ድለ

2022.07.11 Santa Messa di apertura della XX Conferenza AMECEA, presieduta dal cardinale Luis Antonio Tagle - Stadio Nazionale (Mkapa) DSM Tanzania – 10 luglio 2022. La conferenza della "Association of Member Episcopal Conferences in Eastern Africa" si con

ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣሜሲያን መንእሰያት ኣፍሪቃውያንን፣ "ንሕና መጻኢን ህልው ህላወን ቤተ-ክርስትያን

ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ማሕበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ንወለዶ መንእሰያት ዝውክሉ ልኡኻት ዝያዳ ጽልዋ ኽግበረሎም ጻውዒት ኣቕረቡ፣ "ንቤተ-ክርስትያን ከም ወኪላታ መጠን ናይ ለውጢ ሓይሊ ከም ምዃኖም ዝስምዓና ኣባላት ስድራቤት ጌርና ኢና እንርእዮ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ዜና ቫቲካን

ንሻቕሎት መንእሰያት ምስማዕ፣ ኣብ መስርሕ ውሳነታት ምስታፍ፣ ኣብ ጉስነታዊ መደብ ሰበኻታት ምእታው፣ "ንመጻኢ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰኑስ፣ ንህሉው ህላወ ቤተ-ክርስትያን እውን ዘድልዩ እዮም።" ኣብ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ማሕበር ኤጴስቆጶሳውያን ጉባኤታ ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 26 ኣብ ዝቕጽል ዘሎ፣ ኣብ ከትማ ናይሮቢ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፣ ከም ክፍሊ እቲ ጉባኤ ተወከልቲ መንእሰያት መደረታቶም ኣቕሪቦም፣ ንሳቶም ድማ ነቶም ተጋባእቲ ጳጳሳት "ድምጽና ጽን ኢልኩም ስምዑና፣ ብዛዕባ ክውንነታትና ከተስተንትኑን ከምኡውን ኣብ ጕዕዞና ብቕርበት ከተሰንዩናን" ክብሉ ተማሕጸንዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ፍረ ነገር ናይቲ ዓውደ ጉባኤ፣ "ናይ AMECEA's ሲኖዳዊ ጕዕዞ ምስ መንእሰያት፣ ድልድላት ሕብረትን ተስፋን ፍትሕን ጽቡቕ ምሕደራን ምህናጽ" ዝብል ኮይኑ፣ ንመንእሰያት ኣብ ማእከል ናይቲ ዘተታት ዝገብር ኢዩ ዝነበረ።

ተወከልቲ መንእሰያት ኣብ ጉባኤ ኣሜሰያ
ተወከልቲ መንእሰያት ኣብ ጉባኤ ኣሜሰያ

ነዊሕ ናይ ምምኽኻር መስርሕ

ተወካሊ መንእሰይ ርእሰ ኤጳርቅናታት ኣዲስ ኣበባ መንእሰይ ሃያት ዓብዲ፣ ነቶም ተጋባእቲ ጳጳሳት፣ ንመንእሰያት ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ንኽሳተፉ ስለ ዝዓደምዎም ኣመስገኖም፣ እዚ ተግባር እዚ ቤተ-ክርስትያን ምስኦም ምዝርራብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ጕዕዞ እምነት ንምስኦምን ንምስጋሮምን ዘለዋ ቘራጽነት ዘርኢ ምዃኑ ገለጸ። እዚ ምስ መንእሰያት ዝግበር መስርሕ ምምኽኻር ኣብ ዛምብያ ኣብ 2024 ብቤት ጽሕፈት AMECEA ኣብ እተኣከበ ፎረም ተጀሚሩ ዝነበረን፣ ከምኡ ውን ድሕሪ ድማ እቲ ኣብ 2026 ኣብ ዳር ሰላም ታንዛንያ እተገብረ ኣኼባ ብዞባዊ ኣኼባታት ኣቢሉ ከም እዘርግሐን ዝፍለጥ ኢዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ኣብ ናይሮቢ ዝቐረበ ሕቶ፣ ሻቕሎትን ተስፋታትን ዝሓዘ እዩ ዝንበረ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መንእሰያት ማሕበራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ባህላውን መንፈሳውን ብድሆታቶም፣ እተሓላለኸን ምትሕብባር ዘድልዮን ኣጸጋምን እኳ እንተኾነ፣ እዚ ኹሉ ጸገማት እውን እናሃለወ ኽነሱ፣ ንቤተ-ክርስትያን ዘበልጽግ ዓብዪ ውህበት ከምዘሎ እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ፦ "መንእሰያት ብብርታዐን ውዕዉዕ ስምዒትን ገዛእ ርእሶም ናብ ምልኣት ንምብጻሕ ሓያል ባህጊ ዘለዎም ኢዮም" ክብል እውን ኣመልከተሎም።

