ድለ

ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳያት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናብ ሜክሲኮን ቴክሳስን ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳያት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናብ ሜክሲኮን ቴክሳስን 

ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳያት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናብ ሜክሲኮን ቴክሳስን

ካቶሊካዊ ሊቀ ጳጳሳት ስቴፋን ሄሰ ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን (DBK) ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታት ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ብዛዕባ ኩነታት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብቐረባ ንምክትታል ካብ ዕለት 19 ነሓሰ ጀሚሮም ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ከምዝርከቡን ኣብዚ ናብ ሜክሲኮን ቴክሳስን (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ) ዝገብዎ ጉዕዞ ክሳብ ዕለት 27 ነሓሰ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መመሓደሪ ስደተይናታት ናብ ዝግበር ናይ ምትሕግጋዝ ዕዮ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዜና ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ሄሰ ኣህጉራዊ ሓገዝ እውን ኣብ ትሕቲ ልዑል ጸቕጢ ከምዘሎ፡ ናብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ፡ ምስ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ ዝርከቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክራኸብን ብዛዕባ ስቓዮም ንምቅላል ዝዓለመ ተበግሶታት ከለልዩ መደብ ከም ዘለዎምን፡ ዕለት 20 ነሓሰ ናብ ሜክሲኮ ድሕሪ ምእታዎም ብዛዕባ ጉዕዞኦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ድምጺ ቤተ ክርስቲያን ክስማዕ ኣለዎ

"ኣብ ክንዲ መዕቆቢ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ዝህነጸሉ ዘሎ ሃዋህው፡ ድምጺ ቤተክርስትያን ክዕፈን የብሉን። ኣብ ሜክሲኮን ቴክሳስን መልእኽቲ ምትሕግጋዝን ርህራሄን ክሰድድ እደሊ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ሰሜን ኣመሪካ ተበጊሶም እዮም። ብዙሓት እውን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ይርከቡ። ካብ ዓመጽን ዓፈናን ወይ ኣብ ዓዶም ካብ ዘሎ ጸገምን ተስፋ ምቑራጽን ክሃድሙ ዝደልዩ ክኾኑ ይኽእል፡ ኣብቲ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ድሕነትን ክብርን ህይወት ብተስፋ ክጥርነፉ ዝደልዩ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን ሜክሲኮ ንብዙሓት ካብዞም ሰባት ናይ መወዳእታ መዕረፊት ዝኾነት ትመስል። ሕግታት ህሉው ምምሕዳር ኣሜሪካ ቀይዲ በተኽ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣዊ መትከላት እውን ብዙሕ ዋጋ ዘይህብ እዩ ዝመስል፡ እዚ ድማ ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብተደጋጋሚን ብጽኑዕን ዝነቐፈቶ ጉዳይ እዩ" እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የጒልሑ።

መደብ መገሻ

ኣብ መጀመርታ እዞም ኣብ ኣግልግሎቶም ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ውፉያት ዝኾኑ ጳጳስ ሄስ ኣብ ርእሰ ከተማ ሜክሲኮ ምስ ወከልቲ ፖለቲካ፣ በርገሳዊ ማሕበራት፣ ምሁራትን ቤተ ክርስቲያንን ክራኸቡ እዮም። ምስ ወከልቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታትን (IOM) ኣኼባታት ከካይዱ እውን መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ሊቀ ጳጳሳት ሄሰ ኣብ ሓያሎ ተበግሶታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኣሜሪካ ምስ ዝመጹ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክራኸቡ ዕድል ክህልዎም እዩ።

ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ሜክሲኮ ተቕዋማዊ ድኽነት ዘለዋ ግዝኣት ቻፓስ እትርከብ ከተማ ታፓቹላ፡ ሊቀ ጳጳሳት ሄሰ ምብጻሕ ከካይዱን ኣብ ዶብ ጓቲማላ ዘሎ ኩነታት ርድኢት ክረኽቡ እዮም። ንገለ ካብቲ ኣብኡ ዝርከብ “ማእከል ብዙሕ ኣገልግሎት” ናይ ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ውጥናት ኣገልግሎት ስደተይናታት ኢየሱሳውያን (JRS)፡ ከምኡ’ውን መደባት ሓገዝ ናይቲ ከባቢ ሰበኻ ክበጽሕ መደብ ኣለዎም።

ሊቀ ጳጳሳት ሄሰ ኣብ ሓያሎ ተበግሶታት ቤተ ክርስቲያን ክበጽሑ ምዃኖምን፡ ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኣመሪካ ምስ ዝመጹ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክራኸቡ ዕድል ክህልዎም እዩ። ዞባ ዶብ ሜክሲኮ - ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ፡ ካልእ ትኹረት ናይቲ ጉዕዞ፡ ኩነታት ዶባዊ ዞባ ሜክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣመሪካን ክኸውን እዩ። ፍሉይ ልኡኽ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ክልቲኡ ሲዩዳድ ኹዋረዝ ሜክሲኮን ኤል ፓሶ ቴክሳስን ክራኸቡ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብ ባይታ ዘሎ ወጥሪ ሰብኣዊ ኩነታት ምስ ጳጳስ ኤልፓሶን ወከልቲ ኣብ ዞባ ዶብ ዝርከባ ትካላት ረድኤትን እውን ማእከላይ ኣርእስቲ ዘተ ክኸውን እዩ። ኣብዚ ጕዕዞኦም ኣብ ዝተፈላለየ ዝበጽሕዎ ቦታ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘሳተፈ መስዋዕተ ከዕርጉን፣ በዚ ድማ መልእኽቲ መንፈሳዊ ምትሕግጋዝ ከመሓላልፉን እውን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ዝሓለፉ መገሻታት

ሊቀ ጳጳሳት ሄሰ ሕሉፍ ናይ ምትሕግጋዝ መገሻታት ንስደተይናታት ኣብ 2025 ዓ.ም. ኣብ ምስሪ፡ ናብ ኬንያ ኣብ 2024፡ ግሪኽን ቱርኪን ኣብ 2023፡ ፖላንድን ዩክሬንን ኣብ 2022፡ ሞሮኮ ኣብ 2020፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2019፡ ሲቺሊያ ኣብ 2017፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሊባኖስ ኣብ 2016 ዑደት ከም ዘካየዱ ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

21 Aug 2026, 14:34