ድለ

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዞባ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሓባር ረብሓ ይቐድም! ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዞባ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሓባር ረብሓ ይቐድም! 

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዞባ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሓባር ረብሓ ይቐድም!

ኣባላት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዞባ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SACBC) ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ናይ 2026 ከባብያዊ ምርጫ ሓባራዊ ረብሓ ንምሕዳስ ክጥቀሙሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ዜጋታት ድምጾም ክህቡ፣ ንመራሕቶም ተሓታትነት ክህልዎም ዝገብሩን፣ ንሰናይ ሂወት ማሕበረሰቦም ዝለዓለ ሓላፍነት ክወስዱን ከም እተላበዉ ሺላ ፒረዝ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ የረጋግጽ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ጻውዒት ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ መዛዘሚ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ደቡባዊ ዞባ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት - SACBC ኣቦ መንበር ካርዲናል ስቲቨን ብሪስሊን ዝተኸተመ ናይ 2026 ከባብያዊ ምርጫ ዝምልከት ዝወጸ ጓሳዊ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይ ዕለት 4 ሕዳር ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ትሕዝቶ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ንጽቡቕ ሂወት ሕብረተሰብን ዘለዋ ሓልዮትን ዝገልጽ እዩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወንጌል ሓሴት Evangelii Gaudium ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብምጥቃስ፡ "ፖለቲካ፡ ብዙሕ ግዜ መጋበርያ ጸለመ ዝኸውን ዘሎ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ብምስዓብ ልዑል ጸዋዕታኡ ክነብር እንከሎ ሓደ ካብቲ ክቡር መልክዕ ግብረ ሰናይን እዩ" እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ፒረስ ኣብ ዘመሓላለፍቶ ጸብጻብ ተመላኽት።

ሰናይ ትምኒት

እቶም ጳጳሳት ንዲሞክራስያዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ እንተኾነ ግን ዝተፈላለያ ዞባታትን ክፍለ ከተማታትን ዘጋጥም ከቢድ ብድሆታት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘሎ ቅልውላው ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ማሕበረሰባት ሕጽረት ማይ፡ ኵምራ ጎሓፍ፡ ዝተበላሸዎ መገድታትን ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ሕጽረት ሰብኣውነት ዘማእከለ ናይ መዘናግዒ ትካላትን ዘርዚሮም፡

ኣብ ምብልሻው ምምሕዳር ከባቢ ኣበርክቶ ዝገብሩ ሓያሎ ረቛሒታት ኣለልዮም፡ ንሳቶም ድማ ብዘመድ ኣዝማድን ብስጋይ ስጋኻ ዝፍጠር ዕድላትን ብልሽውናን፡ ጽልዋ ዝተወደበ ገበን ኣብ ክፍለ ከተማታት፡ ዘይምርግጋእ ጥምረት መንግስታት፡ ማዕቅፍ ምፍርራሕን፡ ሞያዊ ብቕዓት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘይምህላው፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክንድኡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝሰፍሕ ሽማግለ ክፍለ ከተማታት ፖለቲካዊ ምትእስሳር ዘለዎ እናኾነ ንኹሉ ዘየገልግል ዝብሉ ዘርዚሮም፡ "ከም ዜጋታት መጠን ዘለና ተራ'ውን ብቕንዕና ክንዛረብ ኣሎና። ከም ዘይምዕሩይ ኣገልግሎት ክፍለ ከተማታትን ዞባታትን፡ ብልሽውና፡ ዘይሕጋዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ብዓመጽ ኣባይቲ ምውናን፡ ምዕናው፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ስርዓት ምድርባይ ጓሓፍ ዓመጽ ዝመልኦ ገበንን ዝኣመሰሉ ተግባራት ኣመልኪቶም፡ ንጳጳሳት እዞም ክውንነታት እዚኣቶም ናይ ሓባር ረብሓን ናይ ኡቡንቱን መንፈስ ብዕምቆት ምድኻሙ ገሊጾም: ንውልቃዊ ወይ ወገናዊ ረብሓታት ልዕሊ ሰናይ ሂወት ናይቲ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ናይ ምቕማጥ ዝንባለ ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቦም፡ በዚ መንጽር እዚ ጳጳሳት መንእሰያት ንመጻኢ ሃገር ኣብ ምቕራጽ ንጡፋት ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ፍሉይ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኩሎም ዜጋታት ድምጾም ብሓላፍነት ክጥቀሙሉን "ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ኩሉ ሰብ ድምጺ ኣብ ምሃብ ከይቦክር” ብኣጽንዖት ከም እተላበዉ ፒረስ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ ሓቢራ፡ እዚ ጻውዒት፡ ብሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ጉባኤ ጳጳሳት ደቡባዊ ዞባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ዜጋታት ሓድሽ ወለዶን ናጻ ሽማግለ ምርጫን (IEC) ብምትሕብባር ዝድገፍ ተኸታታሊ ተበግሶታት ዜግነታዊ ጽምዶ ስዒቡ ዝቐረበ ኮይኑ። ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ካብ ሽዱሽተ ሰበካታት ናይ ርእሰ ሰበኻታት ጆሃንስበርግ ዝተዋጽኡ ካቶሊካውያን ተማሃሮ መንበረ ጥበብን ብሓበሬታ ዝተሰነየ ድምጺ ምሃብ፡ ሓላፍነታዊ ዜግነትን ስነ - ምግባራዊ ኣመራርሓን ንምድንፋዕ ዝዓለመ መደባት ትምህርቲ እውን ከም እተሳተፉ ተመላኽት።

