ድለ

ጳጳስ ካሉምባ ድሕሪ ምርጫ ዛምብያ ንኣገልጋሊ መሪሕነት ይጣበቑ ጳጳስ ካሉምባ ድሕሪ ምርጫ ዛምብያ ንኣገልጋሊ መሪሕነት ይጣበቑ  (Diocese of Livingstone)

ጳጳስ ካሉምባ ድሕሪ ምርጫ ዛምብያ ንኣገልጋሊ መሪሕነት ይጣበቑ

ኣብ ዛምብያ ናይ ሰበኻ ሊቪንግስቶን ጳጳስ ቫለንታይን ካሉምባ፡ ዛምብያውያን ኣብ መንጎ ልዕሊ 73 ቀቢላታትን ቋንቋታትን ዛምብያ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ክሕቆፉ ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገሮም ዝተካየደ ምርጫ ርእሰ ብሔርን ባይቶኣውን ምርጫ ሃገሮም ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የተሓሳስቡ።

ዜና ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ሊቪንግስቶን ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዛምብያ ዝተዛዘመ ሃገራዊ ምርጫ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዝተዛዘመ ምርጫ ዳግመ - ምትዕርራይ፡ ንኣስተንትኖን ሕውነትን ዝግበረሉ ዕድል ከምዝኸውን ገሊጾም። ብፍላይ ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሄራዊ ምፍልላይ ከየጓሃህሩ እውን ጻውዒት የቕርቡ።

ምርጫን ኣገልጋሊ ኣመራርሓን

ጳጳስ ካሉምባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ዛምብያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ምርጫ፡ ዓቢ ወጥሪ፡ ጸቕጥን ጭንቀትን ዝፈጠረሉ ህሞት ምዃኑ ዘሕዝን እዩ። ብተለምዶ ኣብ ምርጫ ዜጋታት መሰረታዊ መሰላቶም ተጠቂሞም ደሞክራስያዊ ድምጾምን ምርጫታቶምን ዘስምዑሉ ጽምብል እዩ ክኸውን ዝግብኦ።

ሓደ ክፋል ናይቲ ፍታሕ ፡ ናብቲ ወንጌላዊ ትርጉም መሪሕነት ምምላስ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቦም።  ኣብ ኩሉ ብርኪ ሕብረተሰብ ዝግበር ኣመራርሓ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኣገልግሎት ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንስድራቤትካ፡ ፈተውትኻን ቀቢላኻን ዝኸውን ሃብቲ ወይ ጸጋታት ንምእካብ ንፖለቲካዊ መሪሕነት ምውድዳር ኣገባብ ምስ መንፈስ ኣገልጋሊ ኣመራርሓ ዝጻረር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዘጋጠመ ኩሉ ከም ዘሎ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ብፍላይ ኣብ ሰበኻ ሊቪንግስቶን፡ ኣካይዳ መስርሕ ምርጫን ኣዋጅ ውጽኢት ምርጫን ብመጠኑ ጽቡቕ ዝኸደ ይመስል ኢሎም። ገለ ሰባት ነቲ ናይ ምርጫ ሃዋህው ተጠቒሞም ክዘምቱን ናይ ዕንወት ተግባራት ክፍጽሙን ኣብ ዝደለዩሉ እዋን፡ ኣብ ከተማ ሊቪንግስቶን ገለ ዝተነጸሉ ገበነይናታት ባእታታት ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ። ሕጂ'ውን እቶም ሰበስልጣን ነዞም ፍጻመታት ክገጥምዎም ከምዝኸኣሉ እውን የስተብህሉ።

ካህናት ንኸገልግሉ ዝተጸውዑ እዮም

ናይ ሰበኻ ሊቪንግስቶን ጳጳስት ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሊቪንግስቶን ኣብ ዝርከብ ቁምስና ማራምባ ክርስቶስ ንጉስ ንሰለስተ መንእሰያት ዲያቆናት ስሜተ ክህነት ኣብ ዘጸመሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ካህናት ንኣገልጋሊ መሪሕነት ክሕቆፉ ጽኑዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ብምዝኽካር፡ ክህነት ምብዓል ቅዱስ ቁርባን፣ ስብከት ወንጌል፣ ቅዱሳት ምስጢራት ምስራዕ፣ ምእመናን ኣብ ሓጎስን ከቢድን ህሞታቶም ምስናይ ዘማእከለ ናይ ዕድመ ምሉእ ተልእኾ ምዃኑ ነቶም ሓደስቲ ካህናት እውን ከም ዘዘኻኽሩ ሓቢሮም፡ "ጻውዒት ክርስቶስ ብዛዕባ ሓይሊ ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣገልግሎት እዩ" እንክብሉ፡ ካህናት ናይ ጸሎትን ቅንዕናን ሰባት ኮይኖም ክቕጽሉ ተማሕጺኖም፡ ካህናት ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ድኻታትን ንሕሙማትን ጓኖትን ንኣምላኽ ዝደልዩን ወትሩ ድሉዋት ክኾኑ ድማ ከም ዘተባብዑ የመላኽቱ።

ንካህናት ደግፍን ጸሎትን

በዚ ኣጋጣሚ’ውን ጳጳስ ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ መንእሰያት ኣናሓሰቡ ኣብ ዘስሞዎ መደረ፡ ንዝተፈላለየ ዝወሃቦምን ጸዋዕታ እወታዊ ምላሽ ክህቡን ኣብ ምዕባለ ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ኣበርክቶ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም። ንቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ብእምነት፣ ትብዓት፣ ቅንዕናን ተስፋን ዝልለዩ መንእሰያት የድልዩ - ቢሎም - ብተወሳኺ ዓለማውያን ምእመናን ንካህናት ብስጋውን ብመንፈሳውን ምድጋፍ ክቕጽሉን ወትሩ ስለ ጸዋዕታ ክጽልዩን ኣዘኻኺሮም፡ ኣባይቲ ስድራ ክጽልዩ እንከለዉ ናብ ክህነትን ገዳምዊ ህይወትን ወንጌላውነትን ጸዋዕታ ከም ዝዕንብብ ኣመልኪቶም፤ ማሕበረሰባት ንመንእሰያት ከተባብዑ እንከለዉ፡ ምእመናን ድማ ንቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝድግፉ ምዃኖም የጒልሑ።

21 Aug 2026, 14:31