መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ስነ-ምግባራዊ ወፍሪ ክግበር ይላበዉ
ቫቲካን ዜና
መበል 21 ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ተሳተፍቲ ናይ ካቶሊካዊ ምትእኽኻብ ስነ-ምግባራዊ ወፍሪ ኣዋጅ ናይሮቢ ከም ዘቕረቡን፣ ኣብ መላእ ዞባና እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቍጠባዊ ውሳኔታታ ንካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ፣ ሓልዮት ንፍጥረትን ንሓባራዊ ረብሓን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ከተረጋግጽ ይጽውዑ።
እዚ ኣዋጅ ውጽኢት ናይቲ ዕለት 17 ሓምለ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ መስመራዊ ስነ ምንቅስቓስ ዋዕላ ስነ-ምግባራዊ ወፍሪ ንካቶሊካውያን ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ናይ ዝተኻያደ ዓውደ ጉባኤ ኮይኑ፡ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፣ ዓለማውያን ክኢላታትን መሻርኽቲ በርገሳውያን ማሕበራትን "ምንቅስቓስ ስቡሕ ኣንተ - Laudato Si' ኣፍሪቃ" ዘራኸበ ዓውደ ጉባኤ ናይቲ ሎሚ ዓመት "ሲኖዳዊ ጉዕዞ ምስ መንእሰያት: ምህናጽ ድልድላት ሓድነትን፣ ተስፋ፣ ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ናይ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ኣበርክቶ ዘቕረበ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ስነ-ምግባራዊ ወፍሪ ከም ጉዳይ ክርስትያናዊ ምስክርነት
ተሳተፍቲ፡ ምምሕዳር ጸጋታት ቤተክርስትያን ውሁድ ኣካል ክርስትያናዊ ምስክርነት ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ብስም ቤተክርስትያን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ካብ ግብረ ገብ ገለልተይና ከምዘይኮነ" ኣረጋጊጾም። ካቶሊካውያን ሰበኻታት፡ ማሕበራት ሰብ ውፉህ ህይወት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጡረታን ካልኦት ትካላትን፡ ብመንጽር ሰብኣዊ ክብሪ፡ ንፍጥረትን ንሓባራዊ ረብሓን ሓልዮት ናይ ወፍሪ ኣሰራርሓአን ክግምግማ ኣተባቢዖም፡ እቲ ኣዋጅ ብዛዕባ ኣሰራርሓታት ወፍርን ሽርክነትን ዝያዳ ምልላይ ዝእምት ኮይኑ፡ ንናይ ትካላት ናይ ሓሶት ሓምላይ ዝፈጥሮ ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ስጉምትታትን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ምውጋድ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ጎኒ ጎኒ ዳግመ ወፍሪ ኣብ ተሓዳሲ ጸዓትን ንከባብያዊ ማሕበረሰባት ዘሐይል ተበግሶታትን ኣብ ግምት ምእታውን ይእምት።
ኣብ ‘ስቡሕ ኣንተ’ ሱር ዝሰደደ
እቲ ሰነድ ኣብቲ ስቡሕ ኣንተ - Laudato Ssi’ ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተመርኮዘ ኮይኑ፡ ተወሳኺ ኵሉ ነገር እተኣሳሰረ እዩ" ብምባል "ኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን" ምስማዕ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ። ኣብ ቀረባ እዋን ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ዋዕላታት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ዝተዋህበ መግለጺታት፡ ቅድሚ እቲ ካብ 10 ክሳብ 22 ሕዳር 2025 ኣብ ብራዚል ከተማ ቤለም ዝተኻየደ መበል 30 ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ዝተዳለወ እዩ። ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ኣብ 2025 ብዛዕባ ሃገራት ኣብ ስርዓት ከባቢያዊ ኣየር ከቢድ ጕድኣት ንኸይወርድ ዘለወን ግዴታታት ዝገልጽ ምኽራዊ ርእይቶ የመልክት።
