ድለ

ዋሺንግቶን ዲሲ ዋሺንግቶን ዲሲ 

ጳጳሳት ሕ. መ. ኣመሪካ ኣብ ኣተገባብራ ሕጊ ስደተኛታት ዝርአ ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ክብል ጸዊዖም

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኣተገባብራ ሕጊ ስደተኛታት ተተሓሒዙ ብዘጋጠሙን፡ ሕይወት ሰብ ብዘጥፍኡን ፍጻሜታት ምኽንያት፡ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዕ አቡነ ዳንኤል ኢ. ጋርስያን፡ ብፁዕ አቡነ ብሬንዳን ጄ. ካሂልን ሓደ መንፈሳዊ ጕስነታዊ ኣስተንትኖ ዝሓዘ መልእኽቲ ኣውጺኦም። እዚ ጽሑፎም፡ ኣተገባብራ ሕጊ ስደተኛታት ወትሩ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሰብኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ከኽብር ከምዘለዎ ዝጽውዕን፡ ንስደተኛታት ከም ትሑታት ፍጡራት ምርኣይ ዝነጽግን እዩ።

ዜና ቫቲካን

"ከም ካቶሊካውያን መጠን፡ ኵሎም ደቂ ሰባት ብኣምሳልን ኣርኣያን ኣምላኽ ከም ዝተፈጥሩ ንኣምን። ስለዚ ድማ ሕይወት ወዲ ሰብ ብዘይባህርያዊ መንገዲ ዝጠፍኣሉ ኩነታት ኵሉ የሕዝነና እዩ።"

ብፁዕ አቡነ ዳንኤል ኢ. ጋርስያ፡ ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቦ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ምድንፋዕ ዓሌታዊ ፍትሕን ዕርቅን፡  ከምኡ’ውን፡ ብፁዕ አቡነ ብሬንዳን ጄ. ካሂል፡ ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ስደተኛታትን፡ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ኣተገባብራ ሕጊ ስደተኛታት ተተሓሒዙ፡ ሕይወት ሰባት ብምጥፋኡ ዘውጽእዎ መንፈሳዊ ጕስነታዊ ኣስተንትኖ፡ በዞም ቃላት ጀሚሩ ይርከብ።

ኣብቲ ብዕለት 20 ሓምለ 2026 ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሓተመ ኣስተንትኖ፡ በቲ ዝጠፍአ ሕይወት ዝተሰምዖም ዓሚቝ ሓዘን ገሊጾም ኣለዉ። እቶም ጳጳሳት፡ እቲ ብሲቪላውያን ሰበ-ስልጣን ዝካየድ ናይ ሕጊ ምኽባር ኣገዳሲ ስራሕ ከምዘሎዎ ቅቡል ኮይኑ፡ ኣተገባብራ ሕጊ ግን ንሰብኣዊ ክብርን፡ ንሰብኣዊ ሕይወትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክኸውን ከም ዘይብሉ ኣስሚሮምሉ።

‘ስልጣን መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ደረት ስነ-ምግባራዊ ሕጊ ክትግበር ኣለዎ’

እቶም ጳጳሳት ቀጺሎም፡ "እቶም ስቪላውያን ሰበ-ስልጣን ሕጊ ብሰብኣዊ መንገዲ፡ ከምኡ’ውን ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማለት ንመሰል ሕይወትን፡ ፍትሓዊ መስርሕ ፍርድን ሓዊሱ ብዘኽብር ኣገባብ ናይ ምስራሕ ሕጋዊ ግዴታ ከምዘለዎም ነረጋግጽ" ክብሉ ገሊጾም።

ብፁዕ አቡነ ጋርስያን፡ ብፁዕ አቡነ ካሂልን ወሲኾም፡ "ስልጣን መንግስቲ ወትሩ ኣብ ውሽጢ ደረት ስነ-ምግባራዊ ሕጊ ክትግበር ኣለዎ" ብምባል ኣስሚሮምሉ። "ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ተሓታትነትን፡ ግሉጽነትን፡ ፍትሕን፡ ክሰፍን ንጽውዕ። እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ስደተኛታት ዝርኢ ስርዓትና ትርጉም ዘለዎ ምምሕያሽ ክግበር ዝሓትት እዩ" ኢሎም።

ብዛዕባ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዘሎ ስክፍታ

ዝሓለፈ  ወርሒ ሕዳር፡  ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተዛረብዎ ቃላት ብምዝካር፡ "ኣብ መንጎ ሕዝብና ብዛዕባ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምርኣይን፡ ኣተገባብራ ሕጊ ስደተኛታትን፡ ዝተኣሳሰር ናይ ፍርህን፡ ጭንቀትን ሃዋህው ክነግስ ከሎ የተሓሳስበና እዩ" ክብሉ ደጊሞም ገሊጾም።

ዓሌታዊ ኣድልዎ፡ "ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሰብኣዊ ክብሪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፍርሒ ብምዝራእ፡ እምነት ብምጉዳል፡ ከምኡ’ውን ንዘይፍትሓውን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ንዜሕዝን ሳዕቤናትን ዘሎ ዕድል ብምስፋሕ፡ ኣብ ውልቀሰባትን፡ ስድራቤታትን፡ ማሕበረሰባትን ዓቢ ጉድኣት የውርድ" ኢሎም። እቶም ጳጳሳት፡ እቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ስክፍታ፡ ካብቲ ሲቪላዊ ሕጊ ባዕሉ ዝፈቅዶ ነገራት ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ኣፍልጦ ሂቦምሉ።

ሰብኣዊ ክብሪ ምጉዳል ወይ ዕሽሽ ምባል ከም ንቡር ክውሰድ የብሉን

ብፁዕ አቡነ ጋርስያን፡ ብፁዕ አቡነ ካሂልን፡ "ሰብኣዊ ክብሪ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ጉጅለ ሰባት ዘቃልል ወይ ዕሽሽ ዝብል ተግባራት፡ ኣብ ሕብረተሰብና ከም ንቡር ክውሰድ የብሉን" ክብሉ ኣስሚሮምሉ።

"ሕጋዊ ኩነታቶም ብዘየገድስ ንስደተኛታት ከም ትሑታት ፍጡራት ምርኣይ" ከምኡ’ውን "ንኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ብኽፉእ ምጽላም" እቶም ከም ንቡር ክውሰዱ ዘይብሎም ክልተ ኣብነታት ኣተሓሳስባታት ምዃኖም ጠቒሶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ምእንቲ እተን ዝሞታ ነፍሳትን፡ ንስድራቤታቶምን፡ ንሃገርን፡ ከምኡ’ውን ምእንቲ እቶም ሕዝባዊ ኣገልግሎት ዝተዋህቦም ኩሎምን ጸልዮም። ብተወሳኺ ድማ "ሰብኣዊ ክብሪ ዘቃልል ዘረባታትን፡ ዓሌታዊ ኣድልዎን፡ ዓመጽን ከብቅዕ፡ ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ከም ውሉድ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ክብሪ ንምልላይ ዳግማይ ቃል ክኣትዉ" ጸልዮም።

"ኣብ ግዜ ሓዘንን፡ ጸገምን፡ ዘይምርግጋእን ናይ ፍጹም እምነት ኣርኣያ ናይ ዝኾነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ኣማላድነታ ንልምን" ብምባል ዛዚሞም።

22 Jul 2026, 10:54