ድለ

ካርዲናል ፒዛባላ ናብ ታይበህ ይበጽሕ : ህላወ ክርስትና ምዕቃብ ካርዲናል ፒዛባላ ናብ ታይበህ ይበጽሕ : ህላወ ክርስትና ምዕቃብ  (AFP or licensors)

ካርዲናል ፒዛባላ ናብ ታይበህ ይበጽሕ : ህላወ ክርስትና ምዕቃብ

ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘበኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒዛባላ ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ፍልስጤም ዝተረፈት ናይ መወዳእታ ክርስትያናዊት ቁሸት ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቶም ኣብታ ቁሸት ዝነብሩ ማሕበረሰብ ክርስቲያን "ኣብነትኩም ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ማእከል እዚ ዝተሓላለኸ ኩነታት ክርስትያናዊ ድምጺ ኮይና መታን ክንቅጽል" ከም ዝበሉ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቫለሪዮ ፓሎምባሮ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

“ኣብዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ፡ ኣብ መላእ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ቤተ ክርስቲያናዊ ህላወ ንምዕቃብ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ኩሉ ክንገብር ኢና።” እንክብሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዕለት 15 ነሓሰ ብምኽንያት በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ክርስትያናዊት ቁሸት ብምብጻሕ ምስ ህዝቢ ታይበህ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኮይኑ፡ ብጹዕነቶም ነቲ ህዝቢ ዘለዎም ቅርበት ገሊጾም፡ "ብደረጃ ሰብኣውን ዓለማውን መልሲ ዘይክህልወኒ ይኽእል እዩ፡ ግን ኣብ ኣምላኽ እኣምን እየ። ከምኡ ውን ርግጸይና እየ፡ ብእኡ፡ ህይወት ክንህብ ከም እንኽእል፡ ኣብዚ ኣብ ታይበህ ከይተረፈ እንክብሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድሃኒ ኣለም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝገለጹ ፓሎምባሮ ይሕብር።

ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ መንጎ ህዝቦም

ካህን ቁምስና መድሃኒ ኣለም ኣብ ቁሸት ታይበይ ኣባ በሽር ፋዋድለ ፓትርያርክ ፒዛባላ ቅድሚ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብስሞምን ብስም መላእ ምመናን ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእቁም መደረ እታ ዓዲ "ኣብ መንጎ ህዝባን ገዝኣን" ከም እተቐበሎም ኣስሚሮም፡ ኣብ ጽንኩር እዋን ኣብ ጎኒ ደቆም ኣቦ ከም ምዃኖም ገሊጾም፡  ህላወ ካርዲናል ፒዛባላ፡ ነቲ ሕብረተሰብ በይኖም ከምዘይኮኑን ቤተክርስትያን ኣብ ጎኒ ደቃ ደው ኢላ ከምዘላን፡ መስቀልን ተስፋ እዛ ምድሪን" ዝሓዘት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ብወገኖም በዓለ ፍልሰታ ለማርያም "ፍረ ትንሳኤ" እንክብሉ ገሊጾም፡ ማርያም ንክርስትያን ንክውንነት ብመሰረት ስሌት ደቂ ሰባት ዘይኮነስ "ብመለኮታዊ ዓይኒ" ክንጥምት ከም እትምህረና ኣረጋጊጾም፡ ብድሕሪ’ዚ እቶም ካርዲናል ነዚ መልእኽቲ ብቐጥታ ምስ ታይበህ ኣተሓሒዞም፣ ህዝባ ዋላ’ውን ኩነታት መጻኢ ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ኣብ ዝገብሮ እዋን ኣብ እምነትን ተስፋን ሱር ሰዲዱ ክጸንሕ ከም እተማሕጸኑ መግለጺ ላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘበእየሩሳሌም የመላኽት።

ንልቢ ካብ ፍርሒ ምሕላው

ህልውና ክርስትና ምዕቃብ እውን ንልቢ ካብ ፍርሒ፣ ተስፋ ምቑራጽን ሳዕቤን ከቢድ ኩነታትን ምሕላው ከም ዝሓትት እውን ፓትርያርክ ኣስሚሮም፡ "ንሕና ግን መሰላትና፡ መሰል ህይወትና ከይከሓድና፡ ህይወት ዝወልድ ሕብረተሰብ ኮይንና ክንቅጽል ንደሊ። እሞ ተበዓት ኩን። ኣይትፍርሑ! - ቢሎም - ካርዲናል ፒዛባላ እውን ካብ ኣባ በሽር ብዝመጾም ስሩዕ መልእኽትን እዋናዊ ሓበሬታን ኣብ ታይበህ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉ ኣረጋጊጾም፡ ዑደት ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝወጸ ኣዋጅ እስራኤል ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ "ከባቢ ታይበህን ሪሞንን" ዕጹው ወተሃደራዊ ዞባ ምዃኑ ብምእዋጅ፡ እስራኤላውያንን ወጻእተይናታትን ምእታውን ህላወን ዝእግድ ኮይኑ፡ እቲ ዝተመደበ ከባቢ ንገለ ክፋል ከተማ ታይበህ፣ ሕርሻዊ መሬታትን ሃይማኖታውን ታሪኻውን ቦታታት ዘጠቓልል እዩ። እቲ ኣዋጅ ፡ ነጋድያን፡ በጻሕቲ፡ ጋዜጠይናታት፡ ወለንተይናታትን ካልኦት ወጻእተይናታትን ናብ ታይበህ ምብጻሕ ብዝምልከት ሕቶታት እውን ኣልዒሉ እዩ። ካርዲናል ፒዛባላ፡ እቲ ኣብ ታይበህ ዝፍጸም ዘሎ ካብ ከተማ ወጻኢ'ውን እናፈለጡ ይመጹ ከም ዘለዉ ሓቢሮም፡ “ኣብ ማእከል እዚ ዝተሓላለኸ ኩነታት ክርስትያናዊ ድምጺ ኮይንና ክንቅጽል፡ ኣብነትኩም ኣገዳሲ'ዩ” ከም ዝበሉ መግለጺ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘበእየሩሳሌም ዝጠቐሰ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቫለሪዮ ፓሎምባሮ ይሕብር።

17 Aug 2026, 16:16