ድለ

2026.08.17 Don Gabriele 2026.08.17 Don Gabriele 

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ቀሺ ዑቕባገብርኤል ቀሺ ወልደማርያም

ኣቦና ቀሺ ዑቕባገብርኤል ቀሺ ወልደማርያም፣ ካብዛ ታህዋኽን ሸበድበድን ዝመልኣ ምድሪ፡ ኣብ መበል 95 ዕድመኦም ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቦ ኣፍኒናዮም ንርከብ ኣሎና። ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ቀሺ ዑቕባገብሬል ቀሺ ወልደማርያም፣ ካብ ኤጳርቅና ሰገነይቲ እተላእከልና ነቕርበልኩም።

ኣባ ፍስሃየ ሚካኤል - ኤጳርቅና ሰገነይቲ

 "ሕያዎት ሰባት ብሕያውነቶም ይዝከሩ" (ምሳሌ10፥7)

 ኣብ ዘመነ ፍልሰታ፡ ኣብዚ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብነፍስን ብስጋን ንሰማይ ዝገዓዘትሉ ዘመን፡ ንሰማይ ምግዓዝን ምስግጋርን ኣብ እነስተንትነሉ ወቕቲ፡ ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብሠናይ ገድሊ” ዝተጋደሉ፡ ልኡኽ እግዚኣብሔር ዝኾኑ፡ ኣቦና ቀሺ ዑቕባገብርኤል ቀሺ ወልደማርያም፣ ካብዛ ታህዋኽን ሸበድበድን ዝመልኣ ምድሪ፡ ኣብ መበል 95 ዕድመኦም ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቦ ኣፍኒናዮም ንርከብ ኣሎና።

ኣብ ዕለተ ክህነት እንደግሞ “እግዚኣብሔር ነግሰ” ዝብል ጸሎት፡ “ለካህናቲከ እግዚኦ ለካህናቲከ እለ ኣሥመሩከ፡ ትቤሎሙ ባኡ ጽርሐ መቅደስከ ኅበ ይኅድር ኃይለ ስብሐቲከ” “ኦ ጎይታ ነቶም ዘሐጉስኻ ኣገልገልቲ ካህናትካ፡ ናብቲ ሓይልኻን ክብርኻን ዝሓድረሉ ኣደራሽ መቕደስካ እትው ኢኻ” ትብሎም እናበልና ነዝይም፡ ሎሚ ከኣ ነዞም መምህር ለውሃትን ሕያውነትም ዝኾኒ ኣገልጋሊ ኣቦና ቀሺ ዑቕባገብርኤል፡ ኣንታ ሓያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ንዓ ናብቲ ሰማያዊ ኣደራሽ መቕደሰይ እቶ፡ እናበለ ኣምላኽ ከም ዝቕበሎም እምነትናን ተስፋናን እዩ።

ክቡር ኣቦና ቀሺ ዑቕባገብርኤል ቀሺ ወልደማርያም፦

  1. ብዕለት 27 ግንቦት 1931 ፈ ካብ ኣብኦም ቀሺ ወልደማርያም ተኽለን ኣዲኦም ወ/ሮ ግደይ ገብረንጉስን ኣብ ዓዶም ዓዲጣል ተወሊዶም።
  2. ብዕለት 17 ሕዳር 1952ፈ ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ነፍስሄርት ወ/ሮ ግደይ ካሕሳይ  ቃል ኪዳን ኣሲሮም። 74 ዓመት ብቃል ኪዳናዊ ሕይወት ድሕሪ ተናቢሮም፣ ኣምላኽ 5ተ ኣዋልድ ጸጊዎም።
  3. ብዕለት 11 ሚያዝያ 1957 ብኢድ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ኣስመራ መዓርገ ክህነት ተቐቢሎም።
  4. ካብዚ ቀጺሎም ድማ ብ1977 ዓ.ም.ፈ. ብፍቓድ ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሱዋ ናብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣትዮም። 69 ዓመት ከኣ ብክህነታዊ ሕይወት ኣገልጊሎም።
  5. ካብ 1978-1979 ከም ምክትል ቆሞስ ኮይኖም ኣብ ቁምስና ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘፋጥማ ዓድውብዑር ኣገልጊሎም።
  6. ብዕለት 15 የካቲት 1979 ኣብ ቁምስና ደብረ መድሓኔ ዓለም በራቒት ንእሽቶ ቆሞስ ኮይኖም ከገግሉ ተሸይሙ። ክሳብ 1984 ዓ.ም. ከኣ ኣገልገሉ።
  7. ካብ 1984-1985 ኣብ ድግሳ ኣብ ደበረ ማርያም ጽዮን ንሓደ ዓመት ኣገልገሉ።
  8. ብ1985 ዓ.ም. ከኣ እንደገና ናብታ ን5ተ ዓመት ዘገገሉላ ደብረ መድሃኔ ዓለም በራቒት ንእሽቶ ተቐይሮም።
  9. ብ1987 ነዛ ንእሽቶን ንጸሎት ምችእትን ዝኾነ ቤተክርስትያን ደ/መ/ዓለም በራቒት ንእሽቶ ክሃንጹ ጀመሩ። ብረዲኤት መድሓኔ ዓለም ከኣ ዛዚሞማ።
  10. ብዕለት 20 መስከረም 1993 ዓ.ም.ፈ. ቆሞስ ኮይኖም ናብ ኣውህነን መዓርዳን ተቕይሮም፡ ኣብኡ ከለዉ ከኣ ንቁምስና ቤተክርስትያን ደብረ ቅዱስ ጊዮርጊስ መዓርዳ ኣሓዲሶም።
  11. ብዕለት 11 መስከረም 1999 ዓ.ም.ፈ. ቆሞስ ኮይኖም ንደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሓላይን ንኪዳነ ምሕረት ሓድሽ ዓድን ተቐይሮም። ብግዚኦም ከኣ 6ተ ክፍሊ ዘሎዎ መንበሪ ቆሞስ ሰሪሖም።
  12. ብዕለት 30 ጥሪ 2003 ዓ.ም.ፈ. ናብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሓድሽ ዓዲ ሓደግቲ ተቐይሮም። ኣብኡ ከኣ ንቁምስናታት ደ/ቅ/ሚካኤል ሓድሽ ዓዲ ሓደግትን ደ/ኪዳነ ምሕረት ዓዲቐይሕን ን7ተ ዓመታት ኣገልጊሎም።
  13. ድሕሪ 7ተ ዓመት ኣገልግሎት፣ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ንዕረፍቲ ንደ/መድሓኔ ዓለም ዓዲቀይሕ ተቐይሮም።

