ቤተ ክርስቲያን ፔሩ ንዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወግዓዊ ጸሎት ተቕርብ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ፐሩ ዝገብርዎ ዓለም ለኻዊ ዑደት ዘሰንይ ጸሎት ወግዓዊ ዝገበረ ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ነዚ ርክብ ንምድላው ዝዓለመ ተበግሶን ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምሕዳስ እምነትን ተስፋ ንምድልዳልን ሰላም ንምድንፋዕን ኣበርክቶ ክገብር ጻውዒት የቕርቡ። "ንዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዘይተኣደነ ሓጎስ ንቕበሎም፣ ምኽንያቱ ኣብ መንጎና ምህላዎም ንህዝብና ሓቀይና ህያብን እምነትና ከነሐድስን ተስፋ ከነደልድልን ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ብሓባር ክንመላለስን ዕድል ክኸውን እዩ" እንክብሉ ናይ ሰበኻ ሉሪን ጳጳስ ናይ ፔሩ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ካርሎስ ጋርስያ ካማደር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።
ዕጥቂ ዝፈተሐን ዕጥቂ ዘፍትሕን ሰላም
እቲ ጸሎት ሓደ ካብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘቃልሕ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ናይ ሓድነት መንገድታት ንምኽፋት፡ ግርጭታት ክውገድን፡ ዓመጽ ደው ከብልን ጽልኢ ክብድህን ዝኽእል "ዕጥቂ ዝፈተሐን ዕጥቂ ዘፍትሕን" ሰላም ንምህናጽ ዝብል ጻውዒት እዩ። መንበረ ቤት ምኽሪ ኤጲስቆጶሳዊ ፔሩ እውን ካብቲ ቅዱስነቶም ኣብ ፔሩ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለሉ ናይ ጉስነት ኣገልግሎትን ቅድሚ ሕጂ ከም ምኽትል ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ፔሩ ዝነበሮም ተራን ዝምንጩ ፍሉይ ምትእስሳር ምስታ ሃገር ኣስሚሮም፡ በዚ መንጽር እቲ ዝመጽእ ምብጻሕ ቅዱስስነቶም ንቤተክርስትያንን ሕብረተሰብ ፔሩን "ናይ ጸጋ ግዜ" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ጸሎት ሰላም ኣብ ፔሩ
እቲ ጸሎት ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንቅድስቲ ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያንን ንቅዱስ ቱሪብዮስ ዘ ሞግሮቨኾን ንቅዱሳን ፔሩን ዘማዕቝብ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝካየድ ርክብ ኣብ መላእ ሃገር ተስፋ ምሕዳስን ምሕያል ሰላምን ተኸኣሊ ዝገብር ክኸውን ዝምህለል እዩ፡ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 17 ሕዳር ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ሊማ፡ ካላኦ፡ ፑካልፓ፡ ኩስኮን ቺክላዮን ዝካየድ ንጥፈታት ዘጠቓልል እዩ። ነዚ ፍጻመ’ዚ ብምጽባይ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ ፔሩ ንህዝቢ እግዚኣብሔር ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሰላምን ዘተን ዕርቅን ብሓጎስ ንምቕባል ዝዓለመ ፔሩቪያንውያን ልቦም ከፊቶም ኣብ ሕውነታዊ ሕብረትን ምትሕግጋዝን ክነብሩ ዓዲሙ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ምዝርጋሕ ወግዓዊ ጸሎት ኣበርክቶ ዝገብሩ ብምምስጋን ምእመናን ኣብ መንፈሳዊ ምድላው ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብንጥፈት ክሳተፉ ይላበዉ።