ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሶርያ ኣብ ኣውራጃ ኢድሊብ ዝርከባ ክርስትያን ዓድታት በጺሖም
ዜና ቫቲካን
ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሃገረ ሶርያ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊጂ ሮቤርቶ ኮና፣ ካብ ዕለት 26 ክሳዕ ዕለት 28 ሰነ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዝርከባ ክርስትያን ዓድታት ያኩቢን ክናየን ጋሳኒያን በጺሖም።
እዞም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ ነቶም ነቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ውግእን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝን፡ ከምኡ ውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ነቲ ዘጋጠሞም ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘሕለፉ ማሕበረሰብ እዚ ከባቢ ኣብ ዝበጽሑሉ ጽቡቕ ኣቀባብላ ተገብረሎም።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮና ኣብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ፍርህን ተስፋን ነበርቲ እቲ ኸባቢ ሰሚዖም፣ ምእመናን ኣብ ኣምላኽ ክውከሉ ድማ ኣተባቢዖም።
እተን ኣብ ሕርሻዊ ከባቢታትን ኵድዅዶታት ኣውራጃ ኢድሊብ ዝርከባ ዓድታት፣ ኣብ ገለ እዋን ዕርዲ እስላማዊ መንግስቲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረት ዓድታት፣ መንበሪ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሶርያ ጥንታዊ ዝኾነ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ እየን።
እዚ ምብጻሕ እዚ ክኸውን ዝተኻእለ፣ ብህላወ እቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዘጋጠመ ጸገማት፣ እምነት ብምዕቃብን ተስፋ ብምምዕባልን ንኣብያተ-ክርስትያን ናይቲ ኸባቢ ንምግልጋል ዝቕጽሉ ዘለዉ ፍራንሲስካውያን መነኮሳት እዩ።
እዞም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ብፍራንቸስካውያን ዝዅስኰስ ዘሎ ናይ ማሕበረሰብ መሳለጥያታት፣ እንተላይ ትምህርታውን ናይ ክንክን ጥዕናን ተበግሶታት በሲሖም፣ ካብቶም በቲ ግጭትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ህይወቶም ብከቤድ እተጐድአ ተቐማጦ እቲ ከባቢ ዘካፈልዎ ምስክርነት እውን ሰምዑ።
ካብ መንጎ እቶም ተመክሮኦም ዘካፍሉ፣ ብሰንኪ ዓመጻ ኣባይቶምን መነባብሮኦምን ዝሰኣኑ ሰባት ይርከብዎም።
ታሪኾም ነቲ እዞም ማሕበረሰብ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይን፣ ኣብ መሬት ኣቦሓጎታቶም ሱር ንምስዳድ ዝገበርዎ ቘራጽነትን ድማ ዘንጸባርቕ ኢዩ ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮና ንመጻኢ እዘን ዓድታት ንምርግጋጽ፣ ስልጠናን ናይ ስራሕ ዕድላላትን ደገፍን ከም ዘድሊ ንዝተማሕጸኑ መንእሰያት ዘካፈልዎም ሻቕሎት እውን ሰሚዖም።
ሓደ ኻብቲ እተመያየጥናሉ ሓሳባት ድማ፣ ቱሪዝም ንምትብባዕን ንቝጠባ እቲ ኸባቢ ንምሕዳስን ታሪኻዋይን ህንጻታት ምሕዳስን እዩ ዝነበረ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮና ኣብ ርእሲ እቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ምስ ተቐማጦ እቲ ኸባቢ ምስ ብዙሓት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቦ፣ እንተላይ ምስ ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ዓብደል ቃድር ታሃን ኣህመድ ሃሲናት፣ ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጕዳያት፣ ምስ ኣባል ፓርላማ ሙስጠፋ ሙሳ፡ ዳይረክተር ኣውራጃ ኣል-ሹጉር ዓብደል ራዛቅ ኣሉሽ ከምኡውን ዳይረክተር ሆስፒታል ኣል-ራህማ ኣብ ዳርኩሽ ዝርከብ፣ ብተወሳኺ ውን ምስ ብዙሓት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ተራኺቦም ተዛተዩ።