ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናይ ስፔየር ጳጳስ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቍ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም ር.ሊ.ጳ. ናይ ስፔየር ጳጳስ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቍ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም  (© Deutsche Bischofskonferenz / Marko Orlovic)

ር.ሊ.ጳ. ናይ ስፔየር ጳጳስ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቍ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ስፔየር ጳጳስ ካርል ሃይንዝ ዋይዝማን ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ክለቑ ዘቕረብዎ ሕቶ እወታዊ መልሲ ከም ዝሃብሉ ቫቲካን ነዚ ከም ልሙድ ብዘይ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ዕለት 19 ነሓሰ ሓቢሩ፡ ሃገረ ስብከት ስፐየር እቲ ናይ ጳጳስ ካርል ሃይንዝ ዋይዝማን ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ምልቃቕ ብምኽንያት ጥዕና ምዃኑ ይሕብር። ጳጳሳት ኣብ 75 ዓመት ዕድሚኦም ካብ ናይ ሰበኻ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ለቒቖም ናብ ልሂቅነት ክሰጋገሩ ሕገ ቀኖና ይእዝዝ፤ ጳጳስ ዊዝማን ግን ወዲ 66 ዓመት ዕድመ እውን ምዃኖም ናይ ሰበኻ ስፔየር መግለጺ ይሕብር።

ዜና ቫቲካን

ጳጳስ ካርል - ሃይንዝ ዋይዝማን ካብ 2008 ጀሚሮም ንሰበኻ ስፔየር ይመርሑ ከም ዝነበሩን፡ ውልቃዊ ምኽትሎም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ማርከስ ማጊን ከም ዝኾኑን፡ ምስ ተቐባልነት ሕቶ ምልቃቕ ካብ ሓዋርያዊ ስልጣን ጳጳስ ዋይዝማን፡ እቲ ሕዙእ መንበር ዝብል ውሳነ ጵጵስና ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ውን መዝነት ሓዋርያዊ መስተናብር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጳጳስ ማጊን ብኡንብኡ የብቅዕ። ብተመሳሳሊ ቤት ምክሪ ካህናት ሰበኻ ህላወኡ የብቅዕ። ብመሰረት እቲ ሰበኻ ኣባላት ጉባኤ ካቴድራል ኣብ ቀረባ እዋን ተራኺቦም ሓደ ኣመሓዳሪ ሰበኻ ክመርጹ ምዃኖምን እዚ ድማ ክሳብ ሓድሽ ጳጳስ ዝምዘዝ ውሱን ስልጣን ዘለዎ ጉዳይ ሰበኻ ከማሓድር እዩ።

ምኽንያታት ጥዕና

ብዛዕባ ስልጣኖም ምልቃቖም ብዝምልከት መርበብ ሓበሬታ ሰበኻ ከም ዝሕብሮ ዋይዝማን ንር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ምልቃሕ ሕቶ ኣብ ዘቕረብሉ መልእኽቶም፡ ድሕሪ ደጊም "ክሳብ እቲ ትጽቢት ዝገበረሉ ዘሎ መዋቕራዊ ጽገናታት ምሉእ ብምሉእ ዝትግበር ብምሉእ መንገዲ ክኸይድ ንምግባር" ብቝዕ ሓይሊ ከምዘይብሎም ተገንዚቦም"ሓደ ሰብ ድሕሪ ደጊም ንሓደ ዕማም ብዘድሊ ደረጃ ክፍጽሞ ከምዘይክእል ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ንውሱን ግዜ ዝተዋህበ ቤት ጽሕፈት፡ ንኻልእ፡ ሕጂ ዝያዳ ዝምጥን ሰብ ምሕዳግ'ውን ከም ሓላፍነት እየ ዝሪእዮ - ቢሎም - ብተወሳኺ “ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንመበል 1000 ዓመት ምንባር እምነ መሰረት ካቴድራልና ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ምድላው ግዜ ክንጅምር ኢና፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ምሉእ 2030 ክኽበር እዩ። ካቴድራል ስፔየር፣ ምስቲ ብሉጽ ኤውሮጳውን ብሓቂ ዓለማዊን ትርጉሙ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ክህሉ ተዛማዲ ሓይልን ኒሕን ዘለዎ ጳጳስ ይግብኦ፡ ስለዚ ዝወሰድክዎ ውሳነ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝጸሉ ስለ ዝፈልጥ፡ ክርድኡሞ ድማ እሓትት” እንክብሉ ምስጋናኦም የቕርቡ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሰበኻ፡ ጳጳስ ዋይዝማን "እዚ ውሳኔ እዚ ክገብር ክበድ ይስምዓኒ፡ ምኽንያቱ ኣብታ ብመልክዕ ትርኢት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሓጎስን ፍስሓን ጳጳስ ናይቲ ሰበኻ ዝኾኑሉ፡ እቲ ህዝቢ "ብክፉትነቱን እምነቱን፡ ከምኡ'ውን ብምሕዝነቱን፡ ሓቀይና ገዛ ኮይኑሉ፡ ኣዝየ ምሹእ ኮይኑ ዝተሰምዓኒ ቦታ እዩ" ምስኦምን ምስ ሃገረ ስብከትን ኣብዚ መንገዲ እዚ ንዝተጓዕዙ ኩሎም የመስግኑ።

