ድለ

ብፁዕ አቡነ ፒተር ኪማኒ ብፁዕ አቡነ ፒተር ኪማኒ  

ቤተ/ያን ምስ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ንምርኻብ ድልውቲ ምዃና ኣቡናት AMECEA ገሊጾም

ኬንያዊ ጳጳስ ሰበኻ ኢምቡን፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ኮሚሽን መንእሰያት ኣብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ (KCCB) ዝኾኑን፡ ብፁዕ አቡነ ፒተር ኪማኒ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዞባ ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ዝርከቡ መንእሰያት ንሕቶታቶም መልሲን፡ ምሕቋፍን፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎን ይደልዩ ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ሓዊሱ ከም ኣገደስቲ መሻርኽቲ ክሳተፉ ከምዝደልዩ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ዜና ቫቲካን ኣብ ዝተከታተሎ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA)፡ ብፁዕ አቡነ ኪማኒ ሕጂ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ግቡእ እዋን ከምዝመጸ ተዛሪቦም።

ሲኖዶሳዊ ዘተታት

ብፁዕ አቡነ ኪማኒ፡ ጳጳሳት ኣፍሪቃ ምስቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ልኡኻት መንእሰያት ብምዃን፡ ብሲኖዶሳዊ መገዲ ዘተ ብምክያድ፡ ኣዕጋቢ ዝኾነ ጕስነታዊ ውሳኔታት ከምዘሕልፉ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

"መንእሰያት ኣፍሪቃ ብመንጽር እምነትን፡ ምስ መጻኢኦም ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ሓድሽ ሓይሊ ረኺቦም ኣለዉ" ዝበሉ ብፁዕ አቡነ ኪማኒ፤ ኣብ ዞባ ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ጕስነታዊ ዕድል እዚ ተጠቂማ፡ ምስ መንእሰያት ክትዘራረብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ዘተ እዚ ድማ ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድሕሪኡ እውን ክቕጽል ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ገለ ካብ ተሳተፍቲ መንእሰያት
ገለ ካብ ተሳተፍቲ መንእሰያት

ንቑሕ ወለዶ

ብፁዕ አቡነ ኪማኒ ከምዝገለጽዎ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንእሰያት ክትዘራረብ ዝወሰነትሉ ምኽንያት፡ ንሳቶም ናይ ሎሚ ህልውናን፡ ናይ ጽባሕ መጻኢን ስለዝኾኑ እዩ። "ነቲ ንኣብነት ኣብዚ ኣብ ኬንያ ዝተራእየ ናይ መንእሰያት ሻቕሎት ክንርእዮ ከለና፡ መንእሰያት ካብቲ ኣብ ዙርያኦም ዝኸውን ዘሎ ነገራት ርሑቕ ከምዘይኮኑ ንርዳእ" ኢሎም።

እቲ ብመንእሰያት ዝተመርሐ ናይ ኬንያ "ሓዲሽ ወለዶ" ምንቅስቓስን ሻቕሎትን፡ ንሕዝቢ ኬንያ ዘገረመ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ድማ ዘነቕነቐ ነይሩ። ካብ ወርሒ ሰነ 2024 ጀሚሩ፡ መሪሕነት እታ ሃገር ኣብ መላእ ሃገር ብዝተወልዐ ዓመጽ ዘይተሓወሶ ሰለማዊ ሰልፍታት ክገጥሞ ጸኒሑ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ብልዑል ደረጃ ዝተወደበ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ድማ ብመንገዲ ማሕበራዊ መርበብ መራኸቢታት ከም X (Twitter)፣ TikTok፣ ከምኡ’ውን Instagram ዝተወደበ ነበረ።

"መንእሰያት ዓሚቝ ፍልጠት ኣለዎም፤ ብዛዕባ ዝኸውን ዘሎ ነገራት ድማ ዓሚቝ ንቕሓት ኣለዎም። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ፍርሖምን፡ ጭንቀቶምን፡ ኣብ ርእሶም ዘሎ ጥርጣረን፡ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ዘይርጉጽነትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንግስትን ቤተ-ክርስትያንን ዘለዎም እምነት ክጠፍእ ከሎ ንርኢ ኣለና። እቲ ብድሆታት ብዙሕ እዩ። ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት እውን ከይተረፈ፡ መንእሰያት ግቡእ ቦታኦም ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ። ኣብዚ ሓፈሻዊ ጉባኤን፡ ኣብቲ ንዕኡ ንምድላው ዝተገብረ ስራሓትን፡ መንእሰያት ሓሳቦም ብንጹር ገሊጾም እዮም። ንሳቶም ተዛሪቦም እዮም፤ ንሕና ከም ኣቡናት ድማ ሰሚዕናዮም ኣለና" ክብሉ ብፁዕ አቡነ ኪማኒ ገሊጾም።

