ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ የተባብዑ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ የተባብዑ 

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ የተባብዑ

ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት (USCCB) ዝተፈጥረ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበር ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንኣሜሪካውያን ካቶሊካውያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተጸንቢሮም ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ክድግፉ ዕድል ዝህብ እዩ።

ዜና ቫቲካን

ብመንገዲ መዋሊ ማሕበር ምትሕብባር ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣቢሎም ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ክድግፉ ዕድል ይቐርብ፡ እዚ ማሕበር እዚ ቅድሚ ዳርጋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ (USCCB) ዝቖመ ኮይኑ፡ ኣብታ እምነት ብቕልጡፍ ትዓቢ ዘላ ኣህጉር፡ ግን ከኣ ቤተ ክርስቲያን ንጉስነታዊ ድሌታታ ንምድጋፍ ድሩት ዓቕሚ ዘለዋን ከቢድ ጸገማት ኣብ ዘጋጥማን ኣህጉር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድጋፍ እዩ።

ድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 13 - ዕለት 23 ሚያዝያ 2026 ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣቡናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ ብምድጋፍ፡ ኣብ 2025 ብድምር ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝግመት 97 ናይ ሓገዝ መደባት ብምክያድ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ጻውዒት ምሕባር ኣብ ምክንኻን እታ ኣህጉር ይዋስኡ ኣለዉ።

ኣብ  ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ (USCCB) ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝከታተል ንኡስ ሽማግለ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቶማስ ዚንኩላ “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝህብዎ ህያባት ንሰላም መሰረት ዝሃንጹ ውጥናት ከምኡ’ውን ናብ ስብከት ወንጌል፣ ጸዋዕታን፣ ምምሕዳር ከባቢ፣ ንሕንጸት መሪሕነትን ንካልእ ውጅህታት እምነትናን ዝቐንዑ ውጥናትን ውሕስነት ይህብ -ቢሎም - ጸሎተይ እቶም ህያባት ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ዕርቅን ዝገብርዎ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ክብ ክብል መታን እዩ። ጽልዋ ህያባት ርእየ እየ፡ ዝኾነ ኣበርክቶ ብጥበብን ብጽቡቕን ከም ዝጥቀመሉ ክምስክር እኽእል እየ። ብዙሓት ሰበኻታትን ኣብዚ ሓጋይ ኣብ ቁምስናታትን ንሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ከወፍዩ ዘኽእሎም ንባዕሉ ዝኸኣለ ኣብ www.igivecatholic.org/story/USCCB-CA" \t "_blank" ቀጥታ መስኮት ከፊቱ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንትሕግጋዝ ከም ዝጸውዑና ብምዝኽኻር፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ዘቖሞ ማሕበር ደገፍ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ነዚ ጻውዒት እዚ መልሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጸገማት ዘጋጥሞም ህዝብታት ብጭቡጥ ይድግፍ

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ሓገዝ ማሕበር ንኣፍሪቃ ኣብታ ብዙሓት ቈልዑ ውግእን ግብረ-ሽበራን ንቡር ክፋል ህይወት ከም ዝዀነ ብምእማን ዝዓበዩላ ማሊ ካብ መላእ እታ ሃገር ንዝመጹ ልዕሊ 200 መንእሰያት ዝኸውን ጽዑቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደምበ ደገፈ፣ ኣብኡ ድማ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ወንጌልን ትምህርትታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ናይ ሓባር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ክመሃሩ ገይሩ እዩ።

ኣብታ ብኲናት ዝመጽእ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም ኣብ ዘጋጥማ ሱዳን ዝተዋህበ ሓገዝ፡ ኣብ ኣኽራናት ኑባን ዞባ ኣብየይን ንዝርከቡ 223 ዓለማውያን መምሃራትን ትምህርተ ክርስቶስ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ መደብ ሕንጸት ስብከተ ወንጌል፡ ጉስነት፡ ብዛዕባ ምስንዳው ኣብ ቕዱሳት ምስጢራትን ናይ መጓዓዝያ፡ መግቢ፡ መንበሪ፡ ሓገዝ ብምቕራብ መደብ ስልጠና ክወሃብ ገይሩ እዩ።

USCCB ሕጂ ንኣዝዮም ውሑዳት ካህናት ኣብ ዘገልግሉለን ዞባታት ብሰንኪ ዓመጽ ዝተመዛበሉ ኣሽሓት ሰባት ዘጠቓለለ ህዝቢ ንምግልጋል ዝሓሸ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዘለዎም ድማ ይሕብሩ።

ምንጪ ምትሕግጋዝን ጓሳዊ ህላወን

ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ውግኣትን ግጭትን ነቶም ተቓላዕቲ ዝሃድኑ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ዝሰሓበሉ እዋን፡ ካልእ ድጋፍ ኣብ መላእ ዞባ ንዝርከቡ መራሕቲ ቤተክርስትያን ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንቕሓት ንምዕባይ፡ ስልታዊ ምክልኻል ንምሕንጻጽን ግዳያት ንምሕጋዝ ኣገልገልቲ ጓሶት ንምስልጣንን ዝኸውን ዓውደ መጽናዕትታት ከም ዝደገፈን፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ጨንፈር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓገዝ ማሕበር ዝተዋህበ ደገፍ፡ ጳጳሳታ ሰፋሕቲ ዓመጽን ድኽነትን እናሃለወ ሃገረ ስብከታተን ርእሰ-ምድጋፍ ዕላማ ዘቐመጣ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ኩለን 15 ሃገረ ስብከታትን ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳትን ንዝመጹ ሰራሕተይናታት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንምምሕዳርን ንምድጋፍን ዘላቒ መደባት ንኸዳልዉ ስልጠና ክወሃብ ገይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብታ ድኹም ጽርግያታት ንብዙሓት ማሕበረሰባት ተነጺሎም ንኽነብሩ ዝግደዱላ ሪፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ማርያም፡ “ወለንተይናታት ወንጌል” ከሰልጥናን መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎተ ቅዳሴን ንምዕዳል ዝተፈላለየ ናይ መንቀሳቐሲ ሓገዝ ብምቕራብ ከም ዝደገፋን እዚ ናይ መጓዓዝያ ደገፍ እዚ ንኣሽሓት ንኣባይቲ ስድራ ቤት ክበጽሓ ብምኽኣለን፡ ኣገልግሎተን ኣዝዩ ከምዘዕበያ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይሕብሩ።

30 Jul 2026, 17:17