ካብ 2008 ጀሚሮም ኣብቲ ሓዋርያዊ ስልጣን ዘገልገሉ

ዕለት ሓደ ነሓሰ መበል 66 ዓመት ዕድመኦም ዘኽበሩ ጳፓስ ዋይዝማን ካብ መጋቢት 2008 ጀሚሮም ንሰበኻ ስፔየር ክም ዝመርሑን፡ ዕለት 19 ታሕሳስ 2007 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ንተራዳኢ ጳጳስ ዋይዝማን ተካኢ ናይቲ ካብ 1983 ክሳብ 2007 ንሰበኻ ስፔየር ዝመርሑ ጳጳስ ኣንቶን ሽለምባክ እንክብሉ ሸምዮም ዕለት 2 መጋቢት 2008 ኣብ ካቴድራል ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓዋርያዊ መንበሮም ብወግዒ ከም እተረከቡን፡ ኣብ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ካብ 2011 - 2016 ናይ ሽማግለ ጉዳያት ምንእሰያት ኣቦ መንበር፡ ካብ 2016 -  2021 ኣብቲ ጉባኤ ጳጳሳት ጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ናይ ዝክታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር፡ ካብ 2021 ጀሚሮም ድማ ኣብቲ ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳያት ሊጡርጊያ ምኽትል ኣቦ መንበርን ናይ  ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኤቁሜናዊ ሽማግለ ኣባል ኮይኖ ከም ዘገልገሉን ካብ 2013 – 2019 ቤት ምኽሪ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስትያን (ACK) ከም ዝመርሑ ንይቲ ሰበኻ መርበብ ሓበሬታ የመላኽት።

ሲኖዳሊዝም፡ ኢኩሜኒዝም፡ ምስ ሰባት ምቅርራብን ምፍታሕ ግህሰትን ዝብል እዩ።

ሰበኻ ስፔየር ሲኖዳውነትን ኤቁመናውነትን ከምኡ’ውን ምስ ሰባት ቅርበት ከም ፍሉይ ኣቃልቦ ጳጳስ ዋይዝማን ይጠቅስ። ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ንጳጳስ ዋይዝማን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እውን ብዙሕ ከም ዘሻቐሎምን፡ "መጽናዕቲ እቲ ኣብ ጀርመን ብገለ ገለ ካቶሊካውያን ካህናት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመን ተነቀፍትን ዝምርምር ናይ 2018 ፍሉይ ናጻ መጽናዕታዊ ውጥን - MHG study ምሕታሙ ብቐጻሊ ኣብቶም ግዳያት ከተኩሩ ከም ዝደረኾምን። ምስ ግዳያት ብዙሕ ዘተ ዘካየዱን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ነጻ መሓውራት ክህሉ ዝተጣበቑን ኣብ ሰበኻ ስፔየር ናጻ መርመሪ ሽማግለን ኣማኻሪ ኣካል ግዳያትን ከም ዘቖሙን። ኣብ 2025 ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ንሰበኻ ስፔየር ዝምልከት ናጻ ናይ መርመራ መጽናዕቲ ክሕተም ከም ዝገበሩን" እቲ ናይቲ ሰበኻ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ የረጋግጽ።

20 Aug 2026, 15:35