ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣብ ዘመናዊ ግዜ፡ ዝኾነ ሰብ ከም ንምብረት ክሕሰብ የብሉን
ዜና ቫቲካን
“ጥንታዊ ስርዓት ጊልያነት” ብሕጋዊ መንገዲ ክስረዝ እንከሎ፡ ኣስታት 50 ሚልዮን ሰባት ግን ኣደዳ ዘመናዊ ጊልያነት ኮይኖም ከም ዘለዉን ብተወሳኺ፡ እዚ ተግባራት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ካልእ ዓይነት ምዝመዛን፡ ኣብ ዓመት 236 ቢልዮን ዶላር ዘይሕጋዊ መኽሰብ ከም ዘምጽእ፡ ዓቢ መኻዕበቲ ገንዘብ ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮን (ILO)ን ኣህጉራዊ ውድብ ስደትን (IOM) ይሕብሩ።
ኣብዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘመናዊ ዓለም ኣብ ክንዲ ምዝሕሓል "እዚ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓላለኸ መንገዲ ይውስኽ ኣሎ" እንክብል ኣህጉራዊ ኣተሓባባሪት ታሊታ ኩም እናቴ ኣቢ ኣቨሊኖ ንዜና ቫቲካን ቅድሚ ዕለት 30 ሓምለ ዓለማዊ መዓልቲ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ሓቢረን፡ እቲ ብዓለም ሓቆፍ ናይ ደናግል ማሕበራት ዝመሓደር ኣህጉራዊ መርበብ ሓበሬታ ታሊታ ኩም ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ጸብጻቡ 2025 እዚ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝቃለስ መርበብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ 1.21 ሚልዮን ሰባት ተበጻሒ ከም ዝኾነን እዚ ድማ ምስ 2024 ክነጻጸር እንከሎ ብ29.6% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ሓቢረን፡ ይኹን እምበር፡ ዋላ’ውን ታሊታ ኩም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተበጻሕነት ይሃልዎ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳን እስያን ቁጽሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ተልእኾ ምውጋድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ህጹጽ እዩ” ይብላ።
ረብሓን ጉድኣትን ኣደ ጥበብ
ዓመታዊ ጸብጻብ 2025 ከም ዝሕብሮ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምስ ምብዛሕ ሓደስቲ እደ ጥበባት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ይዓቢ ኣሎ፡ ኣብ መርበብ ምዝመዛን ምትላልን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንሰባት ንምውናን ዝሕግዝ መሳርሒ ኮይኑ ኣሎ።
"ብዙሓት ካብቶም ዘጋጥሙና ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ኣብዚ ጉዳይ ዝተሓላለኸ ናይ ስነ ኣሃዛዊ መድረኻት ተዓጽዮም ኣለዉ - ቢለን - ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ዛንታታት መብጽዓታትን ምልመላን ብመርበብ የካፍሉ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እቲ ስራሕ ናይ ሓሶት እዩ፣ ፓስፖርቶም ይውሰድ፣ ናጽነቶም ድማ ይምንጠል። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣንፈት እዩ። እቲ ስነ ኣሃዛዊ መድረኽ ብገበነይናታት ትካላት ንመንእሰያት ኣብ መጻወድያ ንምታው ይጥቀሙሉ፡ ምኽንያቱ መንእሰያት ብሓቂ ዝሓሸ መጻኢ፡ ዝሓሸ ስራሕ ክረኽቡ ስለዝደልዩ . . . ። ዋና ኣመሓዳሪት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኤሚ ፖፕ ዕለት 28 ሓምለ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣብ መርበብ ዚርአ ናይ ምትላል ማእከላት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ሓቢራ እቶም ግዳያት ካብ ጠቕላላ ልዕሊ ሰማንያ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ካብ መላእ እስያ ዝመጹ" እዮም ትብል።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕቤት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘይተኣደነ ምዃኑ ኣብሪሆም። ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ዕጸ ፋርስን ገበንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNODC) ዓመታዊ ብቢልዮናት ዶላራት ኣመሪካ ብናይ ምትላል ተግባር ዝኽሰር ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ መላእ ምብራቕ እስያ፡ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ፡ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን፡ ውህደታት ምትላል ኣማኢት ኣሽሓት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰራሕተይናታት ከም ዘለዎም ይግመት።
