ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምዕልቕላቕ ማይ ንዝሳቐ ህዝቢ ብራዚል ቅርበቶምን ጸሎቶም የረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምዕልቕላቕ ማይ ንዝሳቐ ህዝቢ ብራዚል ቅርበቶምን ጸሎቶም የረጋግጹ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምዕልቕላቕ ማይ ንዝሳቐ ህዝቢ ብራዚል ቅርበቶምን ጸሎቶም የረጋግጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብራዚል ብውሕጅ ኣዚያ ናብ እተሃሰየት ብውሕዱ 137 ሰባት ኣደዳ ሞት ዝኾኑላን ልዕሊ 600 ሽሕ ድማ ንኽመዛበሉ ዝተደረኹላን ኣብ ግዝኣት ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ምኽንያት ናብ ናይ ከተማ ፖርቶ ኣለግረ ሊቀ ጳጳሳት ስልኪ ብምድዋል ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ደቡባዊ ብራዚል ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይን ዝሞቱ 137 ከም ዝኾኑን ቁጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 600 ሽሕ ከም ዝበጸሐን፡ እዚ እውን ኣብታ ምስ ኣርጀንቲናን ኡራግዋይን እትዳወብ ግዝኣት ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ዝምልከት ኮይኑ፡ ጽዓት እቲ ዝናም እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት እውን ብርቱዕ ክኸውን ከም ዝኽል ናይ ብራዚል መጽናዕቲ ስነ ኩነታት ኣየር ማእከል ይሕብር።

ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹሎም ብቐንዱ ድኻ ህዝቢ ዝጸሉ ሓደጋ ዝሳቐዩ ንዘለዉ ናብ ናይ ከተማ ፖርቶ ኣለግረ ሊቀ ጳጳሳት ኻይመ ስፐንግለር ዕለት 11 ግንቦት ስልኪ ብምድዋል ቅርበቶምን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ሊቀ ጳጳሳት ስፐንግለር ሓቢሮም፥ እዚ እውን ቅዱስ ኣቦና፥ ንኹሎም በዚ ሓደጋ ዝሳቐዩ ንዘለዉ ሓገዝ ከይፍለዮም ጻውዒት ከም ዝቕረቡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጭቡጥ ሓገዝ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሮ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 5 ግንቦት ጸሎት ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ብራዚል ብዝዘነመ ብርቱዕ ዝናምን ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይን ዝተሃስዩ ህዝቢ ቅርበቶም ገሊጾም ከም ዝነበሩን ንናይ ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ብራዚል ኣዚዩ ዝተሃሰየ ዞባ ንዝሞቱ “እግዚኣብሔር ኣብ መግንስቱ ይቀበሎም - ቢሎም - ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ነቶም ዝተመዛበሉን የጸናንዕ” ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሊቀ ጳጳሳት ስፔንግለር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅርበትን ጸሎትን ብጭቡጥ ናይ ሓገዝ ምልክት ዝተሰነየ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንዝተጸገሙ ሓገዝ ዝውዕል ብቅዱስ ኣቦና ብርክት ዝበለ ሓገዝ ከምዝተመደበ እውን ከም ዝሓበርዎም ኣፍሊጦም ይብል።

13 May 2024, 16:53
Prev
January 2025
SuMoTuWeThFrSa
   1234
567891011
12131415161718
19202122232425
262728293031 
Next
February 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
232425262728