ተሳተፍቲ ስነ - ምህዳራዊ ምልዋጥን ንመጻኢ ወለዶታት ዝምልከት ሓልዮትን ዘይነጻጸል ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ንፍጥረት ዝምልከት ክንክን ከም ኣገዳሲ ሸነኽ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ይገልጹ።
ምብራቕ ኣፍሪቃን ፍትሓዊ መሰጋገሪ ብድሆን
እቲ ኣዋጅ ነቲ ዞባ ዘጋጥሞ ዘሎ ክውንነት ዘስተንትነሉ፡ ብዙሓት ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ናይ ጽዓት ድኽነት ከምዘጋጥሞም ኣብ ርእሲኡ፡ ምስ ከባቢያዊ ኣየር ዝተኣሳሰር ድርቂ፡ ውሕጅን ምዝንባልን እውን ሳዕቤን ዝስከሙ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብዚ ድሕረ ባይታ እዚ፡ ተሳተፍቲ፡ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ጽንዓት ሕብረተሰብን ክቡር ስራሕን ዘተባብዑ መንገድታት ልምዓት ክቐርቡ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ነቲ መሰረታዊ ጠንቅታት ምብራስ ከባቢ ክፈትሕ ዘይክእል "ናይ ሓሶት ፍታሕ" እንክብል ካብ ዝገለጾም ኣገባባት የጠንቅቕ።
እቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ እቲ ምይይጥ ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊክን እምነት ዘለዎ ናይ ወፍርታት መዋቕር ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ትካላት ቍጠባዊ ውሳነታት ብኸመይ ክመርሕ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኢዩ። እቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ እቲ ናይ ወፍርታት ምርጫታት ዘምጽኦ ጉስነታውን ማሕበራውን ሳዕቤናት ከምኡውን ኣብቲ ዞባ ብሰፊሑ ናይ ምውጻእ ውጥናትን እተተንከፉ ማሕበረሰባት ዝሃብዎ ምስክርነት እውን ኣስተንቲኖም ኢዮም።
መንእሰያት ኣብ ማእከል
ምስ ቅዉም ሓሳብ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ - AMECEA ብምስምማዕ እቲ ኣዋጅ ኣብ ግደ መንእሰያት ፍሉይ ኣትኵሮ ይገብር። ነቲ ሎሚ ዘሎ ስነ ምህዳራዊ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ መንእሰያት ኣብ ውሳነ ሰበኻታት ዝያዳ ተሳትፎ ኣብ ስነ - ምግባራዊ ውፍሪታትን ኣከባብያዊ ኣተሓሕዛን ሕንጸት ከምኡውን ነቲ ብመንእሰያት ዝምራሕ ናይ ምሕዳስ ጸዓት ተበግሶታት ደገፍ ከም ዝሓትት ይሙግት። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ድልድል ሕብረትን ተስፋን ፍትሕን ጽቡቕ ምምሕዳርን ምስ መንእሰያት ወለዶታት ምህናጽ ማለት ኣብ ምምሕዳር ቤተ - ክርስትያን ግልጽነት ምርግጋጽን ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንጡፍ ተሳትፎ ምትብባዕን ማለት እዩ።
ጻውዒት ናብ ጳጳሳት
እቲ ኣዋጅ ኣብ መዛዘሚ ጻውዒቱ ንመበል 21 ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት መላእ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ዝተኣከቡ ጳጳሳት ነቲ ጽሑፍ ከም ኣበርክቶ ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ናይቲ ዞባ ክቕበልዎ ይዕድም። ተሳተፍቲ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝርከቡ ሰበኻታትን መንበረ ጵጵስናታትን ክመዓራረዩ ዝኽእሉ ዞባዊ እምነት ዝሰማማዕ መምርሒታት ወፍሪ ክምዕብል የተባብዑ።
እቲ ሰነድ ብተወሳኺ ጳጳሳት ኣብ መድረኽ ተግባር ስቡሕ ኣንተ’ ተሳትፎኦም ከዕምቑን ነዚ ቃል ኪዳናት ኣብ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ጉባኤ ከንጸባርቑን ይሓትት፣ ሓልዮት ናይ ሓባር ገዛና ዘይነጻጸል ኣካል ተልእኾን ስብከተ ወንጌልን ምስክርነትን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።