ፍቕርን እንግዶትን፦ ንኣምላኽ ንኻልኦት ሰባትን ንምግልጋል ዝቐረበ ጻውዒት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብዕለት 18 ሰነ 1652 ኣብ ናንሲ ፈረንሳ ብኢማኑወል ቻውቨነል እተመስረተት ማሕበር ኣሓት ደናግል ግብረ ሰናይ ዘቅዱስ ቻርለስ ቦሮሜዮ (ትሪየር)፣ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ፍቕርን ኣገልግሎትን ተልእኾኣ ትፍጽም ኣላ። ሎሚ እዛ ማሕበር ኣብ ሃገረ ታንዛንያ ንመንፈሳውን፣ ሰብኣውን ድሌታት ህዝቢ ብምምላእ ኣብ ጕስነታውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ብንጥፈት ይሳተፋ ኣለዋ። ኣብ ማእከል ህይወት እታ እቲ ማሕበረን ድማ "ምስ ኣምላኽ ብነባሪ ፍቕሪ ሓድነት" ምምስራት ዝብል ዕለአ ኢዩ ዘልወን። እዚ ዕላማ እዚ ንኣሕዋትን ኣሓትን ንመንፈሳውን ኣካላውን ድሕንነት ኵሎም ሰባት ኬዕብያ ድማ ጸዋዕታ የቕርበለን።
ጉዕዞ ናብ ታንዛንያ
ኣሓት ግብረ ሰናይ ዘቅዱስ ቻርለስ ቦሮሜዮ ብ1985 ዓ.ም. ካብ ኔዘርላንድ ተበጊሰን ናብ ታንዛንያ በጽሓ። ኣብ ሚቲንኮ ኣብ ኣቡን ሲንጊዳ ናይ መጀመርታ ማሕበረን ድማ መስረታ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እዘን ኣሓት ኣብ እተፈላለየ ሓዋርያዊ ኣገልግሎታት እንተላይ ኣብ ትምህርትን ሥነ መዕበያን ጕስነት ነፍሳትን ብተኣማንነት ኣገልጊለን እየን።
ተልእኾአን እናሰፍሐ ምስ ከደ ድማ፣ እዘን ኣሓት ደናግል ኣብ መንጎ ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ካህናትን ምእመናን ስቕታን ዕረፍትን መንፈሳዊ ምሕዳስን ዝህብ ስፍራ ንምርካብ ዘለዎ ኣገዳስነት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ሃባሉ። እዚ ምስትውዓል እዚ ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ኣሩሻ ናይ ዕረፍቲ ቤት፣ ማእከል ሰሚናርን ሱባኤን ከምኡ ውን ዝተፈላለየ መደባት ዘኣንግድ ኣደራሽ ከም ዝምስርታ ገብረን።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ "ንበይንኹም ናብ ጽምው ቦታ ከተዕርፉ ንቍሩብ ግዜ ንዑናይ" (ማርቆ 6 31) ከም ዝበሎ። ማእከል ሱባኤ ቅዱስ ካሮሉስ፣ ሰባት ካብ ስራሕን ትሑዛት ዝኾኑሉ መደባት ርሒቖም፣ ብጸሎትን ብኣስተንትኖን ምስ ኣምላኽ ዝራኸቡሉ መቕደስ ኮይኑ ድማ ይርከብ ኣሎ።
ቅዱስ ካሮሉስ ናይ ሱባኤ ማእከል
እቲ ኣብ ከተማ ተንገሩ ኣሩሻ ዝርከብ ማእከል ቅዱስ ካሮሉስ፣ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ብወግዒ ተኸፍተ። ከምቲ ክብርቲ እናቴ ኣጋታ ዝገለጻኦ፣ እዚ ማእከል ምምስራቱ፦ "ነዚ ግዜና ዘድሊ ነገራት ንምምላእን፣ ንተልእኾ ናይቲ ማሕበረን ንምክፋልን፣ መንፈሳውን ኣካላውን ክንክን ማለት ንውልቀ-ሰባትን ንዘዕረፉ ጕጅለታትን፣ ዕረፍቲ ንዘድልዮምን ጸሎት ዚግበረሉ ቦታ ንምሃብ እዩ ተመስሪቱ።"
