ድለ

ብፁዕ አቡነ ቤራርድ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘመቍጸርያ ኣብ ሃገረ ቀጠር ብፁዕ አቡነ ቤራርድ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘመቍጸርያ ኣብ ሃገረ ቀጠር   (Apostolic Vicariate of Northern Arabia (AVONA))

ሰሜናዊ ዓረብ፦ ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ ንማኅበረ ክርስትያን ይበጽሑ

ናይ ሰሜናዊ ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር፡ ኣብ መላእ ሃገራት ወሽመጥ ንዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ናይ ተስፋን፡ እምነትን፡ ሓድነትን መልእኽቲ ሒዞም ይበጽሑ ኣለዉ፤ ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ደቡባዊ ዓረብ ዝተኻየዱ ናይ ክረምቲ መዓስከራት ንኣገዳስነት ትምህርቲ ሰላም የጉልሑ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ ኣብ ዝገሃደሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ሰሜናዊ ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር፡ ብፁዕ አቡነ ኣልዶ ቤራርዲ፡ ኣብ ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ናይ 2026 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ እቲ ሓዋርያዊ መስተናብር፡ ንዝርከባ ቍምስናታት ዘካየድዎ ናይ ጕስነታዊ ምብጻሕ ዛዚሞም። እዚ ምብጻሕ እዚ ቤተ-ክርስትያን ምስ ምእመናን ዘለዋ ቅርበት ዘርእን፡ ሓድነትን፡ ተስፋን፡ ጸሎት ምእንቲ ሰላም  ዘተባብዕን እዩ ነይሩ።

ኣብ መላእ ወሽመጥ ዝርከባ ቍምስናታት ምብጻሕ

ካብቲ ናይ ሰሜናዊ ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ ኣብ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ባሕሬንን፡ ስዑዲ ዓረብን ንዝርከቡ ካቶሊካውያ ምእመናን ዘገልግላ 10 ቍምስናታትን፡ ክልተ ካቴድራላትን በጺሖም። ዕላማ እቲ ምብጻሕ ድማ "ሱታፌ ንምሕያልን፡ ንምእመናን ንምድጋፍን፡ ኣብ መላእ ዞባ ወሽመጥ ንዝርከብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንምትብባዕን" ዝዓለመ እዩ።

ኣብቲ ምብጻሕ፡ ንዘተን ንሓባራዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂቡ፤ እቲ ናይ ጕስነታዊ ምብጻሕ ድማ፡ ንዝያዳ ርክባትን፡ ሕዳሴን ከም "እዋን ጸጋ" ተገሊጹ ኣሎ።

እቶም ጳጳስ፡ ምእመናን ብምስጢረ ቍርባን ኣቢሎም ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ርክብ ከዕምቁ ኣተባቢዖም፤ "ኣብ እምነት ጸኒዖም ክቕጽሉን፡ ኣብ ስድራቤቶምን፡ ኣብ ቦታ ስርሖምን፡ ኣብ ማሕበረሰቦምን ናይ ወንጌል መሰኻኽር ኮይኖም ክነብሩ" ድማ ጸዊዖም።

ንምእመናን ምስማዕ

ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜኦም፡ ነቲ ምእመናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ተመክሮታትን፡ ብድሆታትን፡ ተስፋታትን ኣብ ምስማዕ ኣሕሊፎምዎ። ብተወሳኺ ድማ ነፍሲ ወከፍ ቍምስና፡ ኣብ መንፈሳውን ማኅበራውን ዕቤት ክትጸንዕ ጕስነታዊ መምርሒ ሂቦም።

ኣብቲ ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ልቢ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ ን155 ንዝኾኑ ምስጢረ ሜሮን ቀቢኦም። ብተወሳኺ፡ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሸስኮ ናብ ባሕሬን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንዝተኻየደ ታሪኻዊ ጳጳሳዊ ቅዳሴ ተባሂላ ዝተዳለወት ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝሓዘት ቤት-ጸሎት መሪቖም።

ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ባሕረን
ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ባሕረን   (©Apostolic Vicariate Northern Arabia - AVONA.)

እዚ ጕስነታዊ ምብጻሕ፡ መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ሞት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ንምዝካር ዝተዳለወ ፍሉይ ናይ ኢዮቤል ዓመት መኽፈቲ እውን ኮይኑ ኣሎ። ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾኣ ብዝበለጸ ክትፍጽም እትኽእል ኣባላታ ብእምነትን፡ ተስፋን፡ ፍቅርን ክሓብሩ ከለዉ ጥራይ ምዃኑ ንምእመናን ኣዘኻኺሮም።

ሰነዳዊት ፊልም "ቅድስት ድንግል ማርያም ዘዓረብ"