ንምትላልን ምቅላስ
ታሊታ ኩም ነዚ ምትላል ንምምካት እትሰርሓሉ ዘላ ሓደ መገዲ፡ ነቶም ዕላማ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብመርበብ ዝኾኑ ሰባት ማለት መንእሰያት ብምምሃር እዩ። "መርበብና ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብዞም ስነ ኣሃዛዊ መድረኻት ዝለዓለ ግዚኦም ንዘሕልፉ ሰባት ንምምሃር ንጽዕር ኣለና" ትብል።
ብመንገዲ መደብ ልኡካን መንእሰያት ታሊታ ኩም፡ መንእሰያት ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ብኸመይ ከም ዘለልይዎ ብኸመይ ከም ዝገጥምዎን ብምሕጋዝ ስልጠና ይወሃብ፡ ድሕሪኡ፡ እዞም ልኡካን መንእሰያት ኣብ ከባቢኦምን ሃገራትን ተላኢኾም መዛኑኦም እውን ከምኡ ንኽገብሩ ይሕግዙ።
ነጋዶ ናብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኻት ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ታሊታ ኩም ብግዲኣ ነዚ ብተመሳሳሊ መድረኻት ክትቃወሞ ትደሊ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብመርበብ ንህዝቢ ንምምሃር ናይ ማሕበራዊ መርበባት ኣድራሻታት፣ ናይ ተለቪዥንን ረዲዮን መደባት ፈጢሩ ኣሎ።
ሓደ ክፋል ናይቲ መፍትሒ
ዓመታዊ ጸብጻብ 2025 ኣብ ብርክት ዝበሉ መዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝምልከት ዘተኮረ ኮይኑ - ካብ ምክልኻልን ምድጋፍ ንዝደሓኑ ሰባት ክሳብ ምርካብ ፍትሒ፡ ሽርክነትን ምጉስጓስን ዝብሉ ኣጒሊሐን ንሱ ድማ ነቶም ዝደሓኑ ደገፍ ዝምልከት እዩ። ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣካል ናይቲ መፍትሒ እዮም። እቶም ዝደሓኑ'ውን፡ ንጠለባቶም፡ ንዕድላት፡ ከምኡ'ውን ብቐጻሊ ንምስናይ ብሓቂ ብዘላቒ መንገዲ መድረኻት ከነቕርበሎም ኣሎና፡ ብህይወት ዝደሓኑ ማእከል ዝገበረ ኣገባብ” ተደሚሩ፡ ስርዓታዊ ለውጢ ክግበር ይጽውዕ፡ እዚ ማለት ድማ ሱር ጠንቂ ገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምፍታሕ ማለት እዩ - ስለምንታይ ሰባት ኣብ መጻወድያ ወዲቖም ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዙ መታን።
"ሰባት ብሰንኪ ድኽነትን ዘይማዕርነትን ግጭትን እዮም ዝንቀሳቐሱ። ነዚ እዩ ድማ ብሓቂ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘይብላ ዓለም ንምህናጽ ብሓባር ክንከይድ ዘድልየና። ነዚ ገበን ንምውጋድ ዝግበር ስራሕ ግን ካብ መሰረታዊ ደረጃ እዩ ዝጅምር፣ ብፍላይ ዓለማዊ ዝንባለ ነጋዶ እናተሓላለኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ። ስለዚ ምክልኻል፣ ምጉስጓስ፣ ንዝደሓኑ ደገፍን ምክልኻልን ኣገደስቲ መደባት እያቶም። ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ኣብ ኩሉ ቦታታትን ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ህይወትን ዝርከቡ ሰባት፡ መራሕቲ ውሽጢ ዓድን ዓለምን ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘቐጽል ዘሎ ሱር ጠንቂ ክፈትሑ ክጽውዑ ኣለዎም” እንክብላ ይሙግታ።
ትምህርቲ መፍትሕ እዩ
እዚ ገበን መወዳእታ ክግበረሉ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ብሓደ ሰብ፡ ብሓንቲ ሃገር፡ ወይ ብሓደ መርበብ ጥራይ ግን ዝከኣል ኣይኮነ። ትምህርቲ ሓደ ካብቶም ማዕጾ ዝኸፍት መፍትሕ እዩ። ህጻናት'ውን እንተኾነ፡ ብዝተኻእለ መጠን ንኣሽቱ፡ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ብኸመይ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ክመሃሩ ኣለዎም፡ ኣብ ዓለማዊ ኩነታት፡ ኣብ ከባብያዊ ኵነታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዝኾነ መዳይ'ውን፡ ብዝኾነ ደረጃ" - ቢለን - ነዚ ዓለማዊ ገበን መወዳእታ ንምግባር እውን ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ፡ ኪኖ ቁጽሪ፡ ኪኖ ናይ ኣሃዝ ጸብጻባት፡ ሰባት፡ ዛንታታትን ህይወትን ዝተጸልዉ ምዃኖም ምፍላጥ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ሕመረት ተልእኾ ጣሊታ ኩም ዝኾነ። እዚ ከኣ “ዝኾነ ሰብ ዝልወጥን ዝሽየጥን ንዋት ክቝጸር የብሉን ዝብል እዩ” እንክብላ ንዜና ቫቲካን ዝሃበኦ መግለጺ ይዛዝማ።