ናይ ኣርባዕተ ዓመት ጓሳዊ ትልሚ

ነቶም ኣብ ዞባ ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ዝርከቡ መንእሰያት ድሕሪ ምስማዕ፡ እቶም ኣቡናት ንጉዳያት መንእሰያት ዝወሃብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጕስነታዊ ትልሚ ንምውጻእ ይሓስቡ ከምዘለዉ ገሊጾም። እቲ ትልሚ፡ ንመንእሰያት ኣብ ሕይወትን፡ ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ዘሳትፉ መደባት ስራሕ ዝሓዘ ክኸውን እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ዘለዉ ገለ ቅርጽታት ብምርኣይ፡ ውክልናን ተሳትፎን መንእሰያት ኣብቲ ዞባ ሕጋዊ መልክዕ ንምትሓዝን፡ ኣብ ኣባል ሃገራት  ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ዝርከቡ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ንምሕያልን ዝዓለመ እዩ። ካልእ ዓቢ ቆላሕታ ዝወሃቦ ጉዳይ ድማ፡ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ንቕሓት ምፍጣር እዩ። ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ንዕብየት መንእሰያት ቀዳምነት ክህብን፡ ንመንእሰያት ኣብ ግዜ ኢኮኖሚያዊ ብድሆታት ዝመርሑ ናይ ምኽሪ መደባት ንምፍጣርን ቃል ይኣቱ ኣሎ።

መንእሰያት ዞባ ኣመሰያ
መንእሰያት ዞባ ኣመሰያ

መንእሰያት ኣብ ዲጂታላዊ መድረኻት

"መንእሰያት ኣካል ቤተ-ክርስትያን እዮም። ንሕና ድማ ናብኦም ክንበጽሕ ኢና፤ እዚ ድማ ነቲ መብዛሕትኦም ዝርከቡሉ ዲጂታላዊ መድረኻት ዘጠቓልል እዩ" ክብሉ ብፁዕ አቡነ ኪማኒ ወሲኾም ገሊጾም።

ኣብቲ ናይ ማኅበር ኤጵስቆጶሳውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ልኡኻት መንእሰያት ካብ ዝሓተትዎም ነጥብታት፤ ኣብ ኢንተርነት ዝሰርሓ ናይ መስመር-መረብ ንኣሽቱ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ንምምስራት ፍቓድ ክወሃቦም፣ ከም ዲጂታላዊ ሚስዮናውያን ስልጠናታት ክወሃቦም፣ ከምኡ’ውን ኣብዚ ዲጂታላዊ ዓለም ንዘጋጥም ዘሎ ስእነት ስራሕ መንእሰያት ዝምጥን ናይ ትምህርቲ መደባት ክዳለወሎም ዝብሉ ይርከብዎም።

"ንመንእሰያት ናብ ርእስና ከነቕርቦም ከለና፡ ምሳታቶም ክንተሓባበር፣ ብሓባር ክንሰርሕ፣ ንሓድሕድና ክንሰማማዕ፣ ከምኡ’ውን ንቤተ-ክርስትያን ዝሓሸት ንምግባር ከም ሓደ ኴንና ክንጓዓዝ የድሊ። እዚ ድማ ሓልዮት ዘለዎ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ጥራይ ዘይኮነስ፡ መንእሰያት እሙናት ትካላትን፡ ንሕዝቢ ዘገልግል መሪሕነትን ምእንቲ ክወርሱ፡ ዘድልዮም ተስፋን መምርሕን ንምሃብ እዩ። እዚ መሪሕነት እዚ ድማ ኣብቲ መሰረታዊ ስርዓታት ናይ ካቶሊካዊ ማኅበራዊ ትምህርቲ ዝተመርኮሰ ክኸውን ይግባእ" ክብሉ ብፁዕ አቡነ ኪማኒ ንመራኸቢ ብዙሃን ገሊጾም።

25 Jul 2026, 11:51