መራሕቲ ዓለምን፡ ተሸላሚቲ ኖቤልን፡ ክኢላታት AIን ኣብ ቦርጎ ላውዳቶ ሲ ተጋቢኦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 14 ክሳዕ ዕለት 16 ሓምለ ኣብ ቦርጎ ላውዳቶ ሲ፣ ማለት ኣብ ጳጳሳዊ ስፍራ ኣታኽልቲ ካስቴል ጋንዶልፎ፣ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰበ ስልጣንን ተወከልቲ ምርኡያት ኣህጉራውያን ተቕዋማት ምርምርን፣ ኣብ ዓውዲ ሰላምን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ተጋቢኦም ክዝትዩ፣ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ተሸላምቲ ኖቤል ብምጽዋዕ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ኑክሌራዊ ውግእን ሰነድ ከዳልዉ ኢዮም።
እቲ ኣኼባ በታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘዳለውዋ ሓድስ ዓዋዲት መልእኽቲ ግሩም ሰብኣውነት ተደሪኹ ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ንደቂ ሰብ ንምዕቃብ እተወፈየን፣ ኣህጉራዊ ግጭታትን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእን፣ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን ኣማእኪሉ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ድማ ሓደ ኽፋል ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ "ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘጥፍእን ሰላም" ብዝብል ንዘቕረብዎ ራእይ ንምትግባር እዩ።
እቲ ኣኼባታት ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን ኣውቶማቲክ ኣጽዋርን፣ ሓደስቲ ዲጂታላዊ ምዕባሌታትን ከምኡውን ሓድሽ ሞዴላት ዲጂታላዊ መሳርሒታትን ንምድላው ናይ ሮማ ኣዋጅ ብምቕራብ ክዛዘም ኢዩ።
እቲ ኣኼባ ብዕለት 16 ሓምለ ኣብቲ ኣብ ካፒቶሊን ሂል ዝርከብ ኣደራሽ ከተማ ሮማ ብዝግበር ጽምብል ድማ ኢዩ ክዛዘም።
ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል፣ 30 ተሸላምቲ ኖበልን፡ ነበር መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን፣ ኣስታት 20 ዝኾኑ ምርኡያት ክኢላታትን መሃዝትን፣ እንተላይ ምስ ተወከልቲ ናይ 30 ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ውሩያት መናብርተ ጥበባትን ተቓማት ሥነ ምርምርን ሓቢሮም ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ቐንዲ ብድሆታት "ጉባኤ" የካይዱ ኣለዉ።
ብፍላይ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ድሕንነት፣ ምምሕዳራዊ ሓድሽ ተክኖሎጂ፣ ኣጽዋር ምርጋፍን ናብ ሰላም ዘተኰረ ቝጠባን ምምዕባል ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ክመያየጡ ትጽቢት ይግበረሎም።
ኣብ ማእከል እቲ ምይይጥ ሓድሽ ምህዞን ሓላፍነትን ስነ-ምግባርን ዘጣመረ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ንድፊ ምንዳይ ዝዓለመ ድማ ክኸውን ኢዩ።
እዚ ተበግሶ እዚ ብማሕበር ተሸለምቲ ኖቤል ንምክልኻል ኑክሌራዊ ኲናት፣ ተበግሶ ደቂ ኣንስትዮ ኖቤል፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ሓካይም ንምክልኻል ኑክልየሳዊ ኲናትን (IPPNW)፣ ናይ ፑግዋሽ ኮንፈረንስ ስነ-ፍልጠትን ዓለምለኻዊ ጕዳያትን፣ ማእከል ዩኑስ፣ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣመሪካን፣ መንበረ ጥበብ ቺካጎ፣ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሃርቫርድ፣ ሆስፒታል ደቂ ኣንስትዮ ብሪገምን፣ መንበረ ጥበበ ኖተር ዳም፣ ዝወደብዎ ኮይኑ ዓለምለኻዊ ዶሙስ ኮሙኒስ ፋውንዴሽን ከም ዋና ጸሓፊ ዀይኑ ዘገልግሎ ዝለኦ ተበግሶ ኢዩ።
ካብ መንበረ ጥበብ ሃርቫርድ፡ መንበረ ጥበብ ስታንፎርድ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ፡ መንበረ ጥበብ ፕሪንስተን፡ መንበረ ጥበብ ካሊፎርንያ በርክሊ ሚድልበሪ ተቕዋም ኣህጉራዊ መጽናዕትታት ኣብ ሞንቴሬይ፣ መንበረ ጥበብ ኦክስፎርድ፡ መንበረ ጥበብ ማንቸስተር ኮሌጅ ደ ፈረንሳ፡ መንበረ ጥበብ ፓሪስ 1 ፓንተዮን-ሶርቦን፡ መንበረ ጥበብ ሲንግዋ፡ መንበረ ጥበብ ኲንስ፡ መንበረ ጥበብ ሳይመን ፍሬዘር፡ ሃገራዊ መንበረ ጥበብ ኣውስትራልያ፡ መንበረ ጥበብ ኣንትወርፕ፡ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ፓትሪክ፡ መንበረ ጥበብ ሮማ "ቶር ቬርጋታ" ተቕዋም ባልሴሮ፡ መንበረ ጥበብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ከምኡውን መንበረ ጥበብ ተሌማቲካ ኢንተርናዚዮናሌ ዩኒኔቱኖ።
ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን ሓደስቲ ዲጂታላዊ ስርሓትን ከምኡውን ሓድሽ ሞዴላት ዲጂታላዊ ምዕባለን ኣብ መደምደምታ እቲ ኣኼባ ናይ ሮማ ኣዋጅ “ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ሰልም” ዘርእስቱ ሰነድ ክቐርብ ኢዩ።
ዕላማ እቲ ኣዋጅ ኣብ ምትሕብባር ሰብኣዊ ክብሪ፣ ኣብ እተሓላለኸ ሰብኣዊ ምዕባለ፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ንሰላም እተመስረተ ኣህጉራዊ ድሕንነት ንምድንፋዕ መሰረታዊ ስርዓታትን መምርሒታትን ንምቛም ክኸውን እዩ።