መንእሰያት ኣብ ማእከል መበል 21 ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነቲ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ንምኽፋት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ኣገልግሎት ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ቸርኒ፡ ንመንእሰያት "ተስፋ ካባኻትኩም ክትምንዛዕ ኣይትፍቀዱ" እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 Magnifica Humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ብምዝካር ምይይጥን ትዕግስትን ትሕትናን ግጭታት ንምፍታሕ ከምኡውን ዝያዳ ፍትሓውን ሰላማውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝድርኽ መጋበርያ ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ኣብ ዛምቢያ ናይ ሰበኻ ሶልወዚ ጳጳስ ቻርለስ ጆሴፍ ሳምፓ ካሶንደ ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት መንእሰያት ቀዳምነት ጉስነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብቲ ዞባ ከም ዝኾኑ ገሊጽኖም፡ "ጳጳሳት ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ንመንእሰያት ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ቀዳምነት ጉስነትዊ መርሓ ግብርታቶም ዝገብርሉ ምኽንያት ብቐዳምነት መንእሰያት ተወፋይነትና ከም ዝግብኦም ከነርእን ናይ ቅድስትን ኣደን ቤተ ክርስቲያን ወገን ናይ ምዃን ስምዒት ከማዕብሉ ክንሕግዞምን ስለ እንደልይ እዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ተወፋይነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰይ ወለዶ
ኣብቲ ኣኼባ ኣስታት 140 ጳጳሳት ካብ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ዝመጹ ኤጲስቆጶሳውያን ጉባኤታት — ኢትዮጵያ ኤርትራ ኬንያ ማላዊ ደቡብ ሱዳን ሱዳን ታንዛንያ ኡጋንዳ ዛምብያ ከምኡውን ኣባላት ማሕበር ዝዀኑ ሃዋርያውያን መስተናብ ጂቡቲን ሶማልያን ይሳተፉ ከም ዘለዉን ኣብቲ መደብ ወከልቲ ፖለቲካዊ ተቕዋማት ውሽጢ ዓዲ እውን ዝተረኽቡ ኮይኑ፡ ካብኣቶም ናይ ሃገረ ኬንያ ርእሰ ብሔር ዊልያም ሩቶ ወኪሉ ዝተዛረበ ቀዳመይ ጸሓፊት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሙሳልያ ሙዳቫዲ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ሰናይ ምሕዳርን ምሕያል መንእሰያትን ንምድንፋዕ ዝያዳ ዞባዊ ምትሕብባር ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ እዞም ሰለስተ ኣዕኑድ ንዘላቒ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን ብኸመይ ኣገደስቲ ምዃኖም ኣስሚሩ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን "ንመንእሰያት ቅኑዕ ክብርታትን ክእለታትን ዕድላትን" ንምቕራብ ዘለዋ ተወፋይነት ብምግንዛብ፡ እቲ ኬንያዊ ፖለቲከይና "ኣፍሪቃ ዘለዋ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ካብ ቀይድታት ከነላቕቕን ዝያዳ ርጉእን ብልጽግናን መጻኢ ከነረጋግጽን ንኽእል ኢና" ከም ዝበለ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።
(ምንጪ ሓበሬታ፡ ‘ፊደስ - Fides’ ኣገልግሎት ዜና)