ኣባ ሮማነሊ፦ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው "ካብ ኣሰቃቒ ንላዕሊ" እዩ
ዜና ቫቲካን
ኣባ ገብርኤል ሮማነሊ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኩነታት "ኣሰቃቒ" ዝብል ቃል ጥራይ ክገልጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ብምጥንቃቕ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክግበር ጻውዒቶም ኣሐዲሶም ኣለዉ።
እዞም ተወላዲ ኣርጀንቲና ዝኾኑ ካህን፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ቁምስናን፡ ንኢጣልያዊ ትካል ዜና ካቶሊክ (SIR) ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፦ "ሰባት እቲ ኩነታት ኣሰቃቒ እዩ ክብሉ ከለዉ እመኑኒ፤ ብሓቂ ኣሰቃቒ እዩ—ብዝበለጸ ክግለጽ እንተኾይኑ ድማ ካብኡ ዝሓየለ ቃል የድልዮ" ኢሎም።
ኣባ ሮማነሊ፡ ሓጺር ርሕቀት ምጉዓዝ እኳ እናጸገመ ዝኸደሉ ዘሎ ዕለታዊ ቃልሲ ይገልጹ። ዝበዝሓ መካይን እቲ ቁምስና ብሰንኪ ሕጽረት መለዋወጢ ኣቑሑት ደው ኢለን እየን። "ሓንቲ መኪና ንምጉዓዝ ካብ ካልእ መኪና ባትሪ ክንወስድ ንግደድ ኣለና" ክብሉ የረድኡ። እታ ብካህናት እትጥቀም እንኮ ትሰርሕ ዘላ መኪና እኳ፡ ብሰንኪ ብከላ ዘይቲ ሞቶርን፡ ምዕጻው መተሓላለፊ ነዳዲን ክትበላሾ ተቓሪባ ኣላ።
ነዳዲ ኣዝዩ ውሑድን፡ ክቡርን ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ ሮማነሊ፡ ሓደ ሊትሮ ዲዘል ኣስታት 13 ዶላር ኣመሪካ ይሽየጥ ከምዘሎ ሓቢሮም። ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝተመስርሐ ፕላስቲክን ናይሎንን ዝተሰርሐ "ብልሓታዊ ነዳዲ" ክጥቀሙ ይግደዱ ኣለዉ።
"እቲ መስርሕ ብልክዕ ከመይ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን እየ፡ ግናኸ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝተመስርሐ ፕላስቲክ ነዳዲ የፍርዩ ከምዘለዉ ይነግሩኒ ኣለዉ። እቲ ጸገም ግን እዚ ነዳዲ እዚ ኣዝዩ ትሑት ጽሬት ዘለዎ ስለዝኾነ፡ ንመካይንን፡ ጀነሬተራትን ዓቢ ዕንወት የስዕብ ኣሎ" ክብሉ ገሊጾም።
እቲ ቕልውላው ኣብ ከቢድ ደረጃ ብምብጻሑ፡ ኣባ ሮማነሊ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን መካይን ብኣእዱግ ብዝስሓባ ዓረብያታት ንምትካእ እኳ እንተሓሰቡ፡ እቲ ኣማራጺ እውን እንተዀነ ሕጂ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኰይኑ ኣሎ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ ሓደ ኣድጊ ኣስታት 50,000 ሸከል—ማለት ካብ 16,000 ክሳብ 17,000 ዶላር—ከም ዝሓትት ነጊሮምኒ። "ቅድሚ እቲ ኲናት ግን ዋጋ ሓደ ኣድጊ ካብ 1,000 ክሳብ 2,000 ሸከል ጥራይ እዩ ነይሩ።"
እቶም ካህን፡ መጓዓዝያ ንመዓልታዊ ሕይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዀኑ ብምእማን፡ ሰባት ናብ ሆስፒታላትን፡ ቤት ትምህርትን፡ ቦታታት ዕዮን ንኽበጽሑ፡ ከምኡ’ውን ንሕሙማት ክበጽሑን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸከፋፍሉን ዘኽእል ምዀኑ ኣረዲኦም።
ኣብ እዋን እቲ ግጭት ቁጽሪ ዘይብሎም ጎደናታት ከም ዝዓነዉ ብምሕባር፡ "ቓዛ ኩሉ ነገር ብእግሪ ክስራሕ ዝኸኣል ኣዝያ ንእሽቶ ቦታ ኣይኰነትን" ይብሉ።
ካብቶም ሒደት ዘተባብዑ ምዕባለታት፡ መንግስቲ እስራኤል ምስ "ቦርድ ሰላም" ዝተኣሳሰረ ኣህጉራዊ ሓይሊ ናብ ዞባ ራፋሕ ንኽኣቱ ናይ መጀመርታ ፍቓድ ከም ዝሃበ ዝሕብሩ ጸብጻባት ከም ዘለዉ ኣባ ሮማነሊ ይሕብሩ።
"እዚ እንተወሓደ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ምዀነ" እውን ይብሉ።
እንተዀነ ግን፡ ኣባ ሮማነሊ እቲ ዝዓበየ ዘድሊ ነገር ንሲቪላዊ ሕዝቢ ቓዛ ምሕጋዝ ምዀኑ የረጋግጹ።
"ሕዝቢ ብዘይ ዝዀነ ነገር እዩ ዝነብር ዘሎ። ዳግመ-ሕንጸት ብርግጽ ኣገዳሲ እዩ፡ እንተዀነ ግን ኵሎም እቶም መሰረታዊ ንመዓልታዊ ሕይወት ዘድልዩ ነገራት እውን ብማዕረ ኣገደስቲ እዮም" ክብሉ ገሊጾም።