እዚ ማእከል እዚ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ታንዛንያ ማእከል ቱሪዝምን ኣህጉራዊ ንጥፈታትን ተባሂላ እትፍለጥ ከተማ ኣሩሻ ዝርከብ ኰይኑ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ኣጋይሽ ዝቕበል እዩ።
ምቕባል ኣጋይሽ ከም ኣገልግሎት
ምቕባል ኣጋይሽ ማእከል ተልእኾ ናይዘን ኣሓት ደናግል እዩ። ኣብቲ ማእከል ዜገልግላ ክብርቲ እናቴ ጁልያናን ክብርቲ እናቴ ሚካኤላን ንኣጋይሽ ምቕባል ንኣምላኽ ዜገልግላሉ ዓሚቝ መገዲ ኸም ዝዀነ ይምስክራ። "ብፍላይ ካብ ውሽጥን ወጻእን ታንዛንያ ዝመጹ ኣጋይሽ ምቕባልን ምግልጋልን፣ ዓብዪ ሓጐስ እዩ። ሓደ ጋሻ መጺኡ ኣብዚ ምሳና ጸኒሑ ብሓጐስን ብሰላምን ክኸይድ ከሎ ዓሚቝ ምጽንናዕ ይህበና እዩ። በዚ ኣገልግሎት እዚ ኣቢልና ካብ ኣጋይሽና ንመሃር፣ ንሳቶም እውን ካባና ይመሃሩ እዮም። ናብዚ ዚመጽእ ዘበለ ዅሉ ምስ ኣምላኽ ከም ዝራኸብ ንምርግጋጽ ንሕና ኣገልገልቲ ጥራይ ኢና" በላ።
ኣብ ርእሲ እቲ ኣገልግሎታት መሕደሪን መዕረፊን፣ እቲ ማእከል ንሰሚናራትን ኣኼባታትን ጉባኤታትን ጽንብላትን እንተላይ መርዓ ከምኡውን ናይ ክህነት ጽምብል ዝካየደሉ ዓብዪን ብዙሕን ዕላማ ዘለዎ ኣደራሽ ኣለዎ። በዚ ኣገልግሎት እዚ ኣቢለን እዘን ኣሓት ደናግል ፍቕርን ልግስን ብሉጽ ኣገልግሎትን ይምስክራ እየን።
ክንክን ቀጻልነት ከምኡውን ርእሰኻ-ምኽኣል
ንኣጋይሽ ምክንኻን ኪበሃል ከሎ ጥዑይ ምግብን ድሕንነት ዘለዎ መዕረፊን ምልጋስ ማለት እዩ። ነዚ ንምድጋፍ እዘን ኣሓት ደናግል፣ ኣታኽልቲ ኣሕምልትን ፍረታት ተኺለን ይከናኸና፣ ንመዓልታዊ ኣገልግሎት ዝኸውን ሓድሽ ፍርያት ድማ የዳልዋ። "ናይ ገዛእ ርእስና ምግቢ ብምብቋል ካብ ጐዳኢ ንጥረ ነገራት ስለ እንርሕቕ እቲ እነገልግሎ ሰብ ብሓድሽን ድሕንነትን ዘለዎ ፍረታት ከም እንገብሮ ርግጸኛታት ኢና" በላ።
እተን ኣሓት ደናግል ብተወሳኺ ከም ደርሆ ከብቲ ሓሰማታት ከምኡውን ማንቲለ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ንጥፈታት ሕርሻ እውን የካይዳ እየን። እዚ ተበግሶታት እዚ ንኣጋይሽ መኣዛዊ ምግቢ ኸም ዝረኽቡ ብምግባር ወጻኢታት ንምቕናስ ዝሕግዝ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እተን ኣሓት ሓላፍነት ዝስምዖ ምምሕዳርን ቀጻልነትን ዘለዎም ቈራጽነት ዜንጸባርቕ ኣገልግሎት ኢየን ዘካየዳ ዘለዋ።
ተልእኾ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ
እዘን ኣሓት ደናግል ንራእይ መስራቲአን እሙናት ብምዃነን፣ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምትሕብባር ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እውን ይፍጽማ ኢየን። ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን ትምህርተ ክርስቶስ የምህራ ከምኡውን ብዛዕባ መንባብሮ ሓዳር ዝምልከት ትምህርቲ ይህቡ ኢየን፣ እዚ ድማ ሰባት ዝያዳ ርእሶም ንክኽእሉ መነገድን ዕድላትን ዝኸፍተሎም ኢዩየኽ። በዚ ሓባራዊ ተልእኾ እዚ እቲ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ማሕበረሰብ፣ በቲ መዓልታዊ ኣገልግሎት ናይዘን ኣሓት ደናግል ዝግለጽ ህላወን ፍቕርን ክርስቶስን ይለማመዱ።
ፍረታትን ብድሆታትን ናይ ተልእኾ
ማእከል ሱባኤ ተንገሩ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፣ ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጹ ኣጋይሽ ንዕረፍቲ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢሉ እዩ። ብቐጻሊ ዝውሕዙ በጻሕቲ ድማ ምልክትን ሞሳን ምትእምማንን ናይዚ ኣገልግሎተን እዩ ። "ነቶም ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ኣጋይሽ ነማስወሎምን ነመስግኖምን ኢና። ሓሳባቶምን ምኽርታቶምን ኣገልግሎትና ንኸነመሓይሾ ይሕግዘና እዩ" ድማ ይብላ። እዚ ምላሽ እዚ ነቶም በጻሕቲ ዜድልዮም ነገራት ኣብ ግቡእ ግዜኡ ንምምላእ ይሕግዘና ኢዩ።
ልክዕ ከም ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ምቕባል ኣጋይሽ እውን ብድሆታት ኣሎዎ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ቍጽሪ ኣጋይሽን ሓሓሊፉ ንጥዕና ዜጋጥም ጸገማትን ተዓጻጻፍነትን ቈላሕታን ይሓትት። እቲ ዜሐጕስ ግና ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ሕክምናዊ መሳለጥያታት ኣጋይሽ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግቡእ ክንክን ከም ዚግበረሎም የረጋግጽ።
ካብ መንበሪና ርሒቑ ዝርከብ ገዛና
እዚ ናይ ቅዱስ ካሮሉስ ገዳምን ማእከል ሱባኤን ካብ መንበሪና ርሒቑ ዝርከብ ገዛና ዝብል ጭርሖ ዘቃልሕን ብሓቂ ነዚ ድማ ዘንጸባርቕ ኢዩ። እዘን ኣሓት ደናል ኣብ ምቕባል ኣጋይሽን ምግብን ቋንቋታትን ክኢላታት ስለ ዝዀና፣ ቋንቋታት ስዋሂሊ እንግሊዝ ጀርመን ከምኡውን ፈረንሳይ ዚዛረቡ ኣጋይሽ እውን ሓንጐፋይ ኢለን ከም ዚቕበላን ኢየን። ኵሎም እቶም ዕረፍትን መንፈሳዊ ምሕዳስን ምግብን ዝደልዩ ሰባት ኣብ ወጻኢ ከተማ ኣሩሻ ዘሎ ሰላማዊ ሃዋህው ንኺርእዩ ብውዕዉዕ መንፈስ ይዕድማ ኣላእዋ፣ ኣብኡ ድማ ኣሓት ግብረ ሰናይ ዘቅዱስ ቻርለስ ቦሮሜዮ ብፍቕርን ብጸሎትን ብልግስን እንግዶትን ንኣምላኽ ምግልጋል ይቕጽላ ኣለዋ።