኢየሱስ) ዝበሎም ኣይተረድእዎን" ብምባል "ኣብ ስድራቤት ካብ ምርዳእ ንላዕሊ ምስማዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ብምባል የጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስማዕ ነቲ ኻልእ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነን ብህይወት ናይ ምንባርን ብርእሱ ናይ ምሕሳብን መሰል ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ኸም ዚህብን ብምግላጽ "ቈልዑ እዚ የድልዮም እዩ፣" ክብሉ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "መኣዲ ኣብ ስድራ ቤትና እንዘራረበሉ ፍሉይ እዋን እዩ። ኣብ ዙርያ እቲ መኣዲ ብሓባር ኴንካ ኽትዛረብ ጽቡቕ እዩ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ጸገማት ኪፈትሕ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንውሉድ ወለዶ ሓድነት ከም ዚህልወና ክገብር ዝኽእል እዩ።"

ኣብ ገዛእ ርእስና ፈጺምና ኣይንተዓጾ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ብግህዶ ኺዘራረቡን ኪሰማምዑን ከም ዘለዎም ኣጕልሑ ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንወዳ ብሓቂ ብምስማዕ ዝሃበትና ኣበር ዘይብሉ ኣብነት ከም እትዀነትን ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወሲኮም ከም ዝገለጽዎ "ኣብ ግዛእ ርእስኻ ኣይትተዓጾ ካብኡ ዝገደደ ድማ ገጽካ ናብ ናይ ኢድ ተሌፎንካ ብምምላስ ንርእስኻ ኣይትዕጾ" ክብሉ ውን መዓዱ። "ተዘራረቡ ንሓድሕድኩም ጽን ተበሃሃሉ እቲ ንዓኻትኩም ዚጠቕመኩምን ከም እትዓብዩ ዚገብረኩምን ዝርርብ እዩ" ክብሉ ውን ኣትሪሮም ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ቅድስቲ ስድራቤት ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ፍልይሪ ምዃና ብምጕላሕ  ወለዱ ውን ከይረተፉ ንኢየሱስ ብኸመይ ወትሩ ኸም ዘይተረድእዎ ብምዝኽኻር ንስድራ ቤታት ኣጸናንዕዎም፣ መዓልታዊ ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራ ቤትና ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ነገራትን ኪሓስቡ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ናይ ምስማዕ ውህበት ኪወሃበካ ምልማን

ከምዚ ኼጋጥመና እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንርእስና ገለ ሕቶታት ክንሓትት ከም ዘሎና ይነግሩ ።

"ንሓድሕድና ጽን ንበሃሃል ዲና? ንሓድሕድና ብምስማዕ ንጸገማት ንቃለሶም ዲና ወይስ ስቕ ኢልና ቂም ብምሓዝ ከምኡውን ብትዕቢት ንጠማመት? ኣብ መወዳእታ ኸኣ "ንምዝርራብ ቍሩብ ግዜ ንወስድ ዲና?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው "ሎሚ ካብ ቅድስቲ ስድራ ክንመሃሮ እንኽእል ነገር ሓባራዊ ጽን ምብህሃል እዩ " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ምእመናን ምስኦም ሓቢሮም ናብ ድንግል ማርያም ብምውፋይ ንስድራቤታትና ናይ ምስማዕ ውህበት ብምልማን ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

30 December 2024, 17:58