ድለ

ርእደ መሬት ኣብ ኢንዶነዥያ ርእደ መሬት ኣብ ኢንዶነዥያ  (AFP or licensors)

ርእደ መሬት ኣብ ኢንዶነዥያ

ኣብ ኢንዶነዥያ ብብዝሒ ካቶሊካውያን ዝነብሩላ ደሴት ፍሎረስ 7.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ብዘጋጠመ ሓያል ርእደ መሬት ብውሕዱ 38 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣሽሓት ድማ ከም እተመዛበሉን ሰበኻ ላቡዋን ባጆ ነቲ ናይ መዕጸዊ ጽምብል በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ዘዳለዎ መደባት ከም ዝሰረዘ ኣባ ካስሚር ነማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ይሕብሩ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ደሴት ፍሎረስ ኢንዶነዥያ ዕለት 15 ነሓሰ ኣጋ ምሸት ድሕሪ ዘጋጠመ ሓያል ርእደ መሬት ብውሕዱ 38 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ከም እተመዛበሉን ሰፊሕ ዕንወት እውን ከም ዘስዓበን፡ ኣብ ሓያሎ ዞባታትን ክፍለ ከተማታትን ምፍራስ መሬት፡ ምፍራስ ህንጻታትን ምዕጻው ጽርግያታትን ከምዝተራእየን ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ብሰንኪ ዝተበላሸወ ትሕተ ቅርጺን ናብ ገለ ማሕበረሰባት ንምብጻሕ ኣጸጋምን ዝተሕላለኸን ገይርዎ ከም ዘሎ ይንገር።

ዘጋጠመ ርእደ መሬት

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስነ መጽናዕቲ ኩነታት ከባቢያዊ ኣየርን ኵነታት መልክ ምድርን ኢንዶነዥያ (BMKG)፡ እቲ ርእደ መሬት ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 5፡58 ንግሆ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ማእከሉ ካብ ምባይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኑሳ ቴንጋራ ኣስታት 30 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ መጠንቀቕታ ሱናሚ ቅድሚ ምልዓሉ ንሓጺር እዋን ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ነበርቲ ናብ ዝለዓለ ቦታታት ከግዕዙ ከም እተገብረን። ድሕሪ ቀትሪ ብውሑዱ 31 ርእደ መሬት ከም እተሰምዐን፡ ኣብ መላእ ፍሎረስ ዝርከቡ ካቶሊካውያን በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ንምጽንባል ኣብ ዝዳለዉሉ ዝነበሩ እዋን እውን ዘጋጠመ ምዃኑ ኣባ ነማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡  ኣብ ሲካ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፡ እውን በቲ ርእደ መሬት ከም እተሃሰየን ተመሃሮን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ክወጹ ከም እተገዱን ኣፍሊጡ።

ኣብ ለዳለሮ ክካየድ ዝነበሮ መደባት ይሰጋገር

እቲ ርእደ መሬት ኣብ ለዳለሮ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት 27 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ማሕበር መለኮታዊ ቃል ናይ መወዳእታ መብጽዓ ክግበሪ ተዳልዩ ዝነበረ ጽምብል ንግዚኡ ክጓረጽ ከም ዝገበረን፡ እቲ ፈለማ ንጉሆ ሰዓት 8፡30 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ቅዳሴ፡ ነቲ ኩነታት ንምግምጋምን ኣድላዪ ምድላዋት ንምግባርን ግዜ ንምሃብ ክሳብ ሰዓት 9፡30 ዝተናወሐ ኮይኑ፡ ዋላ እኳ እቲ ምዝንባዕን ዘይርጉጽነትን እንተነበረ፡ እቶም 27 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፡ ንህዝቢ ፍሎረስ ኣብ ዝኸበደሉ እዋን፡ ናይ ተልእኾ ወንጌል ጸዋዕታኦም ንኣምላኽ ኣሕሊፎም ብምሃብ፡ ዓቢይ መብጽዓ ከም ዝፈጸሙን ኣብታ ደሴት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ቅጽበታዊ ሳዕቤን ናይቲ ርእደ መሬት ኣብ ዝገጠማሉ እዋን እቲ ጽምብል ሓያል ምልክት እምነትን ጽንዓትን ምንባሩ ኣባ ነማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ሓቢሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም 27 ሓደስቲ ኣባልት ማሕበር መለኮታዊ ቃልን ንህዝቢ ፍሎረስ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝተጎድኡን ዝፈትውዎም ሰባት ዝሰኣኑን ገዝኦም መነባብሮኦምን ዝዓነዎምን ጸሎታን ቅርበታን ከም ዘረጋገጸት የመላኽቱ።

