ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሕ. መ. ኣሜሪካ ብሞት ዝተፈርዱ እሱራት ምሕረት ይግበረሎም! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሕ. መ. ኣሜሪካ ብሞት ዝተፈርዱ እሱራት ምሕረት ይግበረሎም!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሕ. መ. ኣሜሪካ ብሞት ዝተፈርዱ እሱራት ምሕረት ይግበረሎም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብናይ ፈደራላዊ ኣባይቲ ፍርዲ ሞት ዝተፈርዶም ዝቕተልሉ መዓልቲ ዝጽበዩ ንዘለዉ እሱራት ጸሎት ክግበረሎም ሓቲቶም፥ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ተሰሪዙ ናብ ፍርዲ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 9 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሞት ዝተፈዶም እሱራት ዝተበየኖም ፍርዲ ሞት ክቕየር ከም ዝጸለዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ዓ.ም. ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምፍናዉ ፍርዲ ናይቶም ኣብ ፌደራላውያን ኣባይቲ ፍርዲ ሞት ዝተበየኖም ምሕረት ክገብርን እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ዓመታት ማእሰርቲ ክቕየረሎም እንኮ ስልጣን ኣብ ኢዲ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ክቕየረሎም ውሳኔ ክህብ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ሎሚ ንኹልኹም ምእንቲ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሞት ዝተፈርዱ እሱራት ክትጽልዩ ክሓትት ግዴታ ኮይኑ ይስምዓኒ” ቢሎም፥ . . .

“ፍርዶም ክስረዝ ወይ ክቕየር ንጸሊ። ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናሓሰብና ካብ ሞት ዘድሕኖም ጸጋ ካብ ጐይታ ንለምን”

ርእሰ ብሔር ባይደን እቲ ዝትክኦም ርእሰ ብሔር ስልጣኑ ቅድሚ ምርካቡ ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምልቓቑ ምሕረት ናይ ምብግባር ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ እቶም ኣስታት 40 ዝኾኑ ኣብ ፈድራላውያን ኣባይቲ ፍርዲ ሞት ዝተበየኖም እሱራት ንምድሓን ጸረ ሞት ፍርዲ ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ዘካይድዎ ጎስጓስ ክስማዕን ምሕረት ክግበረሎም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

09 December 2024, 15:49