ተወከልቲ መንእሰያት ኣብ ጉባኤ ኣሜሰያ 2026
ተወከልቲ መንእሰያት ኣብ ጉባኤ ኣሜሰያ 2026

ስልጠናን ውክልናን ምስፋሕ

ተወካሊት መንእሰያት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጵሳት ማላዊ ዝኾነት ብለሲንግ ካቼፓ ኣብ ዘካፈለቶ ሓሳባት፣ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንኣገልግሎት መንእሰያት ዝያዳ ተቕዋማዊ ቈራጽነት ክግበር፣ ክፍልታት ናብ ደረጃ ምምሕዳራት ወይ ኮሚሽን ክብ ክብል፣ ከምኡውን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ኣብ መዋቕር ምምሕዳር ውክልና ክውስኽ ጻውዒት ኣቕሪባ። "መንእሰያት ንክውንነቶም ዚርድኡን ንከገልግሉ ብዚግባእ ዘሰልጠኑን ካህናትን መራሕቲ መንእሰያትን ከም ዜድልዮም” እውን ኣመልኪታ። ኣስዒባ ድማ ሓደ ፍሉይ ሕቶ ኣቕረበትሎም፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ናይ ማሕበራዊ ርክባት ክእለት ስልጠና ክሰፍሕን፣ ንመንእሰያት ሰብ ሓዳር እኹል ምድላውን ደገፍን ክግበረሎም ዝብል ኢዩ ዝንበረ። "ብዙሓት መንእሰያት እኹል ምድላው ከይረኸቡ፣ ናብ ሓዳርን ኪዳናዊ ሕይወትን ከም ዝኣትዉ፣ እዚ ድማ ናብ ልዑል ግጭትን ፍትሕን ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ"  ክትብል ተላበወት።

ጳጳሳት ተጋባእቲ ኣሜሰያ ኣብ ጉባኤ
ጳጳሳት ተጋባእቲ ኣሜሰያ ኣብ ጉባኤ

ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ንትምህርተ ክርስቶስ

ካልእ ፍረ ነገር ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዝንበረ ድማ፣ "ንመንእሰያት ኣብ ዘለዉሉ ቦታታ ንምርካብን እምነቶምን ክርስትያናዊ ምስክርነቶምን ንምድልዳል፣ ኣገዳሲ መሳርሒ" ዝዀነ ዲጂታላዊ ስብከተ ወንጌል ከም ምዃኑ እውን ተገሊጹ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ ጳጳሳት "ንትምህርተ ክርስቶስ ስኸውን ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት፣ ብውጽኢታዊ መገዲ ክጥቀሙሉ" ጻውዒት ኣቕረቡ። ኣብ መደምደምታ ከም ራእይ መንእሰያት፣ "ሓድነትን ሚስዮናዊት ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን፣ ንመንእሰያት ከም መራሕቲ ስልጠናታት ዝረኽቡሉን፣ ከም ወኪላት ለውጢ ኣፍልጦ ዝረኽቡሉን ቤት ክትከውን" ተላብዮም።

መንእሰያት ኣብ መኽፈቲ ሥነ ስርዓት ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣሜሰያ 2026
መንእሰያት ኣብ መኽፈቲ ሥነ ስርዓት ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣሜሰያ 2026
24 Jul 2026, 12:24