ድለ

ካብ ዘሰሓሓት ፈተና ዲያብሎስ ንምክልኻል ገዛእ ርእስኻ ፍለጥ! ር.ሊ.ጳ

‘ብድሕርዚ እግዚአብሔር ንሰብ ካብ ሓመድ ፈጠሮ! ናብ ሓመድ ድማ ከም ዚምለስ ገበሮ። . . . እግዚአብሔር ንደቂሰብ ሓሙሽተ ስምዒታዊ ኣካላት ሃቦም፣ ብስምዒታዊ ኣካላት ኣቢሉ ዚመጽእ ምትርጓም ምእንቲ ኪኽእሉ ኸኣ ሻዱሻይ ኣገናዚብካ ምኽኣል ሻብዓይ ምስትውዓል ሃቦም። ቋንቋን ዓይንን ሃቦም፣ ኣእዛን ዚሓስብ ኣእምሮን ድማ ሃቦም። ብፍልጠትን ብምስትውዓልን መልኦም፣ ኣብ መንጎ ክፉእን ጽቡቅን ዘሎ ፍልልልይ ድማ ኣርኣዮም። ግርማ ፍጥረቱ ምእንቲ ከርእዮም ዓይኒ ልቦና ሃቦም’ (ሲራ 17, 1,6-7)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ መመያ ወይውን ምልላይ ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ንቀጽል። ኣብ ዝሓለፈ ኣስተምህሮና ካብተን ቀንዲ መጋበሪታት መመያ  ጸሎት ዘይተርፍን ኣድላይን ምዃኑ ከማኡ እውን ጸሎት ማለት ምስ እግዚአብሔር ዝፍጠር ዝምድናን ብእግዚአብሔር ምትእምማን ምዃኑ እውን ርኢና። እዚ ማለት ከም ሕንጻይ ቃላት ምድርዳርን ምድጋምን ዘይኮነ ምስ እግዚአብሔር ጥቡቅ ርክብ ፈጢርካ ብኣኡ ክሳብ መወዳእታ ምትእምማን ምናዳ ከኣ ጸሎት ደቂ እግዚአብሔር ብኽፉት ልቢ ከምዝግበር ተመልኪትና። ሎሚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንመጋበሪ ጸሎት ዘማልእ ካልእ መጋበሪ መመያ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ እትብል ክፍሊ ክንምልከት ኢና። እዚ ግን ቀሊል ኣይኮነን! ርእስኻ ምፍላጥ ንኩሉ ስምዒታዊ ኣካላትና ኣብ ሥራሕ የውፍር ማለት ንዝኽሪ ንኣእምሮ ንድላይን ካልእ ስምዒታትን የጠቃልል። ብዙሕ ግዜ ብቚዕ መመያ ክንገብር ኣይንኽእልን ከመይ እኹል ኣፍልጦ የብልናን፣ ነቲ እንደልዮ ጉዳያት ጥራይ ስለ እንፈልጥ እዩ። ብዙሕ ግዜ ‘እዚ ሰብ እዚ እንታይ ወሪድዎ እዩ ሕይወቱ ዘይሰርዕ! እንታይ ከምዝደሊ እውን ፈጺሙ ኣይፈልጥን! ዝብሉ ሰሚዕኩም ትኾኑ። ርግጽ እዩ ብዙሓት ሰባት ኣለው ሕይወቶም ምስቅልቅል ዝበለ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እንታይ ከምዝደልዩ ኣነጺሮም ኣይፈልጡን። ሽሕ’ኳ ኣብቲ ደረጃ እቲ ኣይንብጻሕ እምበር ንዓናውን የጋጥመና እዩ፣ እንታይ ከም እንደሊ ጽቡቅ ገቢርና ኣይፈልጥን። 

ብዙሕ ግዜ መንፈሳዊ ምጥርጣርን ቅልውላው ጸዋዕታን ከጋጥመና እንከሎ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ሕይወትናን ሰብኣዊ መነባብሮናን ዚኣክል ተዋስኦ ዘይምህላው ከማኡ እውን ኣብ መንጎ ኣእምሮናን ስምዒትናን ርክብ እንክጐድል እዩ። ሓደ ጸሓፊ መንፈሳዊ ጉዳያት ብዛዕባ ክበድ መመያ እንኪጽሕፍ ክንዮ ኩነታትና ስግር ይብል እሞ እቲ ቀንዲ ጸገም መመያ ክድህስስ ይፍትን። ከምዚ ቢሉ ከኣ ይጽሕፍ፣ `ዚዓበየ ዕንቅፋት መመያ ምናዳ ኣብ ጸሎት ምዕባይ እቲ ክንበጽሖ ዘይንክእል ባህርይ እግዚአብሔር ዘይኮነ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እኹል ኣፍልጦ ኣብ ርእሲ ዘይምህላው ከመይ ከምዘሎና ብሓቂ ንምፍላጥ እውን ዘይንደሊ ምዃና እዩ። ዳርጋ ኩልና ክንዮ ክማመት ገጽ ንሕባእ፣ እዚ ግን ኣብ ቅድሚ ካልኦት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መስትያት ገጽና ክንምልከት እንከሎና እውን ንገብሮ’ ይብል(ግሪን፣ ሥርናይን ክርዳድን ኣብ ዝብል ብቋንቋ ጣልያን ኣብ ሮማ ብ19992 ዝተጻሕፍ መጽሓፉ ገጽ 25)። ንሕና ኩልና ዋላ ኣብ ቅድሚ ገዛእ ርእስና ክንሓብኦ እንደልዮ ጉዳይ ኣሎ።

