ፓኪስታን፦ ሓባራዊ ተፍባር ሃይማኖታት፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናዊ ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ ይከላኸል
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሰበ-ስልጣን ናይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ተማሃሮ ናይ እስላማዊ ኣብያተ ትምህርትን ኣባላት ማሕበረሰብን ብቅልጡፍ ጣልቃ ብምእታው፣ ኣብ ካራቺ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ክርስትያናዊት ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ ንምክልኻል ሓጊዞም።
ፈጻሚ ዳይረክተር ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ፓኪስታን ዝኾነ ናኢም ዩሱፍ ጊል፣ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ብዕለት 9 ሓምለ ኣብ ከተማ ባልዲያ እተገብረ ምላሽ እዋናዊ ስጕምትን ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ምትሕብባርን፣ ንዜሕዝን ፍጻመ ንምክልኻል ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ዜርኢ ምዃኑ ኣጠንቀቐ።
ጊል ኣብ መግለጺኡ ጸብጻባት ከም ዚሓበርዎ፣ "ሓደ ሰብ ሓደ ዝተራኸሰ ገጽ ቅዱስ ቁርኣን ናብ ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ብዓል ድኳን ብጶስጣ ለኣኸ።" እቲ ገጽ ናይ ሓደ ኣዚም ጃቬድ ዝስሙ ክርስትያን ሰብኣይን ኣዲኡን ኣብ ከተማ ባልዲያ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ካዛፊ ዝነብሩ ሰባት ዝሓዘ ምንባሩ ኢዩ ዝንገር። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ "ዓመጸኛታት ጭፍራ ንቤት እቲ እተኸሰሰ ኣዚም ከበብዎ።"
ጊል ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ዅነታት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ዝኣተወ "መንግስትን ምምሕዳርን ኣብ ግዜኡ ስጕምቲ ብምውሳድን፣ ነቶም ተቓወምቲ ፖሊስ ዓሚቝ ምርመራ ክገብርን፣ ነቶም ገበነኛታት ከም ዝረኽብዎምን ምስ ኣረጋገጸሎም ኢዩ ዝንበረ።" ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ "እቲ ተቓውሞ ተሰረዘ።"
ናይ ሓድነት መግለጺ
መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ካብ እስላማዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመጹ ተማሃሮን ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ፖለቲከይናታትን፣ ንክርስትያን ስድራቤታት ንምዕቋብ ዝገበርዎ ጣልቃ ምእታው ዘይትጽበዮ ምንባሩ ድማ ጊል ወሲኹ ኣመልከተ።
"ብዓብዪ እዚ ተግባር እዚ ዘገርም ኢዩ፣ ተቐባልነትን ኣድናቖትን እውን ረኹቡ ኣሎ" ብምባል፣ እቲ ፍጻመ "በብቝሩብ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ርክብ ንምህናጽ መገዲ ክጸርግ" ተስፋ ከም ዝገበር እውን ገለጸ።
ጊል እቲ ኣብ ከተማ ባልዲያ ዘጋጠመ ፍጻመታት፣ ኣብ እዋን ቅልውላው ወሳኒ መሪሕነት ዘለዎ ኣገዳስነት ምኹኑ የጕልሕ።
"ምምሕዳርን መሪሕነት ሃይማኖታትን ብትሕትናን ጥበብን ስጕምቲ እንተ ወሲዶም፣ ከም ጃራንዋላ ጎጃራ ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ክውገድ ከም ዝኽእል ተማሂሩ ኢና" ብምባል ነቲ ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ጸረ-ክርስትናዊ ዓመጻ ብምጥቃስ መስከረ።
ጥንቃቐ ዝመልኦ ገምጋም
ሰላማዊ ውጽኢት እኳ እንተ ተረኸበ፣ ጊል ነቲ ፍጻመ ብዛዕባ ግዝኣተ ሕጊ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝሰፍሐ ለውጢ ኸም ዘሎ መርትዖ ገይሮም ኸይትርጕምዎ ኣጠንቀቐ።
"ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንልዕልና ሕጊ እና ተጣሕሰ ይኸይድ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣዝዩ ቅልጡፍ ዝኾነ መልሲ ኢዩ ዝወሃብ ዘሎ" ድማ በለ።
ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ናይ ምጽራፍ ክስታት ኪለዓል ከሎ ኣዝዩ ከም ዘጨንቖም ድማ ኣጕልሐ።