ኣብ ሓደ ካብቲ ምብጻሕ፡ "ቅድስት ድንግል ማርያም ዘዓረብ – ውርሻ እምነት" ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም ቀሪባ ነይራ። እዛ ፊልም እዚኣ፡ ብዛዕባ ታሪኽን፡ መንፈሳዊ ውርሻን፡ ቀጻሊ ተልእኾን፡ እቲ ኣብ ኣሕመዲ ሃገረ ኩዌት እትርከብ ባዚሊካ ናይ እኖና ቅድስትቲ ድንግል ማርያም ዘዓረብ እተዘንቱ እያ።

ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ፡ ምስቶም ናይቲ መስተናብር ልኡኻት ብምዃን፡ ኣብ ኣሕመዲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ምስ መሪሕነት ትካል ነዳዲ ኩዌት ናይ ክብሪ ርክብ ኣካይዶም፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን እቲ ትካልን ዘሎ ነዊሕ እዋን ዘቑጸረ ርክብ ዘጉልሕ እዩ።

ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ዘዓረብ ሃገረ ኵዌት
ብፁዕ አቡነ ቤራርዲ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ዘዓረብ ሃገረ ኵዌት   (Apostolic Vicariate of Northern Arabia (AVONA))

ኣብ ደቡባዊ ዓረብ ናይ ክረምቲ መዓስከራት ተጀሚሮም

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብቲ ዖማንን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ የመንን ዘጠቓልል ሓዋርያዊ መስተናብር ደቡባዊ ዓረብ፡ ዋላ እኳ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብድሆታትን ኣብቲ ዞባ ወሽመጥ ወጥሪ እንተነበረ፡ ናይ ቍምስናታት ናይ ክረምቲ መዓስከራት ተጀሚሮም ኣለዉ።

ከምቲ እቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝገለጾ፡ እዚ ተበግሶ እዚ ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረ ልምዲ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ጸገማት ፍሉይ ትርጉም ሒዙ ኣሎ። ናይ ደቡባዊ ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ አቡነ ፓኦሎ ማርቲነሊ፡ ንኣማኢት ሕጻናት ምቕባል "ናይ ሓድሽ ምጅማርን፡ ተስፋን፡ ጭቡጥ ምልክትን ኮይኑ፡ ንመጻኢ ብምትእምማንን፡ ትብዓትን፡ ንምጥማት ዝሕግዝ ዕድል እዩ" ኢሎም።

ጸሎት፡ ስልጠናን ሕውነትን

እዞም ኣብ መላእ እቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝርከቡ ናይ ቍምስና ማእከላት ዝካየዱ ናይ ክረምቲ መዓስከራት፡ ንኣሽሓት ሕጻናትን መንእሰያትን ኣብ ናይ ጸሎት ጉጅለታትን፡ ትምህርተ-ክርስቶስን፡ ጸወታታትን፡ ትምህርታዊ ዓውደ-ስልጠናን የሳተፉ ኣለዉ።

ነፍሲ ወከፍ ቍምስና ኣብ እምነትን፡ ስድራቤትን፡ ሰላምን፡ ምክልኻል ተፈጥሮን፡ ንክርስቶስ ምስዓብን ዘተኮረ ናይ ባዕላ መደብ ተዳሉ እያ። ከምቲ እቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝገለጾ፡ ዕላማ እዞም መዓስከራት፡ ንሕጻናትን መንእሰያትን ብሓገዝ ብርክት ዝበሉ ወለንተኛታት ኣቢልካ፡ ናይ ሰብኣውን ክርስትያናውን ስልጠና ምሃብ፡ እምነትን ሕውነትን ምዕባይ፡ ከምኡ እውን ናይ ኣገልግሎትን፡ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ሕይወትን መንፈስ ምትብባዕ እዩ።

ሕጻናት ኣብ ክረምታዊ መደባት እን ክሳተፉ
ሕጻናት ኣብ ክረምታዊ መደባት እን ክሳተፉ   (Apostolic Vicariate of Southern Arabia - AVOSA.)

ንሰላም ዝኸውን ትምህርቲ

ብፁዕ አቡነ ማርቲነሊ "ኣብ ትምህርቲ ወፍሪ ምግባር፡ ኣብ ልብን፡ ኣብ መንጎ ሕዝብታትን ነባሪ ሰላም ንምህናጽ ክንገብሮ ካብ እንኽእል ጭቡጥ ኣበርክቶታት ሓደ እዩ" ኢሎም።

ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምጥቃስ፡ "ናይ ሓቂ ሰላም ካብ እተፍቅር ልቢ እዩ ዝጅምር" ዝበሉ እቶም ጳጳስ፡ እዞም ተበግሶታት እዚኦም መንእሰያት ብእምነትን፡ ብሕውነትን፡ ብኣገልግሎትን፡ ብተስፋን ዝዓብዩሉ ባይታ ከም ዝፈጥሩ ገሊጾም።

29 Jul 2026, 10:33