ምርሳዕ ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትናኸስ ማዕረ እቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና ክንሓብኦ ንደሊ እዩ፣ ከመይ ንእግዚአብሔር ሸለል ምባል ንገዛእ ርእስኻ ሸለል ምባል እዚ ከኣ ንዓሚቊ ስምዒታትናን ድላይናን መንነትና ሸለል ምባል ክትፈልጥ ዘይምድላይ ዳርጋ ድንቊርና ገዛእ ርእስና እዩ።

ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ጽጉም ኣይኮነን ግን ድኻም ይሓታት፣ ንመዓሙቊ ውሻጠኻ ክትፈልጥ ዓቢ ትዕግሥቲ ይሓትት። ነቲ ብሃሰሰ ለባም ዝዝውረካ ኣውቲስታ ደው ኣቢልና ነቶም ኣብ እንገብሮ ነገራትን ስምዒታትናን ሓሳባትናን ከይተረዳኣና ዝጸውልውና ጉዳያትን ምልስ ቢልና ምስትውዓል የድሊ። ኣብ መንጎ ስምዒትን መንፈሳውነትን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ እውን የድሊ። ከምዚ ይስምዓኒ ካብ ከምዚ ይርደኣኒ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ፣ ከማኡ እውን ከምዚ ግበር ዝብል ስምዒት ኣሎኒ ካብ ነዚ እደሊ ዝብል ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። በዚ ከምዚኸስ እቲ ኣብ ርእሲ ገዛእ ርእስና ኣብ ከቢቡና ዘሎ ነገራትን ዘሎና ጠመተ ክሳብ ክንደይ ዘባል ምዃኑ ንግንዘብ። ነዚ ተገንዚብካ ምኽኣል ጸጋ እዩ፣ ከም ሓቁ ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕሉፍ ተመኲሮና ተመርኲስና ኣብ ክንዲ በቲ ዘሎና ሓቀኛ ኩነታት ሓርነትና ተመሪሕና ግደና ነበርክት ግጉይ ርድኢት ሒዝና ንጐዕዝ።

ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ዘመነ ዲጂታላዊ ሓበሬታ ዘድሊ ግላዊ ሓበሬታታትና ዝርከቦ ፕሮግራማት ንምኽፋት መሕለፊ ቊጽሪ ወይ ኮድ ክትፈልጥ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ይርደኣና እዩ። እንተኾነ መንፈሳዊ ሕይወት እውን ናቱ ኮድ ወይ መፍትሕ ኣለዎ። ንልቢ ዝትንክፉ ቃላት ኣለው ከመይ ስምዕ እንክነብሎም ነታ ቀንዲ ጉዳይ መንፈሳዊ ሕይወትና የበራብሩ። እቲ ፈታኒ ማለት ዲያብሎስ ነዘን መፍትሕ ዝኾና ቃላት ኣጸቢቁ ስለዝፈልጠን ንሕና እውን ኣብ ዘይንደልዮ ቦታ ንከይንርከብ ክንፈልጠን ግድን እዩ። ፈተና ብዙሕ ግዜ ብሕማቅ ነገራት ኣይኮነን ዝጅምረና እንታይ ደኣ ከጋግዩና ዝኽእሉ ብህጹጽ ዘድልዩና ጉዳያት ገቢሩ እዩ ዘቅርበልና። በዚ ከምዚ ከኣ በቲ ግዝያዊ ምብልጫላጭ ወይውን ሕጹጽነት ናይዘን ንግዜኡ ጽቡቅ ኮይነን ዝረኣያና ደሓር ግን መደናገርቲ ምዃነን ከምዘይተጸበናዮ ምስኮና ባዶሽን ሕዙናትን ኰና ምስ ተረፍና ብዝስቈረና ነገራት ይፍትነና። እዚ ስምዒት ባዶነትን ጓህን እዚ ቅኑዕ መንገዲ ከምዘይተኸተልናን ከምዝተጋገናን ዘመልክት እዩ። ንኣብነት እንመርጾ ትምህርቲ ሞያ ርክብ ወዘተ ኩሉ እቲ ብዘህርፍ መንገዲ ዝቀርቡና ደሓር ግን ብሓርነት እንተዘይገበርናዮ ዘይጭበጥ ትጽቢት ሒዝና ኣይንረብሕን ኣብ ዝብል ስምዒት የጥሕለና። ንኣብነት ሓደ መጽናዕቲ ክትገብር እንከሎኻ ንጥቅሚ ገዛእ ርእስኻን ስምዒትካ ንክተርውን ዶ ትገብሮ ወይስ ንኣገልግሎት ማሕበረሰብ! ቢልካ ብምሕታት ዕላማ ነፍስወከፍና እንታይ ምዃኑ ክትግንዘብ ይከኣል፣ ካብዚ ዝንቡዕ ርድኢትከስ እቲ ዓበይቲ ጓሂታት ሕይወት እንብሎም ይመጹ፣ ከመይ ማንም ካብዚ ጉዳያት እዚ ውሕስነት ክብሪ ሰብኣውነትና ከልብሱና ኣይክእሉን።