ሰበኻ በዓል ጎሎ ኮኤ ሰሪዙ

ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት እቲ ርእደ መሬት፡ ሰበኻ ላቡዋን ባጆ፡ ዝተረፉ ፍጻመታት በዓል ጎሎ ኮኤ ፍልሰታ ለማርያም 2026፡ መዕጸዊ ቅዳሴ፡ ምርኢትን ባህላዊ መደባትን ሓዊሱ ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ። ጳጳስ ማክሲሙስ ረጉስ እቲ ውሳነ ነቲ ሓደጋን ስክፍታታት ድሕነት ህዝብን ንምምላስ ዝተወሰደ ምዃኑ ሓቢሮም።

"እቲ በዓል ክንቅጽሎ ዘይኮነስ፡ ብሓባር ደው ኢልና፡ ነቶም ከቢድ ኩነታት ዘጋጥሞም ዘሎ ከነሰንዮም ንመርጽ" ከም ዝበሉ ዝሓበሩ ኣባ ነማ፡ ካቶሊካውያን ብህድኣት ወግዓዊ መምርሒታት ክኽተሉን መንፈስ እቲ በዓል ናብ ጭቡጥ ተግባራት ርህራሄን ግብረ ሰናይን ክቕይሩን እቶም ጳጳስ ኣተሓሳሲቦም፡ "እቲ በዓል ደው ክብል ይኽእል'ዩ፡ መንፈስ ሕውነት፡ ምትሕግጋዝን ሓልዮትን ግን ክቕጽል ኣለዎ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ንበዓል ናብ ምትሕግጋዝ ትቕይሮ

ሕጂ ኣብ ሓምሻይ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ጽምብል ጎሎ ኮ ሓደ ካብቶም ኣብ ምብራቓዊ ኢንዶነዥያ ዝካየዱ ፍሉጣት ካቶሊካውን ባህላውን በዓላት ኮይኑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት “ብሓባር ምጉዓዝ፡ ንምድሪ ምፍዋስ” ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረን ዝተወጠነ በዓላት ንጸሎትን ምትሕግጋዝን ቦታ ምስ ዝህብ ድማ ዝዓሞቐ ትርጉም ከም ዝህልዎን እዚ ርእደ መሬት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1992 ኣብ ፍሎረስ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬትን ርእደ ምድሪ ማያት ባሕርን፡ ኣስታት 2,500 ሰባት ዝቐተለ ተዘክሮታት እውን ኣበራቢሩ እዩ።

ኣብ መላእ ፍሎረስ፡ ማሕበረሰብ ቤተክርስትያን ንውሕስነት፡ ጸሎትን ምትሕግጋዝን ምስቶም ዝተጎድኡ ሰባት ቀዳምነት ከም ዝሃቡን ስርሒታት ህይወት ኣድሕንን ሰብኣዊ ስራሕን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ሰብመዚ ነበርቲ ንቑሓት ክኾኑ፣ ካብ ዝተጎድአ ህንጻታት ክርሕቁን ወግዓዊ ሓበሬታ ክከታተሉን ተማሕጺኖም። ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ፍሎረስ፡ በዓለ ፍልሰታ ለማርያምን ባህላዊ ምርኢትን ሎሚ ዓመት በቲ ፈለማ ዝተሓሰበ ምደብ ጽምብል ዘይኮነስ፡ ብሓድሽ ጻውዒት እምነትን ጽንዓትን ምስቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ምትሕግጋዝን ብዝብል መንፈስ ከም እተኻየደ ይሕብሩ።

17 Aug 2026, 16:14