ጳጳሳት ዛምብያ ብምኽንያት ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ጭርጫ ዘውጽእዎ መግለጺ
ዜና ቫቲካን
ዛምብያ ኣብ 1964 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር ኲናት ሓድሕድ ካብ ዘየጋጠማ ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን እንከላ፡ ብተወሳኺ ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ናብ ካልእ ፖለቲካዊ ውድብ ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ስልጣን ምስግጋር ዝረኣየላ ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፡ ሽማግለ ምርጫን መስርሕ ምርጫን ዛምብያ ዕለት 13 ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ናይ ርእሰ ብሔርን ምርጫ እታ ሃገር 12 ሕጹያት ከም ዘለዉ የረጋግጽ።
ሰላም ግርጭት ዘይምህላው ኣይኮነን
ዛምቢያ መንነታ ሓኒጻ እያ። ካብ ናጽነታ ኣትሒዛ ኣብ ሰላም፡ ከም ህዝቢ መጠን ካብቲ ንብዙሓት ጐረባብትና ዘጋጠመ ውግእ ሓድሕድን ጃምላዊ ምፍሳስ ደምን ብምድሓን ተባሪኽና ኢና። እዚ ሰላም እዚ ብኣጋጣሚ ኣይኰነን፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ በቶም ተራ ዛምብያውያን ካብ ግጭት ምይይጥ ብዝመርጹ እዩ ተሓኒጹ። ሰላም ሕጂ እውን እንተ ዀነ ክጠፍእ ዝኽእል ተኣፋፊ ኢዩ" እንክብሉ ጳጳሳት ዛምቢያ ብምኽንያት ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣጠንቂቖም፡ "ሰላም ግጭት ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ ፍረ ፍትሕን ሓባራዊ ምክብባርን ሓድነትን ዜጋታት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ዓመጻ ንኽብረት ሰብኣዊ ሰብ የዳኽሞ ንሓባራዊ ረብሓ ይጎድእ ነቲ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ዝምርኰሰሉ ምትእምማን ድማ የዳኽሞ - ቢሎም - ካብ ዓመጻ ናጻ ዝዀነ ወፈራታትን ምርጫታትን ክግበር ብግልጺ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ኣብ ጉዳይ ዓመጻ ግልጺ ክንከውን ንደሊ፣ ምኽንያቱ ዘይንጹር ምዃን ህይወት ከጥፍእ ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ምርጫ ዝረኸቦ ዓወት ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ቅሬታ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ መጥቃዕቲ ምፍርራህ ወይ ምፍሳስ ደም መመኽነይታ ክህብ ኣይክእልን ኢዩ። ዓመጻ ሕነ ምፍዳይ ኣማራጺ ክኸውን የብሉን። ኣብ ርሱን ህሞት ዝፍጸም ይኹን ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ፖለቲካዊ ዓመጽ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ብዝኾነ ሰብ፡ ብዝኾነ ወገን ክጽወር የብሉን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ነድሪ ዝፈጥር ጽሑፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት
እቶም ጳጳሳት ነቶም ቀጥዒ ኣልቦ ክትዕን ጽልእን ንምልዕዓልን ጥራይ ዘነቓቕሕ ዛንታታት ዝዝርግሑ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ፖለቲከይናታትን ድማ እናሓሰቡ፡ "እዚ ጻውዒት እዚ ካብቶም እምኒ ዚድርብዩ ወይ ዚወቕዑ ንላዕሊ እዩ ዝኸይድ። ነቶም ካብ ርሑቕ ዓመጽ ዜለዓዕሉ ገንዘብ ዚህቡ ወይ መመኽነይታ ዚሓትቱ እውን ንምሕጸን . . . ዝዀነ ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽልኢ ንምዝርጋሕ ናይ ሓሶት ክስታት ወይ ከኣ ኣብ ክንዲ ሓበሬታ ዓመጽ ንኼነቓቕሕ ዝኣመተ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽትታት ዘቕርቡ ከይኮኑ ጽውዒት ነቕርብ። ስቕ ምባል ወይ ስዉር ስምረት ኣብ ቅድሚ ናይ ደገፍትኻ ዓመጻ ንባዕሉ ሓደ ዓይነት ደገፍ ዓመጻ እዩ። ነፍሲ ወከፍ መራሒ ናይ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳ ብቓላት ጥራይ ቅድሚ ምንጻጉ ንኣባላቱ ብንጹር ብተግባር ከረጋግጸሎም ንጽውዕ"። ንመንእሰያት ዛምብያ ናብ መሳርሒ ዓመጻ ከይቅየሩ ተማሕጺኖም፡ ጐይታይ መሳርሒ ሰላምካ ግበረኒ" ብዝብል ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጸሎት ጉስነታዊ መልእኽቶም ይዛዝሙ።
መንግስቲ ንናይ ጳጳሳት መልእኽቲ ብሓጎስ ይቕበሎ
ናይ ረፓብሊካዊት ዛምቢያ ርእሰ ብሔር ሃካይንደ ሂቺለማ ዕለት 16 ሓምለ ንጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዛምብያ ብዘመሓላለፍዎ ጉስነታዊ መልእኽቶም ብፍላይ ፖለቲካዊ ዓመጽ፣ ምፍርራሕን ጽልእን ብዘይጥርጥር ምንጻግን ምኹናንን ይግባእ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብሓጎስ ከም እተቐበሎን፡ ናይ ርእሰ ብሔር ዛምቢያ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ክላይሰን ሃማሳካ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ናይ ጳጳሳት ጉስነታዊ መልእኽቲ ምስቲ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሰላማዊ፣ ናጻ፣ ፍትሓውን ዜተኣማምንን ምርጫ ንኺግበር ንነዊሕ እዋን ዘቕረቦ ጻውዒት ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ ምዃኑ እንክሕብር፡ "ርእሰ ብሔር ዛምብያ ናብቲ ጸልማት መዓልትታት ፖለቲካዊ ዓመጽን ካድርነትን ፍርህን ክትምለስ ከም ዘይብላ ዝሰማምዕሉ ጉዳይ እዩ። መንግስቲ ሰላም ንምዕቃብን ነፍሲ ወከፍ ብቑዕ ዛምብያዊ ብዘይ ምፍርራህ ወፈራ ንኽገብርን ክመርጽን ናጻ ምዃኑ ንምርግጋጽን ጽኑዕ ቈራጽነት ይገብር። እቲ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ምርጫ ብናጻን ፍትሓውን ግልጽን ብዘተኣማምንን መገዲ ክካየድ ምዃኑ ርግጸይና ኢዩ - ቢሉ - ስለዚ ርእሰ ብሔር ንዅሎም ፖለቲካዊ ውድባት ሕጹያትን ደገፍቶምን ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ክነጽግዎ ግዝኣተ ሕጊ ክድግፉ ከምኡውን ኣብ ብምሉኡ እቲ ምርጫ ንሓድሕዶም ክከባበሩን ጻውዒት የቕርቡ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።