ናይ መጻኢ ሓላፍነት

ኣብ ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶ ካርዲናል ብሪስሊን መንእሰያት ተሳትፎ ከም ናይ ምርጫ ግዴታ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ሓላፍነት መጻኢ ሕብረተሰብ ክርድእዎ ኣተሓሳሲቦም። መረጽቲ ቅንዕና፡ ውሁድነትን ንጽጉማትን ስራሕ ኣልቦን ንዝተቓልዑን ንምግልጋል ሓቀይና ተወፋይነት ዘርእዩ መራሕቲ ክግምግሙ፡ ሕልናኦም ብጥንቃቐ ክጥቀሙ ኣተሓሳሲቦም፡ ድምጺ ጥራሕ ምሃብ፣ ንባዕሉ እኹል ከምዘይኮነ ኣብቲ ጉስነታዊ መልእክቲ ተሰሚሩሉ ከም ዘሎ ፒረስ ገሊጻ፡ "ድምጺ ምሃብ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም ዜጋታት ንሓባራዊ ረብሓ ክንሰርሕ ምስ ዘሎና ድልውነት ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ - ቢሎም - እቶም ጳጳሳት መጽሓፍ ዘዳግም ተወኪሶም፡ ተሳትፎ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ከም ምርጫ ኣነባብራ ብምቕራብ፡ "ህይወትን ሞትን በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣቐሚጠ ኣለኹ። ስለዚ ህይወት ምረጹ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጣ።

ንሰናይ ሕብረተሰብ ተወፋይነት ዘለዎም መራሕቲ ምረጹ

ህይወት ምምራጽ ማለት ንማሕበረሰቦም ብቕንዕና ንምግልጋል ተወፋይነት ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ ማለት እዩ፤ ንብረት ህዝቢ ምኽባርን ዕንወትን ሕጊ ኣልቦነትን ምንጻግን፤ ንብልሽውናን ምትእስሳር ስጋይ ስጋኻ ደው ዘይብሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ምድጋፍ፤ ፖለቲካዊ ውድባት ብፍላይ ኣብ ጥምረት መንግስታት ንሓባራዊ ረብሓ ክተሓባበሩ ምትብባዕ፤ ከምኡ’ውን ሽማግለታት ከባቢ ንውድባዊ ረብሓታት ዘይኮነስ፡ ብሓቂ ንማሕበረሰባት ከምዘገልግላ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ ጉስነታዊ መልኽቲ ኣስሚሮም፡

ኣብ መስርሕ ምርጫ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ነጻ ሕጹያት፣ መራኸቢ ብዙሓን፣ በርገሳዊ ማሕበራትን መንግስታዊ ትካላትን ብሓላፍነት ክዋስኡ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ መረጻ ሰላማዊ፣ ናጻ፣ ፍትሓዊ ክኸውን ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ተመላኽት።

17 Aug 2026, 16:19