ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ቬነዙዌላ ካብ ሸለልትነትን ብልሽውናን ነጻ ዝኾነ ዳግመ-ሕንጸት ክግበር ጸዊዖም
ዜና ቫቲካን
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊን ማእከላይን ቬነዙዌላ ክልተ ተኸታተልቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ዝዝከር ኰይኑ፡ ጳጳሳት እታ ሃገር "ሕያዎት ሳምራውያን፡ ምስክር ተስፋ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ሕይወት ኣሽሓት ሰባት ከም ዘሕለቐ ዝፍለጥ ኰይኑ—ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 5,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ገና ኣይተረኽቡን። ብተወሳኺ ንኣሽሓት ስድራቤታት ፋሕ ዘበለ ክኸውን ከሎ፡ ኣባይቲን፡ መሰረተ-ልምዓትን፡ ሕንጻታት ቤተ-ክርስትያንን ኣዕንዩ ኣሎ። እዚ ድማ ነታ ሃገር "ብሓዘን ዝተመልአት" ገይርዋ ከምዘሎ ብፁዓን ጳጳሳት ገሊጾም።
እቲ ሓደጋ ነቲ ድሮ ተሓላሊኹ ዝነበረ ማሕበራዊን፡ ፖለቲካዊን፡ ቁጠባዊን ኩነታት ቬነዙዌላ ብዝለዓለ ከም ዘጋደዶ ጳጳሳት ይገልጹ። ዳግመ-ሕንጻ እታ ሃገር፡ ሕይወት ሰባት እንደገና ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ ፖለቲካዊ ረብሓታት ወይ ብልሽውና ክምራሕ ከምዘይብሉ ድማ ኣስሚሮምሉ።
ብተወሳኺ፡ ህዝባዊ ትካላት ነቲ ህጹጽ ሓደጋ ብቑዕ ግብረ-መልሲ ኣብ ምሃብ ዘርኣይዎ ድኽመት ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም።
"እቲ ዳግመ-ሕንጻ ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት ሓገዝ ሕዝባዊ ትካላት ዝተሰምዐ ቁጠዐ ግዳያት ምንቅጥቃጥ መሬት ክነቃልሓሉ ይሓተና እዩ" ክብሉ ጽሒፎም። "ባህርያዊ ሓደጋታት ብዘይተጸበኻዮም እዮም ዝመጹ፡ ግዴታ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን ንዓታቶም ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት ምዃን እዩ" ኢሎም።
እቶም ጳጳሳት ካብዚ ተማሂርና እንተዘይተመሓይሽና፡ "እቶም ዝተጐድኡ ዜጋታት እንደገና ግዳይ ብልሽውናን፡ ዕሽሽ ምባልን ክኾኑ እዮም" ክብሉ የጠንቅቁ።
ዳግመ-ሕንጻ ሕይወት
እቲ መልእኽቲ፡ ነቶም ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ግቡእ መንበሪ ኣባይቲን፡ ክቡር ናይ ስራሕ ዕድላትን ዘረጋግጽ "ቅልጡፍን ሰፊሕን ዳግመ-ሕንጻ" ክግበር ይጽውዕ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ፡ ነቲ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ዝሰዓበ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰምቲ ንምሕካም፡ መንፈሳዊን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊን ደገፍ ክወሃብ ይምሕጸን።
እቲ ዳግመ-ሕንጻ ነቶም ኣብ መላእ ሃገር ዝሳቀዩ ዘለዉ ካልኦት ዜጋታት—ንኣብነት ፖለቲካውያን እሱራትን፡ ትሑት እቶት ዘለዎም ሰራሕተኛታትን፤ ጡረተኛታትን፡ ሕሙማትን፡ ስደተኛታትን—ሸለል ክብል ከምዘይብሉ እቶም ጳጳሳት ወሲኾም ገሊጾም።
ኣምላኽ ምስቶም ግዳያት እዩ
ቀጺሎም ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ናይቲ "ሕያዋይ ሳምራዊ" ምስላ ብምስትንታን፡ ኣብ ግዜ ሓደጋ ወትሩ ንዝለዓል "ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ስቓይ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?" ዝብል ሕቶ መብርሂ ሂቦምሉ።
ኣምላኽ "ኣብ ውሽጢ እቶም ግዳያትን ምስኣቶምን" ከምዘሎ መሊሶም። ነቶም ግዳያት ድማ እቲ ናይ ሓቂ ሕያዋይ ሳምራዊ ንዝኾነ ክርስቶስ ኣዝዮም ፍቁራት ምዃኖም ገሊጾም። ብተወሳኺ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት "ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መቕጻዕቲ እዩ" ንዝብል ወረታት፡ ማሪታውን፡ ኣኽራርን ኣተሓሳስባ እዩ ብምባል ብጽንዓት ነጺጎምዎ።
ምስክርነት ሕውነት
ከምኡ እውን፡ እቶም ኣመንቲ "ርሕሩሓት ሕያዎት ሳምራውያን" ብምዃን፡ ኣብ ስቓይ ካልኦት ክካፈሉን፡ ንቃንዛኦም ንምፍኳስ ብወለንታ ክሰርሑን ተማሕጺኖም።
ኣብ መላእ ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ድኻታት ማሕበረሰባት ዝተራእየ ሓድነት ኣመስጊኖም። ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ካብ ትሕቲ ፍርስራስ ሰባት ንዘድሓኑ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ድማ ንጅግንነቶም ናእዳኦም ገሊጾም።
እቲ መልእኽቲ ንኹሎም ወለንተኛታት—ምስቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ሓዊሱ—ምስጋና የቕርብ። እዚ ድማ ኩሉ ወዲ ሰብ ካብ ዶባትን፡ ሃገራዊ ባንዴራታትን ወጻኢ ኣሕዋት ምዃኑ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም።
እቶም ጳጳሳት፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በቲ ዘርኣይዎ ቅርበት፡ ከምኡ’ውን ንኣሓት ኣብያተ-ክርስትያን ዓለምን፡ ብመንገዲ ሃገራዊን፡ ኣህጉራዊን "ገበርቲ ሠናይ" ንዝቐረበ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣመስጊኖም።
ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ኣመንቲ በዚ ሎሚ ዕለት 24 ሓምለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቁምስናን፡ ማሕበረሰብን ኣብ ዝካየድ ቅዳሴታት ክሳተፉ፡ ነቶም ኣብቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ሕይወቶም ዝሰኣኑን፡ ነቶም ብሓደጋ ዝተሃስዩን፡ ንሃገረ ቬነዙዌላን ክጽልዩ ጸዊዖም።