ጳጳሳት ኣመሪካ ኣንጻር ምዝርጋሕ ክኒናታት ምንጻል ጥንሲ፣ ጸሎትን ስጕምትን ተበግሶ ጀሚሮም
ዜና ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጵሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮንፈ(USCCB)፣ ኮሚተ ንጥፈታት ንደገፍ ህይወት፣ ንካቶሊካውያን ምእመናን ካብ ዕለት 18 ነሓሰ ጀሚሮም ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጸንሕ ኣንጻር ምስፍሕፋት ከኒናታት ምንጻል ጥንሲ ንምቅዋም ኣብ ዝግበር ጸሎትን ስጕምትን ዘተኰረ ጻዕርታት ክሓብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
"ነፍሲ ወከፍ ምንጻል ጥንሲ ሞት ህጻንን መጉዳእቲ ኣደን ዘጠቓልል ኢዩ። ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ንምንጻል ጥንሲ ዝኸውን ከኒናታት ብቐሊሉ ክርከብ ስለ ዝከኣል ዘሎ፣ ብመጠኑ ድማ ምንጻል ጥንሲ ብዜሕዝን መገዲ ይውስኽ ኣሎ፣ ንጥዕና ዘስዕቦ ሓደጋታት ድማ እና ወሰኸይ ይውስኽ ኣሎ" እንክብሉ፣ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጵሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኮክሊን፣ ኣቦ መንበር ኮሚተ ንንጥፈታት ደገፍ ሕይወትን ናይቲ ግባኤ ጳጵሳት ብፁዕ ኣቡነ ዳንኤል ቶማስ ብዕለት 18 ነሓሰ ኣብ ዘቕረብዎ ሓባራዊ ጻውዒት ገሊጾም።
እቲ ዕድመ ድማ ብቋንቋታት እንግሊዝን እስጳይናን እተዳለወ ጸሎት ዜጠቓልል እዩ ኮይኑ ኢዩ ዝቐረበ፣ እዚ ድማ ንኣማላድነት ቅዱስ ዮሴፍ ከም ተጣባቒ ህይወት ገቢሩ ዝገልጽ ኮይኑ ይርከብ። ብተወሳኺውን ካቶሊካውያን ምእመናን ናብቲ ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጵሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) እተዳለወዳለዎ Respect Life Prayer and Action ኣብ ዝሰመ መርበብ ሓበሬታወብ ክምልከቱ የተባብዕ፣ ኣብኡ ውን ብዛዕባ ሓደጋታት ከኒናታት ምንጻል ጥንሲ ክመሃሩን፣ ናብተን ኣብዚ ኩነት እዚ ዝሳተፉ ዘለዋ ቤተ መድሓኒታት ክሊኒካትን ኩባንያታትን መልእኽቲ ክሰድዱን የተባብዕ።
እዚ ተበግሶ እዚ ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝዝከር ወርሒ ኣኽብሮት ህይወት ብምስምማዕ ዝካየድ ዘሎ እዩ።
ንደቂ ኣንስትዮ ተነቀፍቲ ዝገብር ሥርዓት
"ምምሕዳር ምግብን መድሓኒታትን ነቲ ንምንጻል ጥንሲ ዘገልግል ዘሎ ከኒናታት ብናይ ቈጸራ ተሌፎን ጥዕና ክእዘዝዙን ኣብ ጐረባብቲ ፋርማሲታትን ብመስመር ኢንተርነት ክእዝዙን ብምፍቃዱ፣ ነቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ህይወት ዘዕቍብ ሕግታት መንግስቲ ብምጥሓስ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብጶስጣ ዝእዘዝ ዕዳጋ ምንጻል ጥንሲ ኣኽኢሉ ኣሎ" ክብል እውን የጠንቅቕ።