"ማሕበረሰብ ክርስትና ኣብ ፓኪስታን ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ፍጻመታት፣ ዕቝባ ዘይብሉን ተነቃፊን ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ" ድማ በለ። "እቲ ኽሲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ እዩ ዝቐርብ። እቲ ተኸሳሲ ክርስትያን እንተ ዀይኑ ግን ብምሉኡ እቲ ማሕበረሰብ ኢዩ ዋጋ ዝኸፍል።"
"ምትእምማን ማሕበረሰብ ንምምላስ ግዜ ክወስድ ኢዩ" እውን በለ።
ክቡር ዋጋ ርክባት
ጊል ኣስዒቡ ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ውሽጢ እቲ ኸባቢ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ስለ ዝነበሮ፣ ቅልጡፍ ምላሽ ክህብ ከም ዝኸኣለ እውን ኣመልከተ።
ሓደ ኣብ ሓደ ጐደና ዚነብር ዝነበረ ሰራሕተኛ ነበር፣ ንኣተሓባባሪ እቲ ኮሚሽን ከም ዘጠንቀቖ ገለጸ፣ ንሱ ድማ ብኡንብኡ ምስ ሰበ-ስልጣን እቲ ኸባቢ እንተላይ ምክትል ኣፈይና ናቪድ ከምኡውን "ምስ ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ካህናትን" ተራኸበ።
ወሲኹ ድማ እቲ ኮሚሽን ንብዙሕ ዓመታት፣ "ኣብቲ ኸባቢ ብዛዕባ ምትሕብባር ሃይማኖታት ዝገልጽ ሰሚናራት ከም ዘዳለወ" ከምኡውን "ምስ መብዛሕትኦም እቶም ማሕበረሰብ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘማዕበለ" ገለጸ።
"እዚ ተበግሶ እዚ ንማሕበረሰብ ክርስትና ንምዕቋብ ብዙሓት ሕያዎት ሰባት ኣብ ምንቅስቓስ ጽቡቕ ግደ ነይርዎ እዩ" ድማ በለ።
ጊል ወሲኹ፣ እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰብኣውን ርክባት ዚግበር ዝርርብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜርኢ ጭቡጥ ኣብነት እዩ ይብል።
"ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዝርርብ ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ክቕጽል ድማ ኣለዎ። ነቲ ዕንቅፋታት ክሰግሮ ውን ኢዩ" በለ።
ኣብ መጻኢ ዓመጻ ምክልኻል
ጊል ንመጻኢ ክጥምት ከሎ፣ እቲ ናይ ጸርፊ ክስታት ናብ ዓመጻ ንኸይሰግር ንምክልኻል ዝያዳ ህዝባዊ ፍልጠት ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕረበ።
"መንግስቲ ብዅሉ መገድታት ናይ ምስትውዓል ወፈራ ክጅምር ኣለዎ" ብምባል "ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈራ ፈጺሙ ኣይተጀመረን" ክብል ድማ የተሓሳስብ።
"ሰባት ብመምሃሪ መጻሕፍትን ብድራማታት ተለቪዥንን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ብሓጸርቲ መልእኽትታትን ኣቢሎም፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ጥበባዊ ስጕምቲ ንኽወስዱ ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም" ዝብል ሓሳብ እውን ኣቕረበ።
ጊል ብተወሳኺ፣ ነቲ ኣብ ከተማ ካራቺ እተገብረ ሰላማዊ ፍታሕ ሓንጐፋይ ኢሉ ክቕበሎ ኸሎ፣ ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ ብዙሓት ክርስትያን ምእመናን ኣድልዎ የጋጥሞም ከም ዘሎ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ የዘኻኽር።
"ኣብ ፓኪስታን ዘለዉ ካቶሊካውያን ከቢድ ናብራ ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ" ድማ በለ። "ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ኣድልዎን ውርደትን ጽልእን የጋጥሞም ኣሎ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብኽብረት ንምንባር ይቃለስ ኣሎ።"
ጊል ኣብ መደምደምታ፣ እቲ ፍጻመ ንተስፋ ምኽንያት ዚህብ እንተ ዀይኑ ኺሓስብ ከሎ ኣገዳሲ ዞባዊ ፍልልይ ኣመልኪቱ የስተንትን።
"እዚ ፍሉይ ፍጻመ ኣብ ኣውራጃ ሲንድ እዩ ኣጋጢሙ፣ ሲንድ ብተዛማዲ ኻብ ፑንጃብ ንላዕሊ ተጻዋርነት ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ። ዳርጋ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ምእመናን ዝፍጸም ዓመጽ ዝመልኦ መጥቃዕትታት ኣብ ፑንጃብ እዩ ዚፍጸም" ክብል ድማ መግለጺኡ ደምደመ።