ድለ

ኢንዶነዥያ፡ ጳጳሳት ምትሕግጋዝን ተስፋን ይላበዉ ኢንዶነዥያ፡ ጳጳሳት ምትሕግጋዝን ተስፋን ይላበዉ  (AFP or licensors)

ኢንዶነዥያ፡ ጳጳሳት ምትሕግጋዝን ተስፋን ይላበዉ

ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዥያ ኣብ ዘውጽእዎ ጒስነታዊ መልእኽቲ 2026፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢንዶነዥያ ኣብ ቅድሚ እቲ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ብዙሕ ቅልውላዋት ኩሎም ማሕበራዊ ጉጅለታት ብሓባር ንቕድሚት ክስጉሙ ከም ዘለዎም ትጽውዕ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

እቲ ጒስነታዊ መልእኽቲ “ኣብ ማእከል ቀላሲ ሓይሊ ሃገር: ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓባራዊ መንገዲ ንምዕቃብ ሰላማዊ ህዝቢ ምትእስሳርን ምድልዳል ሰብኣዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ኢንዶነዥያ” ዝብል ኣርእስቲ ዝገበረ ኮይኑ፡

እቶም ጳጳሳት ንጒስነታዊ መልእኽቶም መበል 81 ዓመታት ዘቝጽር ዘሎ ናጽነት ኢንዶነዥያን ንሕብረተሰብ ዘቐጽልዎ ክብርታትን - ሓዊሱ ሓድሕዳዊ ምትሕብባር፡ ምትሕግጋዝ፡ ፍልልያት እናሃለወ ዘተን ጽንዓት ኣባይቲ ስድራን ከባብያዊ ማሕበረሰባትን ብምምስጋን ኣበጊሶም፡ ኣብ 2034 መበል 500 ዓመት ህላወ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደሴታት ኢንዶነዥያ ንዝነበራ ነዊሕ ታሪኽ እውን የመስግኑ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ብዙሕ ሸነኻዊ ቅልውላዋት ምፍታሕ

እቶም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ቅልውላው ብምትንታን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ መስርሕ ብዝያዳ ክትሳተፍ ጸዊዖም፡ እቲ መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 ኣብ ጃካርታ ዝተኻየደ ሓሙሻይ ሃገራዊ ማሕበራዊ ጉስነታዊ ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢንዶነዥያ (SAGKI V) ዝተሰረተ ኮይኑ፡ እቲ ኣብኡ ዝተቐረጸ ራእይ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ንሰላም እተገልግል ሕጂ ናብ ጭቡጥ ጉስነታዊ ተበግሶታት ክትርጎም ምዃኑ ድማ የመላኽቱ።

ነቲ ብዙሕ ሸነኻዊ ቅልውላው ምቅላስ

እቶም ጳጳሳት ብዛዕባ "ብዙሕ ሸነኻዊ ቅልውላው፡ ገለ ካብቲ ድኽነትን ማሕበራዊ ዘይማዕርነትን፡ ብልሽውና፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ፓፑዋ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ዕንወት ከባብን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን፡ ከምኡ’ውን ምንቁልቋል ዲሞክራስያዊ ጽሬት ጠቒሶም፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናት፡ ስንኩላንን ደቀባት ማሕበረሰባትን እውን ብኣድልዎ ይጽለዉ ከም ዘለዉ ኣመላኺቶም፡ ከም መልሲ ናይዚ ድማ ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዢያ - KWI ኩለንተናዊ ኣቀራርባ ክህሉ ይጽውዑ። ቤተ ክርስቲያን ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ክትጣበቕ፣ ኣገባባት ማሕበራዊ ሓለዋ ከተሐይል፣ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዓውዲ እውን ሓላፍነት ክትወስድ ይግባእ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቁጠባዊ ርእሰ - ብቕዓትን ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥን ይጽውዕ።

ከምኡ እውን እቲ ጉስነታዊ መልእኽቲ ኣብ ፖለቲካውን ስነ - ምግባራውን ትምህርቲ ኣተኵይሩ፡ ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት መራሕቲ ከተዕቢ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዓት ክኢላዊ መምርሒ ንምሃብን ማሕበራዊ ምዕባለታት ብነቐፌታው መገድን ብመገዲ ጉጅለ ክኢላታትን ክትዕዘብ ቃል ትኣቱ።

ቤተ ክርስቲያን ከም ወሳኒት መሻርኽቲ መንግስቲ

ቤተ ክርስቲያን ንነብሳ ብግልጺ ከም ወሳኒት መሻርኽቲ መንግስቲ ትሓስባ: ምስ መንግስታውን ማሕበራውን ተዋሳእቲ ክትተሓባበር ትደሊ: ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ በደላት ኣለሊያ ንረብሓታት ብፍላይ ተቓላዕቲ ሰባት ክትውክል ትደሊ።

ጓሳዊ ምኽሪ 2026፡ መምርሒ ንጒስነታዊ ተግባር

እዚ ዕለት 17 ነሓሰ ኣብ ጃካርታ ዝተሓትመ ለበዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ 2026 ንሃገረ ስብከታትን ሰበኻታትን ትካላት ቤተ ክርስቲያንን ንዝግበር ጉስነታዊ ስጉምቲ ከም መምርሒ ኮይኑ ከገልግል ዝዓለመ እዩ። እቶም ጳጳሳት ክርስትያናዊ ክብርታት ቃላትን ሰነዳትን ጥራይ ኮይኖም ክተርፉ ዘይኮነስ ናብ ጭቡጥ ኣበርክቶ ንሰላምን ምትሕግጋዝን ንሓባራዊ ረብሓን ክትርጉሙ ይጽውዑ።

እቲ ናይ ጉስነት ዓዋዲ ኣብ ጃካርታ ዕለት 17 ነሓሰ 2026 ዝተሓትመ፡ ብኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዥያ (KWI) ጳጳስ ኣንቶንዮስ ሱብያንቶ ቡንያሚን፡ ብዋና ጸሓፊ ጳጳስ ኣድሪያኖስ ሱናርኮ ዘተኸተመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዢያ ዘውጽኦ መግለጺ ተወኪሱ የመላኽት።

19 Aug 2026, 15:44