ኣብዚ ግዜ ዕረፍቶም፡ ደኺመ ከይበሉ ብትግሃትን ብዓቢ መንፈሳውነትን ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ይሳተፉን፡ ንምእመናንን ንነተማህሮ ኮለጅ ዓዲቀይሕን ምስጢራት እና ዓደሉ፣ ንቡኡሳት እናኣተዓረቑ ትጉህ ኣገልግሎት ክህቡ ጸኒሖም ኢዮም።

ፍሉይ መለልዪ ባህሪ ቀሺ ዑቕባገብርኤል

ክቡር ነፍስኄር ኣቦና ቀሺ ዑቕባገብርኤል ቀሺ ወልደማርያም፦

  • ብሓቂ ለዋህን፣ ቦቕባቕን ኣቦ
  • ምልክት ሕያውነትን ትሕትናን ወትሩ ንብዓት ዝዝዕሮም ዝንበረ
  • ምስ ኩሉ ብሰላም ዝነብሩ
  • ትጉህ ኖላዊ ብእሴ እግዚኣብሔር ዝነበሩ ኣቦ ኢዮም።
  • ብሕጽር ዝበለ እተን ብጹዓን ነዳያን ዝብል 8ተ ብጽዕነታት ኣብ ሕይወቶም ዘንጸባርቍ ኣቦ ኢዮም ዝንበሩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፣ "እቲ ዘገልግለኒ ዘበለ፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ክህሉ ኢዩ" (ዮሓ12፥26) ከም ዝበለና፡ መጠን እቲ ዘገልገልዎ ኣብ መንግስተ ሰማይ ከም ዝቕበሎም እምነትናን ተስፋናን ኢዩ። “እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ብፁዓን እዮም፥ “እወ፥ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ ካብ ጻዕሮም ኬዕርፉ እዮም” (ራእ. 14፥13)። “ሕያዎት ሰባት ከም ግብሮም ዓስቦም ክስዕቦም እዩ” ምሳሌ14፥ 14። በዚ ሓሳብ እዚ ከኣ፡ ዓስቢ ናይቶም ለዋሃት ሰባት፡ ርስቲ ቅዱሳን፡ ሰማያዊ ሓጎስ፡ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰማዓቶ፡ ልቢ ወድሰብ ዘይሓለኖ ሰማያዊ ዓስቢ ከም ዝስዕቦም እምነትናን ተስፋናን ኢዩ።

ዝሓለፈ ዕለት 15 ነሓሰ 2026 ዓ.ም.ፈ. ብጹዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ኤጳርቅና ሰገነይቲን፡ ዓበይቲ ካህናት ብጾቶምን ነኣሽቱ ካህናት ደቆምን ኩሎም ውሉደ ክህነት ሰብ ውፉይ ሕይወት ካህናትን ደናግልን ምእመናንን ቤተሰብን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ኣብ ዓዲቀይሕ ደብረ መድሓኔ ዓለም ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ንኹሉኹም ኣብዚ ቀብሪ ኣቦና ዝተሳተፍኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ብስም ሰበኻ ሰገነይትን ቤተሰብን ምስጋናና ነቕርብ። ንሰበኻ ከምኦም ዝበሉ ሕያዎትን ቅዱሳትን ካህናት ይልኣኸልና፡ ንቤተሰብ ከኣ ጽንዓት ይሃብ ንብል።

 

 

17 Aug 2026, 12:14