ስለዚ እዩ እምበአር ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ንገዛእ ርእስና ምፍላጥን ንመፍትሕ ልብና ምፍላጥን ኣድላዪ ዝኸውን፣ ማለት ንከጋግየና ብምቁር ቃላት ንዝቀርበና ክንጥንቀቀሉ የድሊ። እንተኾነ ንዓና ብዝበለጸ ንዘገድሰናን ዝጠቅመናን ነገር እውን ካብ ናይ ግዜኡ ምውዕዋዕን ዘብለጭልጩ ጉዳያትን ፈሊና ክንፈልጦ የድሊ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ተለቪዥን ዝቀርብ መደባት ምውዕዋዕ ልብና ኣሸፊቱ ከይተረዳእና ዋላውን ከይደለና ናባኡ ከምእንኸይድ ይገብረና። ካብዚ ተጠንቀቁ! ቅድሚ ዝኾነ ውሳኔ ምግባር ነዚ ንምግባር ሓራ ድየ ወይስ ሱቊ ቢለ ብስምዒት በቲ ንግዜኡ ዝቀርበኒ ምትዂታዂ እምራሕ! ቢልና ንገዛእ ርእስና ምሕታት የድሊ። 

ኣብዚ ክሕግዘና ዝኽእል መርመራ ሕልና ምግባር እዩ፣ እንተኾነ ነቲ ናብ ኑዛዜ ክንከይድ እንከሎና እንገብሮ ዝፈጸምክዎ ሓጢኣት እዝን እዝን እዩ እናበልና መርመራ ሕልና ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ እዚ ካልእ መርመራ ሕልና እዩ። ምሸት ቅድሚ ምድቃስካ ሎሚ ኣብ ልበይ እንታይ እንታይ ተፈጺሙ ብማለት ዝግበር ሓፈሻዊ መርመራ ሕልና እየ ዝዛረብ ዘሎኹ! ኣየኖት! ስለምንታይ! ኣብ ልበይከ እንታይ ኣሰር ገዲፎም ቢልና ሕልናና ንመርመር። ናይ ሕልና መርመራ ምግባር ኣብ ዕለቱ ንዝፈጸምካዮ ህድእ ቢልካ ዳግም እትምርምረሉ ካብቲ ዝገበርካዮ ፍርድታትን ምርጫታት እትመሃረሉ እንታይ እደሊ ስለምንታይከ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ረኺበ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንልበይ ዘዕግብ እንታይ ረኺበ! ንልበይ ዘዕግብከ እንታይ እዩ! ቢልካ ትምርምር! ከመይ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ዘጽንዓልና ጐይታ ጥራይ እዩ። ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት ብመስቀሉ ይገልጸልና! ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቱ ክሳብ ክንደይ ክቡራት ምዃና ምእንታና ብሙማት ኣርእዩና። ካብቲ ለዋህ ሕቊፉ ኪዓግተና ዚኽእል ዕንቅፋት ወይውን ውድቀት ፈጺሙ የለን። ናይ ሕልና መርመራ ብዙሕ ይሕግዘና፣ ምኽንያቱ ከኣ ልብና ዝኾነ ነገር ከይፈልጥናዮ ዚጐዓዘሉ ጐድና ከምዘይኮነ ንምልከት፣ ሎሚ ኣብ ልበይ እንታይ ሓለፈ! እንታይ ተፈጸመ! ከምዝሰርሕ ዝገበረኒ! ከምዝሓዝን ዝገበረኒ! ከምዝሕጐስ ዝገበረኒ እንታይ እንታይ ነበረ! ወይውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝፈጸምኩዎ ሕማቅ ጉዳይ እንታይ ኣሎ! ብማለት ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ ልበይ ዘዕገርገረ ስምዒታትስ ይኹን ዘስድዑ ነገራት ንምርምር፣ ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትና ብዛዕባ ጸሎት ከምዝተዛረና ኣይትርስዕዎን ግዲ ትኾኑ ሎሚ ከኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ተዛሪብና። ጸሎትን ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥን ብሓርነት ከም እንዓቢ ይገብሩና። ብሓርነት ንክትዓብኸን መሠረታዊ ሕይወት ክርስትና ንክህልወካን ቦታኻ ንክትፈልጥን እዘን ክልተ መጋበሪታት መመያ እዚኤን መሠረታውያን እየን። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!

Thank you for reading our article. You can keep up-to-date by subscribing to our daily newsletter. Just click here

05 Oct 2022, 14:47
ንኩሉ ኣንብብ >