ናይጀርያ፡ ጳጳስ ባዴጆ ኣብ ኦዮ ንዝተጨውዩ ተማሃሮን መምህራንን ድሕሪ ናጻ ምልቓቖም ዝሃብዎ መግለጺ
ዜና ቫቲካን
ማዕከናት ዜና ናይጀርያ፡ እቶም ዝደሓኑ 39 ተማሃሮን ሓሙሽተ መምህራንን ኣብ ዞባ ኦዮ ኣብ ዝርከብ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ኦሪየር ዝተጨውዩ ከም ዝነበሩን፡ ን56 መዓልታት ኣብ ኢድ ጨወይቶም ከም ዝጸንሑን ዝሓበሩ ጳጳስ ባዴጆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ነዚ ዝፈጸመ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ የመስግኖ። ንርእሰ ብሔር ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ፡ ኣመሓዳሪ ክልል ኦዮ፡ (ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኦዮ) ኢንጂነር ሰይ ማኪንደ፡ ንኹሎም ናይ ጸጥታ ትካላትን ሰራሕተይናታት ደሕንነትን፡ ንመራኸቢ ብዙሓንን ንኹሎም ነዚ ዘሐጉስ ዕላማ ዝጸዓሩን ዝጸለዩ፡ ጸቕጢ ዝገበሩን ጾምን ጸሎትን ዝገበሩ ሰባት አመስግን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ
ሰራዊት ናይጀርያ፡ ኣብቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ሓያሎ ወተሃደራት ከምዝሞቱ ከም ዝሓበረን በዚ ምኽንያት ድማ ጳጳስ ባደጆ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ንስድራቤት እቶም በቲ ስርሒት ዝሞቱ ጽንዓት ይሃብ እንክብሉ ጸሎትምን ቅርበቶምን እውን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ንስድራቤት እቶም ኣብ ምድሓን ተልእኾ ተዋፊሮም ህይወቶም ዝሰኣኑ ጽንዓት ይሃብ። እዚ ጽዩፍ ተግባር እዚ ንኹላትና መንግስትን ዜጋታትን ዝያዳ ክንተሓባበርን ህይወትናን ንብረትናን ብሓባር ንምውሓስ ዝከኣለና ክንገብርን ከም መበራበሪ ከገልግልን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽዩፍ ክፋላት ኣብ ሃገርና ናይጀርያ ከብቅዕ ንምነይ - ቢሎም - ክሳብ ዕለት 12 ሓምለ፡ ወለድን ኣዝማድን ናይቶም ኣብ ግዝኣት ኦዮ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ከባቢ ኦሪየር ዝደሓኑ ህጻናት ተማሃሮ ፡ ምኽንያት ዝተሰመዖም ሓጎስን እፎይታን ንጋዜጣ ፓንች ናይጀርያ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ወለዲ ምስ ደቆም ንኽራኸቡ ድማ ብሃንቀው ይጽበዩ ኣለዉ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ደገፍ
ሰብመዚ ናይጀርያ ነቶም ዝደሓኑ ግዳያት ሕክምናዊ ገምጋማት ብምክያድ፣ ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍን ክረኽቡ ከም ዝገበረን፡ ኣብ ጋዜጣ ፓንች ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ነቲ ምስ ጀማዓቱ ኣንሳሩል ሙስሊሚና ፊ - ቢላዲስ ሱዳን ዝተኣሳሰረ ግብረሽበራዊ ጉጅለ፡ ብተለምዶ ኣንሳሩ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ፡ ንጃምላዊ ጭውያ መምህራንን ተማሃሮን ተሓታቲ ምዃኑ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ጳጳስ ባደጆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ነቶም ብዘሕዝን ተመክሮታት ዝሓለፉ ተጨውዮም ዝነበሩ እኹል ተሃድሶ ንኽወሃቦም ኩሉ ክግበር እጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።